Eritrean News - assenna

Thursday
Mar 11th
Text size
  • Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
Home ትግርኛ ቃል ኣሰና ምስጢራዊ ስቅያት ንጹሃት ጀጋኑ

ምስጢራዊ ስቅያት ንጹሃት ጀጋኑ

Print PDF

G15

ሎሚ 3 ነሓሰ፡ ልክዕ 47 መዓልታት ቅድሚ ‘ታ ነጥበ መቐይሮ ትስፉው ግስጋስ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ምዃን፡ መኻልፍ ኮይና ኣብ ታሪኽና ኩርኳሕ ቦታኣ ዝሓዘት 18 መስከረም 2001፡ እወ፡ እቶም ንናጽነት ኤርትራ ዘበጅዉዎ ንእስነትን ህይወትን ከየርወዮም፡ ዝለኣኹዎም ኣሽሓት ጀጋኑ ዝተሰውኡሉ ሃገር ንምድሓን ዲሞክራስያዊ ለውጢ

ብምጥላብ ካልኣይ ጅግንነት ንምፍጻም ዘሐብን ሓቦ ዝገበሩ ‘ሞ ዘሕፍር ጥልመት ዘጋጠሞም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ንሞት ዝተፈርዱላ ጸላም ዕለት እያ። ድምቀት ጽልሚ ‘ታ ዕለትን፡ ፋሽሽትነት ኢሳያስን ኣብ ግቡእ ግዚኡ ንምቅላዕን ንምጕላሕን ክሳብ 18 መስከረም ክንጽበ’ኳ እንተመረጽና፡ 47 መዓልታት ዓመት ኮይኑ፡ ምስጢራዊ መቓብሮም ንልብና ፈግፈግ ስለዘበሎ፡ ክንጽመም ኣይከኣልናን። ምስጢራዊ ስቅያት ናይዞም ጀጋኑ፡ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ክካፈሎ፡ ልቡ ክቕንጡ ምእንቲ፡ ከነስተንፍሶ መሪጽና ኣለና።

 

ናብ ዕምቆት መልእኽትና ቅድሚ ምእታውና፡ ክንጠቕሶ እንደሊ ነገር እንተሃልዩ፡ ጉዳይ ቤተሰቦምን ደቆምን እዩ። እዞም ስለ ኤርትራን ህዝባን ድርብ ቅያ ዝፈጸሙ ሓርበኛታት፡ ብዕላማኦም ደምን ስጋን ኩሉ ኤርትራዊ ኮይኖም፡ ካብ ግዳይነት ክድሕኑ ዝግባእ ‘ኳ እንተነበረ፡ ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ፡ እቲ ሰፍ ዘይብል ኣደራዖምን ጓሂኡን ኣብ ስጋዊ ስድራቤቶም ጥራይ እዩ ተጻዒኑ ጸኒሑ። ይድሓር ይቐድም፡ ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ደው ኣብ ዝበሉሉ ሰዓት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎድኖም ደው ክብል ነይሩዎ። ናይ ዕላማ ጉዳይ፡ ናቶምን ናይ ስድራቤቶም ስቓይ ኮይኑ ጥራይ ክተርፍ ኣይነበሮን። በዚ ድማ፡ ኩልና እቶም ቅድሚ ዝኣገረ ማእሰርቶም ንምግታእ፡ ምስ ኮነ ድማ ፍትሒ ከምዝረኽቡ ኣብ ምግባር አእጃምና ዘይገበርና ውልቀሰባት ኮነ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ርእስና ክንሓክኽ፡ ጀጋኑ ንኣራዊት ኣሕሊፍና ብምሃብና ክንሓንኽ፡ ስድራቤቶም እንተተቐቢሎምና ድማ፡ ይቕሬታ ክንሓትት ይግብኣና። ኣብዚ ‘ዚ ጉዳይ’ዚ ኩልና እቲ ዝከኣልን እቲ ዝኣክልን ኣይገበርናን።

 

እዚ ዛንታ ‘ዚ፡ ሓደ ካብቶም ‘ኣቤት እዚ ዛንታ ‘ዝስ ሓሶት እንተዝኸውን ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ’ እናበልና፡ ቀለም ዝኣዘዝናዮ ብርዕና ደም እናነዝዐ፡ ከይፈተና፡ ተገዲድና እንጽሕፎ ዛንታታት እዩ። እቲ መቓብር ንጹሃት ዝወንበሩ ስይጣናዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዝሃለወ ግን፡ ካብዞም ኣስካሕካሕቲ ፍጻሜታት እዚኣቶም ከነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብዚ ዝጠፍአ ከልብን ድሙን ብጋዜጣ ዝድለዩሉ ዘለዉ መዋእል፡ መላእ ዕድሚኦም ምእንቲ ናጽነትን ፍትሕን ሃገርን ህዝብን ዝተጋደሉ ጀጋኑ፡ ሞቶም ሞት ከልቢ ኮይኑ፡ ምስጢራዊ ስቓዮምን ጅግንነቶምን ተሓቢኡ ክነብር፡ ንገዛእ ርእስና

 

ይኹን ንኹሉ ደምን ሕልናን ዘለዎ ኤርትራዊ ክወሓጠሉ ዝከኣልን ዝግባእን ኣይኮነን። እቲ ነውራም ስርዓት ኢሳይያስ ንኣካሎም ካብ ገጽ መሬት ጥራይ ዘይኮነ ስሞም ሞያኦምን ካብ ገጽ ታሪኽ ንምድምሳስ፡ ካብ ፊልም ቴለቪዥን ከይተረፈ እናለቐመ ናይ ምርስዖም ጻዕሪ ኣይደቀሰሉን። መርድእ ኣብ ቤተሰቦምን ፈተውቶምን ከስዕቦ ዝኽእል ስምባደን ጓህን ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ኣይንስሕቶን። ኣብ ሕብረተሰብና ስም ምዉት ዝለዓለሉ ወግዕን - ቅጥዕን፡ መቕረባ ዝርድኣሉ ያታናን ‘ውን ኣይጠፍኣናን። እንተኾነ፡ ኣብዚ ሰዓት ‘ዚ፡ ስድራቤቶም ንምድባስን ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀጻሊ ኣደራዕን ጥፍኣትን ንምድሓንን ካልእ ኣማራጺ ስለዘይብልና ከነቕርቦ ወሲና ኣለና። ሕሱም ሓዘን እናተሰምዓና፡ ህዋሳትና ኣደንዚዝና ነድምጾ ከምዘለና ድማ፡ ምስናይ ይቕሬታ ነዘኻኽር። ንስድራቤቶምን ፈተውቶምን ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

 

እምብኣር፡ ካብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት ‘ፕረዚደንት ኢሳይያስ’ ብዝተረኽበ ጭቡጥ ሰነዳት መሰረት፡  ኩሎም እቶም ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ፍትሕን፡ ምስግጋር ስልጣን ናብ ህዝቢ ኤርትራን ብትብዓትን ተወፋይነትን ድሕሪ ምምጓት፡ ከይተዓወቱ፡ ኣብ ምስጢራዊ ቤትማእሰርቲ ተሓይሮም ምስጢራዊ ስቓይ ዝወረዶም 11 ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም፡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ብዘይካ ክልተ፡ ኩሎም ብፋሽሽታዊ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተቐዚፎም፡ ተሰዊኦም ኣለዉ።

 

እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝተረኽበ ንመስዋእቶም ዘረጋግጽ ሰነዳት እንሆ። ንሎሚ ናይ ሓሙሽተ ካብቶም ከነቕርበልኩም ኢና። ጽባሕ ረቡዕ ድማ ናይቶም  ጽንጽንታ መስዋእቶም ኣቐዲሙ ተሰሚዑ ዝጸንሐ ኣርባዕተ ሰማእታት ኣብ መርበብ ሓበሬታና ኣሰና ዳት ኮም ክቐርብ እዩ።

 

1ይ - ሚኒስተር በራኺ ገብረስላሰpdf

 Beraki Ghebreslase

2ይ - ኣቶ ጀርማኖ ናቲ

 Germano

3ይ - ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገረዝጊሄርpdf

 Berhane

4ይ - ኣቶ ሓምድ ሕምድpdf

 Hamid

5ይ - ብሪጋደር ጀነራል እስቲፋኖስ ስዩምpdf

 Estifanos

እምብኣርከስ፡ ኣብዚ ብዛዕባ ሃለዋት ናይዞም ጀጋኑ ናይ መወዳእታ መርድእ እንሰምዓሉ ዘለና ህሞት፡ ኣብዚ እቶም ‘እንተፈሪድናዮም ‘ሞ ኸኣ ክኸፍኦም እዩ፡ ከምዚዘለዉዎም ይሕሾም’ እናበሉ ኣብ ጽመዋ በብሓደ ዝቐተሉዎም ብህዝቢ ምልጋጽ ዘየሕንኾም ሰበስልጣን ህግደፍ ህልኾምን ክፋኦምኦምን ኣርውዮም ደም ንጹሃት ዝጎስዑሉ ዘለዉ እዋን፡ ንሕና ‘ውን ክንናስሓሉ ዝግባእ ነጥቢ፡ ክንዕጠቐሉ ዝግባእ ጉዳይ ከምዘሎ ምዝካር የድልየና።

 

ብፍላይ እቶም ሰበስልጣን መንግስቲ ነበር ንዘልዓሉዎ ተቓውሞ ብምድንጓዩ ወይ ከኣ ንርእሶም ኣካሉ ብምንባሮም ብምንእኣስ፡ ስቕታኦም ከመኽንዩ ዝፍትኑ ገለ ኤርትራውያን ብቕንዕና መምስ ነብሶም ክዛረቡ ኣለዎም። እዚ ሃቐነ ‘ዚ ንበለጻዊ ባህርያት ካብ ምቅላዕ ሓሊፉ ካብ ሕልናዊ ሕቕያን ሓላፍነትን ዘህድም ብቑዕ መኸወሊ ኣይኮነን።

 

እዞም እንተላይ ብደረጃ ሚኒስተርነት ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ናይቲ ስርዓት ዘገልገሉ ዝነበሩ ሰበስልጣን ዝርከቡዎም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፡ ንድሌት ኢሳይያስ ተማእዚዞም ሽርካ ዲክታቶርያዊ ስርዓቱ ምዃን ኣሜን እንተዝብሉዎ፡ ኢሳይያስ ወንበሩ ከይትንክፉሉ ደኣ ምተኸታተሎም እምበር፡ ኣይምተንከፎምን። ኣካል ናይቲ ኣብ ዝለዓለ ቀጸላ ሕብረተሰብ ኤርትራ ተኾይጡ ብብልሽውናን ዓመጽን ኣደራዕ እናውረደ ዝናበር ዘሎ ሓድሽ ደርቢ ብምዃን ከኣ፡ ንዓኣቶምን ንስድራቤቶምን ኣይምኸፍኦምን።  ነዚ ሕሱር ደምበ’ዚ ጸይኖምን ተጻሪሮምን መኸተ ምጅማሮም፡ ተወፋይነቶምን ትብዓቶምን ዝምስክር እዩ። ንዓኣቶም፡ ሃገር ንደሊኣ ኢልካ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ምንባር ‘ውን ኣይማገሞምን። ገሊኦም ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ እዮም ካብ ወጻኢ ሃገራት ናብ ዓዲ ኣትዮም ንወፍሪ ዲምክራስያዊ ለውጢ ተተሓሒዞሞ። ንሳቶም፡ ሽዑ ከምኡ እንተዘይገብሩ፡ ‘መልኣኽ’ ህግደፍ ተደፊሩ፡ እቲ ስርዓት ኣብዚ ሕጂ በጺሑዎ ዘሎ ደፋኢ ጥራይ ዘንቀላውጠሉ ለጠቕ ዝበለ ደረጃ ኣይምወረደን። ነቲ ኣብ ሓጺር ኣዋርሕ ዝፈጠሩዎ ናዕታ ዝዳረግ ኤርትራዊ ሓይሊ ዛጊት ኣይተረኽበን። ንሳቶም ንኢሳይያስ ከም ጻህያይ ኣብ ምዕባይ ካብ ዝነበሮም ሕሉፍ ጌጋታት ‘ውን ኣይተኸወሉን። እቲ ዝዓበየ ጸገም ንህዝቢ ኤርትራ ክኽሕሱ ብግህዶ ንዘርሓዉዎ ኣፋፌት ለውጢ ስዒብና መኣዝን ሃገር ዘይምቕናዕና እዩ።   

 

ንሳቶም ብ2001 ቀንዴል ለውጢ ወሊዖም ነቲ ኣካሉ ኮይኖም ዝመርሑዎ ዝነበሩ ስርዓት ብቕሉዕ ምቅዋሞም፡ ናይ ክብን ግብን ወርቃዊ ዕድል እዩ ነይሩ። ብልቦናን ትብዓትን እንተንጥቀመሉ ኔርና፡ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ዝረኣዮ ስደትን ማእሰርትን ሞትን ኣሽሓት መንእሰያት ዘጠቓለለ፡ ተስፋ ኤርትራውያን ኣማህሚኑ መልክዕ ኤርትራ ኣብ ዓለም ዝደወነ፡  ዕብዳንን ጽላለን ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዘስዓቦ ሃገራዊ ውድቀት ኤርትራ ኣምበይምተኸስተን። ነዞም ምንእቲ ሃገር ዝተወፈዩ ጀጋኑ ጥራይ ኣይኮናን ከሲርና፡ ሽዑ፡ ብተዛማዲ ለማጽ ዝነበረ ናይ ለውጢ ጎደና ‘ውን ኣባኺንና ኢና። ሎሚ ኸኣ እንሆ ኣብ ዝሓርፈፈ ኣንፈቱን መኣዝኑን ገና ዘይተጨበጠ ኩርኳሕ ጎደና ንርከብ ኣለና። ብሰሪ ሕመቕና፡ ግብ እምበር ክብ ኣይበልናን።

 

እቲ ኣብ መወዳእታ ክምለሽ ዘለዎ እምብኣር፡ ‘ግብ ኢልና ዲና ክንጠፍእ ወይስ ክብ ኢልና መንገብገብ ከነውጽእ’ ዝብል ንቐጻልነትን ድሕነትን ኤርትራ ዝምልከት ወሳኒ ሕቶ እዩ። እዚ ስርዓት ‘ዚ፡ ካብ 2009 ዓመተምህረት እንተሓሊፉ፡ ትንፋስ ኤርትራ ክሓልፍ እዩ። ህንጡይነት ስልጣን ኢሳይያስ ኣብዚ እዋን’ዚ ስስዐ ስልጣን ምርዋይ ጥራይ ኣይኮነን። ብዓቢኡ ነቲ ብደም ተሓጺቡ ዘሎ ኣእዳዉ ዝኽውለሉ ጁባ ‘ውን እዩ። ስለዚ ኣብ ደንደስ ውድቀቱ ናይ ሞትን ሕየትን ቅብጸታዊ ምክልኻል ክገብር ሃገርን ህዝብን ክልክም ስለዝኾነ፡ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰነዳት ኣብ ታቤላ ለጢፍና፡ ኣብ ዝግብኦም ኣብያተ ጽሕፈታት ከም ጭብጢ እናቕረብና፡ ዝተወሃሃደ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፍታት ብምግባር፡ እዞም ትሕቲ ዕድመ ሕንጫላት ቆልዑ ከይተረፈ እናቐተሉ ህዝብን ሃገርን ዘድምዩ ዘለዉ ናይ 21 ክፍለዘመን ፋሽሽታውያን ሰበስልጣን ህግደፍ ኣብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ክቐርቡ ከምዘለዎም ክንጽውዕ፡ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኤርትራ ኣውያትና ከነስምዕ ግቡእን ሓላፍነትን ኣለና። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊትን ህዝብን ከኣ ኣብዚ ናይ ለውጢ ማዕበል ክጽምበሩ ኣለዎም። ብውሽጥን ብግዳምን ተወሃሂድና፡ ሓደ ኴንና ንሃገርናን ህዝብናን ካብ መዓታት ብምድሓን ንሕልናና ዘቕስን ወፈራ ድሕነት ሃገር ከነሰላስል ኣሰና ትጽውዕ።

 

ስዉኣትና ንዘልኣለም ይዘከሩ

ንሃገርና ምሕረት የውርደላ!

 

ኣሰና ዳት ኮም

 

Make a Pledge - Make a Difference

Country Target Pledged Remaining
  UK 50 14 36
Sweden 50 2 48
Germany 50 0 50
  Norway
30 1 29
  Italy
30 1 29
Netherlands 30 0 30
  Canada 30 2 28
Switzerland 30 0 30
  Australia
30 2 28
  France 10 0 10
  Belgium 10 0 10
USA-EC
75 7 68
USA-WC
75 10 65