ቅልዕቲ ደብዳቤ ናብ ድምጺ ኣመሪካ።

ሰላም ድምጺ ኣመሪካ መደብ ክፍሊ ትግርኛ፡ ንሕና ኣባላት መርበብ ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ መደባትኩም መዓልታዊ ንከታተሎ ኢና። ገለ ካብቲ ጽቡቕ መደባትኩም ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝብል ጽቡቕ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ኣሕዋትን ጎረባብትን ንዝኾኑ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ጽቡቕ መንፈስ ንምምጻእ እትገብርዎ መደባት   ዝነኣድን ዝምጎስን ኢዩ።

ንፖለቲካዊ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሽግርን ምሕደራን ብዝምልከት እተቕርቡዎ ኣገላልጻ ግን ዝነኣድ ኣይነበረን።

ሕጂ ኸኣ ብዝገደደ ወኪልኩም ተወልደ ወልደገብሪኤል ንኤርትራ ከይዱ ኣብ ኤርትራ ሽግር ጥምየት ከምዘየለን ዝልምኑ ከምዘይረኣየን መንግስቲ ኤርትራ ብዝገብረሎም ድጎማ ባኒ ይገዝእ ከምዘሎን ገሊጹ፡ እዚ ኸኣ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ እተቃልሖ ምድጋሙ ንረዲዮ ድምጺ ኣመሪካ መሳርሒ ናይቲ ዓማጺ መራሒ ኮይና ከምዘላ የምስል፡ እሞ መኣረምታ ጌርኩም ሓቀኛ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ንኸተቃልሑ ንምሕጽነኩም።
 
መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካውያን ማሕበራት
ኣብ ኤውሮጳ።
12.06.2009


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>