ጕዳይ ዳዊት ኢሳቕ ብመንግስቲ ሽወደን ክታሓዝ ኣሎዎ።

﷽ብሓቂ ንእሱር መሳርሕትኹም ክትሕግዙ ድልየት እንተልዩኩም፡ ብዛዕብኡ ንእትዝርግሕዎ ጽሑፋት ንዅነታቱ ከማሓይሽ ዝኽእል እንተዀይኑ ክትሓስብሉ ዘሎኩም ኢዩ﻾። ሰራሕተኛ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ ብተሌፎን mበዛዕባ ጕዳይ ዳዊት ኢሳቕ ተሓቲቱ ዝሃቦ መልሲ ኢዩ። ብኻልእ ወገን ነቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝቐርብ ነቐፈታ፡ ነቲ ሕብረት ኤውሮጳ ንምዕባለ ኢላ ንመንግስቲ ኤርትራ እትህቦ ሓገዝን ዝርድኦ እመስል። ኮሚሽን ሓገዝ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ኣብ ዓለም ብምልካውነቱ ኣዝዩ ዝተለለየ መንግስቲ ኤርትራ ሓገዝ ክግበረሉ ከሎ፡ ምስ መሰል ሰብኣውነትን ጠለብ ምፍታሕ ጋዜጠኛ ሽወደናዊ ኢሳቕን ግን እዚ ሰራሕተኛ ሕብረት ኤውሮጳ ክሰማማዕ ኣይደልን።



﷽ብሓቂ ንእሱር መሳርሕትኹም ክትሕግዙ ድልየት እንተልዩኩም፡ ብዛዕብኡ ንእትዝርግሕዎ ጽሑፋት ንዅነታቱ ከማሓይሽ ዝኽእል እንተዀይኑ ክትሓስብሉ ዘሎኩም ኢዩ﻾። ሰራሕተኛ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ ብተሌፎን mበዛዕባ ጕዳይ ዳዊት ኢሳቕ ተሓቲቱ ዝሃቦ መልሲ ኢዩ። ብኻልእ ወገን ነቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝቐርብ ነቐፈታ፡ ነቲ ሕብረት ኤውሮጳ ንምዕባለ ኢላ ንመንግስቲ ኤርትራ እትህቦ ሓገዝን ዝርድኦ እመስል። ኮሚሽን ሓገዝ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ኣብ ዓለም ብምልካውነቱ ኣዝዩ ዝተለለየ መንግስቲ ኤርትራ ሓገዝ ክግበረሉ ከሎ፡ ምስ መሰል ሰብኣውነትን ጠለብ ምፍታሕ ጋዜጠኛ ሽወደናዊ ኢሳቕን ግን እዚ ሰራሕተኛ ሕብረት ኤውሮጳ ክሰማማዕ ኣይደልን።


መጐትኡ ﷽ናይ ነዊሕ ፖለቲካዊ ዕላማ ምዕባለ ብዅነታት ሓደ ሰብ ክድፋእ ከም ዘይብሉ ክርድኣኩም ይግባእ﻾ ኢዩ ዝብል። ሓጺር ግዜ ድሕሪ ምስ በዓል ስልጣን ኮሚሽን ኤውሮጳ ምዝራበይ፡ ምስ ተቓወምቲ ደምበ ኤርትራውያን ኣብ ስደት ተራኺበ። እዞም ኣብ ኤውሮጳ ዐêደት ዝገብሩ ዘለዉ ወከልቲ፡ 13 ውድባት ዝተኣከብሉ ጽላል ውድብ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ዘለዎም ኣረኣእያ ብዛዕባ ጽሞና ዲፕሎማሲ ከኣ፡ ንጹር ዝዀነ ኣቕዋም ኣለዎም። ዲፕሎማሲ ጽሞና ምስ’ዚ ቀዛፍን ምሕረት ዘይፈልጥን ስርዓት ክሰርሕ ከም ዘይክእል ኢዮም ዝገልጹ። ኣብ ሓቅን  ክውንን ዝተመስረተ ብወከልቲ ሕቡር ተቓውሞ፡ ዘስካሕክሕ ጭካነን እኩይነትን ንዘለዎ ምልካውነት ኤርትራ ብንጹር ቀሪቡ ኣሎ። ደወል ጸብጻባት ጕጅለታት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ምስክር ተኣሲሮም ዝነበሩን፡ ግህሰትን ስቓይ መግረፍትን ብሓደ ኣገዳሲ መወሰኽታ ﷽ኵነታት ካብ ዝነበሮ ዝያዳ ገዲዱ ኣሎ﻾ ይብሉ።


ህጹጽ ሕጽረት መግብን ምስቲ እቲ መንግስቲ ዝገብሮ ክትርድኦ ዘጸግም ምፍሳስ ገንዘብን ንብረትን ንምዕባይ ወተሃደራዊ መሳርያ፡ ኤርትራ ኣብ ሕጽረትን ስእነትን መሰረታዊ ኣገልግሎት ህዝቢ ተጸጢሓ ትርከብ።


80% ህዝቢ ኤርትራ ጸጋዕተኛ ወጻኢ ሓገዝ ክኸውን ከሎ፡ ብዙሓት ድሮ ብጥሜት ተጠቒዖም ኣለዉ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት ራድዮ ሽወደን ከምዝገለጾ፡ መንግስቲ ሽወደን ሰብኣዊ ሓገዝ ንኤርትራ ከም ዘድሊ ብምርግጋጽ ሓገዝ ምዕባለ ንምግባር’ውን ክፉት ከምዘሎ ኢዩ ዝዝረብ። መሰረት መንግስታዊ ጸሓፊ፡ ሓገዝ ሕብረት ኤውሮጳ ሓድሽ ሚልያርድ ሓገዝ ንዲክተይተር ተቓውሞ የብሉን። ብኣንጻሩ ﷽ሕብረት ኤውሮጳ ንኤርትራ ሓገዝ ክትህብ እንተኣቋሪጻ ጌጋ ኢዩ﻾ ይብል። መንግስቲ ሽወደን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዘውጽኦ መግለጺ ግን ክልእ መልክዕ’ዩ ዘለዎ። እቲ መግለጺ መንግስቲ ሽወደን ኣብ ዓለም ዘለዉ መለኽተñ ብናይ ሽወደን ፖሊሲ ሓገዝ ክፈርሁ ይግቦኦም’ዩ፡ ከመይ’ሲ ደሞክራሲ ቀዳማይ ዕላማ ናይ ሓገዝና ኢዩ ዝብል። እዚ ብሓቂ ዝተገላበጠ ነገር’ዩ።


እቲ ሕብረት ኤውሮጳ ዝገብሮ ሓገዝ ንኤርትራ፡ ነዚ ብመንግስቲ ሽወደን ዝበሃል ዘሎ ዓቢ ጕዳይ ደሞክራሲ፡ ንኣቛሙ ዝፈታተን ኢዩ። ኣብ ርእሲኡ ጕዳይ ዳዊት ኢሳቕ ካብ ቅድሚ ሕጂ ሎሚ ብዝያዳ ኣገዳሲ ኰይኑ ኣሎ። ሕጽረት መግብን ሰብኣዊ ሓገዝን ንመንግስቲ ኤርትራ ካብ ዓለም ንዝመጾ ጠለብ ሰብኣዊ መሰላት ንዘሎዎ ኣቛም ዝቕይር ኣይኰነን። ብኻልእ ወገን ንዅነታት ሸውዓተ ዓመት ዝተኣስረ ሽወደናዊ ከቃልል ይኽእል ይኸውን። እዚ ክኸውን ግን ምሕዝነታዊ መንግስቲ ሽወደን፡ ቀዳማይ ሚኒስተርን ወጻኢ ጕዳይ ሚኒስተርን መራሕቲ ሰልፍታትን ሓላፍነት ወሲዶም ክብገስሉ ኣሎዎም። እቶም ኣብ ዙርያ ክልስ ሓሳባት ማለቶም ኰይኑ ኣብ ብራስለስን ስቶክሆልምን ዘለዉ ሓለፍቲ ዝህብዎ ዜማ ﷽ንምልካውነት ሓገዝ ምቍራጽ ኣዝዩ ጌጋ ኢዩ﻾ ዝብል መርገጺኦም ጕዳዩ በሪሁ ኣሎ።


መራሕ መደብ ትቪ 8
ንብዙሕ ዓመታት መሳርሕቲ ተለቪዥን ሽወደን ኰይኑ
ዘገልገለ ላርሽ ኣዳክትሶን።
ትርጉም ወጻኢ ጕዳያት
ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን
ጨንፈር ሽወደን።
22/10/2008


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>