እንታይ ዝበልዎ ዘበን’ዩ ደቀይ
ንፋስ ኣትዩዎ ቲ ምውቕ ገዛይ
ክምንጠል ክውሰድ ውላደይ ሰብኣየይ
ከጣቕዕ ክዘልል ጉሁይ ከሎ ውሽጠይ::
ፈትየ መዓስ ኮይነ ዘጣቃዕኩ!
እንታይ ዝበልዎ ዘበን’ዩ ደቀይ
ንፋስ ኣትዩዎ ቲ ምውቕ ገዛይ
ክምንጠል ክውሰድ ውላደይ ሰብኣየይ
ከጣቕዕ ክዘልል ጉሁይ ከሎ ውሽጠይ::
ፈትየ መዓስ ኮይነ ዘጣቃዕኩ
ሕጉስቲ ክመስል ዝተገየጽኩ
ዝሓየልኩ መሲለ ዝሓበጥኩ
ንኽድሕን’የ ኣምሲለ ዝኸድኩ::
በደል ርእየ ምስ ዝብል ዓገብ
ዝብሉ ይመጹኒ ከይተምጺ ሰበብ
ይውሕጦ ንውሽጢ ጋሂ ይቕለብ
ማዳ ኾይኑ እንሀለ ገጸይ ይዛረብ::
እሞ ደኣ ክሳብ መዓስ እየ ክነብር
መዓር እዩ እንዳበልኩ መርዚ ክብርብር
ዘይውዳእ ጎቦ ክፍትን ዝሓኩር
ዝወለደት ትውለድ ንሕልናይ ዘይነብር::
ኣይ ውላደይ ኣይ ሰብኣየይ
ኮሎም ሲኢነዮም ብሰንኪ ስቕታይ
ተኾርምየን ኣሳፊሐን ዘይተርፈኒ ሞተይ
እንታይ ምስኮንኩ’የ ዝቐተልኩ ሕልናይ::
ኻልድ ዓብዱ
ሽወደን