ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኮንዶሊሳ ራይስ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ከምእትሳተፍን ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከምእትራኸብን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንኣፈኛ ስተይት ዲፓርትመንት ብምጥቃስ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣፍሊጡ።
ንሳ ኣብቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደታ ንጉዳይ ሶማልን ዳርፉርን ኣመልኪታ ምስ ሰበስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃ ክትዘራረብ ምዃና ‘ውን እቲ ዜና ይጠቅስ።
ብጽሖ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኮንዶሊሳ ራይስ፡ ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት “ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ወጥሪ በጺሑ፡ ዳግማይ ኵናት ከይውላዕ የስግእ እዩ” ኣብ ዝበሓለሉ ዘሎ እዋን እያ ኣዲስ ኣበባ ትበጽሕ ዘላ።
ብሕልፊ ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ኣመሪካ፡ መንግስቲ ኤርትራ ቀንዲ መዋሊ ናይቶም “ግብረሽበራውያን” ብምባል እትገልጾም ምንቅስቓሳት ሶማል ብምዃኑ ኣትሪራ ክትውግዞ ኸላ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብኣሻራውነት ምስ ኢትዮጵያ እናኸሰሰ ጸረ ኣመሪካ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተታት የካይድ ከምዘሎ ይፍለጥ።
asenai.com