ኣገዳሲ ሓበሬታ – ንኩሉ ኤርትራዊ ተቐማጢ ከለንን ከባቢኣን

ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ከለንን ከባቢኣን ኣብ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ጀጋኑና ሓቢርና ንክንዝክርን መዓልቶም ንኸነኽብርን፡ ንኩሉ ኤርትራዊ ተቐማጢ እዚ ከባቢ ብኣኽብሮት ይዕድም።

ናይ ሎሚ ዓመት ኣከባብራ መዓልቲ ሰማእታትና ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ክንገብሮ ዝጸናሕና ኣገባብ ፍልይ ዝበለን ብዝሰፍሐን ኣብ Friedenspark/ሰላም ፓርክ ተኽሊ ኦም ብምትካልን ብዙሓት ኣጋይሽ ካብ መሓዙትናን ፈተውትናን፡ ካብ ምምሕዳር ከተማ ከለን፡ ወከልቲ ገበርቲ ሰናይን ማሕበራትን ዘለውሉ ኮይኑ፡ ብድሕሪ እዚውን ካልእ ምስዚ መዓልቲ ዝኸይድ ናይ ሓባር ምሸት መደብ ስለዘሎ፡ ሓቢርና ብድምቀት ከነሕልፎ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ከለንን ከባቢኣን ይጽውዕ።

ቦታ፡  Friedenspark

     Oberländer Wall, 50678 Köln

     Südstadt/Ubierring

ስዓት፡ 15፡00 ክሳብ 17፡00 ሰማእታት ምዝካር፡ ካብ ሰዓት 17፡00 ክፉት ናይ

      ሓባር ምሸት ኣብ Italienisches Zentrum,Offene Welt/Mondo

      aperto, Zugweg 22,50677 Köln

 

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና

ሽማግለ ማሕበረሰብ ከለንን ከባቢኣን


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>