ንድሕነት ህዝብን ሃገርን፡ እንተኮይኑ ዕላማ
ስሙር ግንባር ፈጢርካ፡ ንህግደፍ ምህራማ
ክሳብ ምኣስ እዩ ድኣ፡ ብማዕዶ ቁዝማ
ኤርትራ ምስ ህዝባ፡ ከም ሎሚ እዃ ዘይሓሰማ
እንታይ ድኣ ጉደን፡ ንለዉጢ ዘይቐዳደማ
ሃገር እናተሓመሰት፡ ኣእዛነን ዘጽምማ
ኣበይ ድኣ ኣለዋ ተቓወምቲ ዉድባት??
ብለምለም ገብረሚካኤል
04/01/2009
ድምጸን ዘየስማዓ፡ ናይ ለዉጢ ቃና
ትዓዘብቲ ዝኮና፡ እና ተናወጸ ሰራዊትና
ምህርቱ ካብ ዓዉዲ፡ እናተመንጠለ ህዝብና
ንኹሌራዊ ጉሓፍ፡ እናተነስነሰ ኣብ መሬትና
ኣበይ ድኣ ኣሎዋ! ወየን ተቓወምቲ ዉድባትና?
ኣሎና ዘይብላ፡ ኣብ እዚ ጊዜ ወጥሪ
ንናዕቢ ህዝብና፡ ዘይህብኦ ናህሪ
ይፈለጥ ጉደን! ጉርሒ ድዩስ ስዉር ምኽሪ
ንግሆ ተሳማሚዔን፡ ምሸት ዘፍርስኦ ዉዕሊ
ወይስ ኣሎወን ሚስጢር፡ ዘይተጋህደ ብዕሊ??
ንድሕነት ህዝብን ሃገርን፡ እንተኮይኑ ዕላማ
ስሙር ግንባር ፈጢርካ፡ ንህግደፍ ምህራማ
ክሳብ ምኣስ እዩ ድኣ፡ ብማዕዶ ቁዝማ
ኤርትራ ምስ ህዝባ፡ ከም ሎሚ እዃ ዘይሓሰማ
እንታይ ድኣ ጉደን፡ ንለዉጢ ዘይቐዳደማ
ሃገር እናተሓመሰት፡ ኣእዛነን ዘጽምማ
ተቃወምቲ ዉድባትና፡ ብዙሕ ቁጽረን
ጭርሖአን ሓደ፡ ፍልልይ ዘይብለን
ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ዝነብራ ሓኺለን
ሎሚስ ገሪሙና! በዚሑ ኣበረን
ንኣዉያት ህዝበን፡ ዘየስምዓ ቓለን
ሎሚስ ልቢ ንግበር! እቶም ተከተልተን
እዚ እተገልጸ፡ ካብ ኮነ ኣንፈተን
ይትረፈና ካብ ምኳን፡ ትዓዘብቲ ጌግአን
ተጽዕኖ ንግበረለን፡ ንኽቕይራ መንገደን
ንድሕነት ሃገርን ህዝብን፡ ክኸዉን ዕላምአን
ይወገድ ዓርከይ፡ ዉድበይ ዉድብካ
ኣዉያት ህዝቢ ምስማዕ እዩ፡ ተሳኒኻ
ጽባሕ ነርክበሉ፡ ዉድበይ ውድብካ
ቕድም መፍትሕ ምርካብ፡ ንወጽዓ ዜጋኻ
ኣይፋል ብጉልባብ ተቓዉሞ ምንባር ምስ ምስጢርካ።
ዘልኣለማዊ ክብሪ ንስዉኣትና!!!
ዉድቐት ንህግደፍ!!