ኣብ ኣስማሪኖ.ኮም ይኹን ኣብ ኣሰና.ኮም፡ ብዕለት 31/03/2010 ብብርሃን ሓጎስ ዝተጻሕፈ ተመልኪትናዮ። ጀነራል መስፍን ሓጎስ፡ ቀጺሉ ናይ ኣፍዓበት ኣንበሳ፡ ( The Lion of Afa'Abet) ተባሂሉ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዝተጋነነ ሓዲሽ ታሪኽ ሰሚዕና ሱቕ ኢልና ክንሓልፎ ኣይከኣልናን። ምኽንያቱ ሕልናና ኣይፈቐዶን ጥራይ ዘይኮነ፡ ስለምንታይ ነዚ ዝተጋነነ ካብ ሓቒ ዝረሓቐ ታሪኽ ክጸሓፍ ተደልዩ፡ ስለምንታይከ ናደው እዚ ንምፍራስ ነቲ ሰራሕ ታሪኽ ዝኾነ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ኣንበሳ ዘይተባህለ።
ምኽንያቱ መስፉን ሓጎስ ናይ 1966 ተጋዳላይ ኢዩ። ኣብ 2001 ናብ ኤውሮጳ ክሳብ ዝወጽእ 35 ዓመታት ዝተጋደለ፡ ካብ 1970 ምፍላይ ህ.ሓይልታት ከም መሪሕነት ቐዳማይ ወገን ኮይኑ ብዳንካሊያ ዝወጸ፡ ኣብ 1971 ድማ ኣብ ተኽሊ መሪሕነት ካልኣይን ወገን ካሳብ 1977-ዘገልገለ፡ ካብ 1977 -1987 ከም ፖሊቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ዝመርሔ፡ካብ 1992-1994 ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ዝሰርሔ፡ ኣብ 1994 ድማ ከም ፈጻሚት ሽማግለ ህግደፍ ኮይኑ፡ ካብ 1994- 2001 ከም ኣምሓዳሪ ዞባ ደቡብ ዝነበረ ኢዩ። ሂወቱ ዕድመ ንእስነቱ ዘወፈየ ሓርበኛ ምኻኑ ነኽብሮ ኢና። ናይ ምግዳል ታሪኹን ክብሩን ድማ ዘይድምሰስ ነባሪ ታሪኽ ኢዩ። መስፉን ሓጎስ ናይ ነብሱ ካብ ሓቒ ዝረሓቐ ዝተጋነነ ታሪኽ ከምዘይገልጽ ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና።
ኣብ ቀንዲ ኣርእስትና፡ ኣብ ናይ ጸሓፋይ ትሕዝቶ ጽሑፍ ክንምለስ።
ጸሓፋይ ብርሃን ሓጎስ ብርግጽ ነቲ ሓቐኛ ታሪኽ ከምዘይትፈልጦ ጽሑፍካ ባዕሉ ዝምስክሮ ኢዩ። ይፈልጥ ኢየ ባሃላይ እንተኾንካ ድማ፡ ኮነ ኢልካ ነቲ ሓቐኛ ታሪኽ ጠምዚዝካ፡ ነቲ ሰራሕ ታሪኽ ዝኮነ ሓፋሽ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ረሲዕካ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተራ ናይ ካሎኦት መራሕቲ ኣብ ናደው እዚ ጎሲካ፡ ንመስፉን ሓጎስ ከም ኣንበሳ ኣፍዓበት ኪትገልጾ እንተፈተንካ፡ ካብ ሓቒ ዝረሓቐ ታሪኽ ትጽሕፍ ስለዘለካ ታሪኽ ኣይተዘንባዓዮ። ዘይነበረ ዝተጋነነ ታሪኽ ኣይተቕርብ ክንብለካ ንፈቱ። ብዝተሃንደሰ ናይ ሓሶት ታሪኽ ሰባት ከተጋጊ ኣይትፈትን። ተራ መስፉን ከም ባለንቺና ወይ ከም ጎማ ካላማዳሪያ እንተነፋሕካዮ ነቲ ሓቒ ኣይቕይሮን ኢዩ። ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ምኻኑ ከነብርህ ክንገልጽ ንፈቱ። ጸሓፋይ ንመስፉን ሓጎስ ሓቲትካ ዲካ ጽሒፍካዮ መልሱ ናብኻ ንገድፎ።
ቐዳማይ ነገር መስፉን ሓጎስ ጀነራል ኣይነበረን። ምኽንያቱ ካብ 1994 ክሳብ 2001 ኣምሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኮይኑ፡ክሳብ ንኤውሮጳ ብሕክምና ዝወጽእ ቤት-ጽሕፈቱ ኣብ መንደፈራ ነይሩ። ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ስለዝኮነ ብሲቪላዊ ምምሕዳር ይፍለጥ። ኣብ ሰራዊት ስለዘይነበረ ናይ ጀነራል መዓርግ ኣይወሰደን ። ናይ ጀነራል መዓርግ ኣይግብኦን ማለት ግና ኣይኮነን። ናይ ጀነራል መዓርግ ኣብ ሰራዊት ዝተመደበ ጥራይ ከምዝዋሃብ ምግላጽ ኣኻሊ ኢዩ። ኣብ ሲቪላዊ ቦታ ዝርከብ በዓል ስልጣን ተጋዳላይ መዓርግ ኣይወሃቦን ማለትና ኢዩ። ተነጺሩ ቕኑዕ ትርጉም ሂብና ፍልልዩ ኣብሪህና ከነስምረሉ ደስ ይብለና።
ስለዚ ጸሓፋይ ብርሃነ ሓጎስ ዘይነበረ ሓዲሽ ታሪኽ ናይ መስፉን ሓጎስ ጀነራል ከምዝነበረ ክትጽሕፍ ምፍታንካ ተጋጊኻ ኣለኻ። ስለምንታይ ዘይነበረ ታሪኽ ሃንዲስካ ተቓልሕ ኣለካ ፍርዲ ንሰማዕቲ ንገድፎ። ንሓቐኛ ታሪኽ ተዘንብዖ ከምዘለኻ ከነፍልጠካ ግዴታ ኣለና ኣርሞ ጽሑፍካ። ወይ ንመስፉን ሓጎስ ጀነራል ነይርካ ዲኻ ኢልካ ሕተቶ። መስፉን ጀነራል መዓርግ ከምዘይወሰደ ሓቐኛ መልሲ ከምዝህበካ ንኣምን ኢና። መስፉን ሓጎስ ዝሃበካ ጭቡጥ መልሲ ሒዝካ ክትዛረብ የምሕረልካ። ካብ ዘይነበረ ትጽሕፍ ሓቲትካ ኣረጋጊጽካ ከትጽሕፍ ይግባኣካ።
ካልኣይ፡ ናደው እዚ ኣብ 1988 ክፈርስ ኮሎ፡ ድሕሪ ናይ 9-ዓመታት ምርብራብ ምስ ጸላኢ ስለዝተኻየደ፡ ኣብ ውሽጢ 9-ዓመታት ናይ ግንባር ናቕፋ ኣዘዝቲ ዝነበሩ፡ ሳልሕ ሕሩይን ዓሊ ኢብራሂምን ኢዮም። ላዕለዋይ ሓላፊ ጴጥሮስ ሰለሙን ክሳብ 1987 ነይሩ ። ዓሊ ሰይድ ዓብደላን መስፉን ሓጎስ ሓደ ሓደ ግዜ ከም ኣዘዝቲ ተደረብቲ ኮይኖም ይመጹ ነይሮም። መስፉን ሓጎስ ክሳብ 1987 ሓላፊ ቑጠባ ኮይኑ ቤት-ጽሕፈቱ ሂምቦል ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ህ.ግንባር፡ ናይ ሰራዊት ኣወዳድባ ስለዝተቐየረ፡ እቶም ካብ 1977-1987 ኣስታት 10 ዓመታት ወትሃደራዊ መራሕቲ ዝነበሩ፡ ብወትሃደራውን ፖሊቲካውን ክእለቶም፡ ብናይ ኣወዳድባን ኣመራርሓን ብስለቶም ዝልለዩ፡ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ብህድኣትን ተበላሓቲ ሜላን ዝተመስከረሎም፡ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን ጀነራል ዑቑበ ኣብራሃ ተቐይሮም። ምኽንያቱ ብቕዓቶምን ተቐባልነቶም ንኢሰያስ የስጉዎ ስለዝነበሩ`ዩ። ክልቲኦም ወትሃደራዊ መሪሕነት ድማ፡ ብጉጅለ 15 ተኣሲሮም። ጀነራል ዑቕበ ኣብራሃ ኣብ 2003 ከምዝሞተ ብዙሕ ሰብ ዝሰምዖ ናይ ኣደባባይ ሚስጥር ኢዩ።ጀነራል ዑቕበ ናይ ግንባር ሰሜናዊ ሳሕል ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ሓላፊ ኮይኑ ካብ 1979- 1987 መሪሑ። ኣብ ትሕቲ ጀነራል ዑቕበ ኣዛዚ ግንባር ድማ መጀር ተኽላይ ሃብተስላሴ ነይሩ። ኣብ 1984 ብጀነራል ሑሰን ዝምራሕ ግንባር ሰሜናዊ ሳሕል ብሰራዊት ህ.ግ ተደምሲሱ ሓንሳብን ንሓዋሩን ናጻ ወጺኡ።
ኣብ 1987 ዝቖመ ወትሃደራዊ ምምሕዳር “ጠቕላሊ- ስታፍ” ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ። ኣቦ ወንበሩ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ነይሩ። ሳልሕ ሕሩይ፡ መስፉን ሓጎስ፡ መጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ፡ መጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል/ ቻይና/ኣባላት ነይሮም። ኣዘዝቲ ግንባር ናቕፋ ድማ ሕሩይን ዓሊ ኢብራሂምን ኣይተቐየሩን። ስለዚ ጸሓፋይ ብርሃነ ሓጎስ ነዚ ታሪኽን ሓቕን ትፈልጦ እንተኮይንካ ስለምንታይ ዘይትገልጾ፡ ዘይትፈልጦ እንተኾይንካ ንዝፈልጡ ምውካስ ይግባኣካ ነይሩ። ንመስፉን ሓጎስ ብቐዳምነት። ካብዚ እኩብ ኣመራርሓ ወጻኢ ናይ ኣፍዓበት ኣንበሳ ዘብሎ እንታይ ኢዩ እቲ ሓቕታት ይኹን ጭብጢታት። ዕላማ መልኽትኻ ንመስፉን ከብ ካልኦት መራሕቲ ኣንበሳ ክትብሎ እንተደለኻ መሰልካ ኢዩ። ግና ኣብ ታሪኽ ትዛረብ ስለዘለኻ፡ ብርግጽ ንታሪኽ ተዘንብዖ ዘይመልክዑ ተትሕዞ ኣለኻ። ዘይነበረ ታሪኽ ሃንዲስካ ተቕርብ ተጋንኖ ኣለካ። ሰራሕ ታሪኽ ዝኾነ ሰራዊትን ካልኦት ኣዘዝትን ጎሲካዮም ኣለኻ። ኣብዚ ናደው እዚ ንምፍራስ ገለ ካብ ወሰንቲ ዝነበሩ ረቓሒታት/ factors/ እንታይ ነይሮም ምግላጽ ኣገዳሲ ኢዩ። ምኽንያቱ ሓቐኛ ታሪኽ ስለዘነጽር ጥራይ ዘይኮነ፡ ጸሓፋይ ዘዘንባዕካዮ፡ ዘይኮነ ዝሃንደስካዮ ታሪኽ ስለዘቃልዕ፡ ዕላም ጽሑፍካ ኣንባቢ ፍርዲ ክህበሉ ነቲ ሓቒ ምፍላጥ ስለዝሕግዝ ኢዩ።
ሓደ፡ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ውሽጢ 9- ዓመታት ከመዝግቦ ዝጸንሔ ዝተደራረበ ዓወታት፡ ዘዋህለሎ ወትሃደራዊ ተሞክሮን ብቕዓትን ድምር ኢዩ ምስጢር ዓወት ናደው እዚ። ካልኣይ፡ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ብወኒ ዝስዋእ ተጋዳላይ፡ ናይ ምውጋእ ብቕዓትን ወትሃደራዊ ስልትን ዘጥረየ፡ ሞራሉ ፍናኑ ሓያል፡ ናጽነት ከምዝጭብጥ ራእይ ዝነበሮ፡ ተወፋይነትን ርእሰ-ተኣማንነት ባህርያት ዘማዕበለ ሰራዊት ስለዝነበረ ኢዩ። ሰራሕ ታሪኽ ድማ ሰራዊት ኢዩ። ሳልሳይ፡ ኣብ ወትሃደራዊ ግጥማት ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ረቓሒታት ብቕዓት ስለያ ኢዩ። እዚ ድማ 50% ናይ ዓወትካ ወይ ውድቐትካ ዝውሰን ኢዩ። ናደው እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ሰሉኾም ሰሙናት ጸኒሖም፡ መጽናዕቲ ወዲኦም፡ ኣትሓሕዛ ጸላኢ፡ ዕርድታቱ፡ ፈንጂ ዘለዎ ቦታታት፡ ቅርጺ መሬት፡ ዓቕሚ ጸላኢ፡ ኣጽዋሩ ወዘተ ዝብሉ መጽናዕቲ ገሮም፡ ፈትፊቶም ዝቕርቡ ኣባላት ስለያታት ኣስታት 8- 9 ኣዋርሕ ኣብ ውሽጢ መስመር ጸላኢ ተመላሊሶም ዘቕረቡዎ ጽጹይ መጽናዕቲ ነይሩ። ተራ ስለያ ኣብ ምፍራስ ናደው ዓቢ ግምት ዝዋቦ ነይሩ።
ራብዓይ፡ ሰራዊት ሓያል ናይ ኣመራርሓ ብቕዓት ከምዘድልዮ ርግጽ ኢዩ። መስፉን ንናደው እዚ ኣብ ምምራሕ ተራ ነይርዎ፡ ግና ኣብ ትሕቲ ኣቦ-ወንበርነት ጀነራል ስብሓትን ኩሎም ኣባላት ስታፍን ኢዩ። ተራ ኣወዳድባ ይኹን ድምር ናይ ኩሎም ኣመራርሓ Collective/ ናይ ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ሓለፍቲኸ ፡ኣንበሳ ናደው እዚ/ ኣንበሳ ኣፍዓበት/ እንተትብልዶ ኣይምሓሸካን። ምኽንያቱ ብውልቐ ዝተሰርሔ ታሪኽ ናደው ስለዘይነበረ።
ሓሙሻይ፡ ሰራዊት ደርጊ ኣብ ውሽጢ 9-ዓመታት ከጋጥሞ ዝጸንሔ ስዕረት ዝፈጠሮ ሳዕቤናት ኢዩ።
ደርጊ ኣብ ውሽጢ 9-ዓመታት ኣማኢት ኣሽሓት ሰራዊት ወሲኹ ክዕወት ስለዘይከኣለ፡ ወትሃደራዊ ሓይሉ ተዳኺሙ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሞራላዊ ውድቐት ሰራዊት ስለዘስዓበ ኣብ መሪሕነቱ እምነት ኣጉዲሉ። 9-ዓመታት ኣብ በረኻ ካብ ናብርኡ ስድራ-ቤቱ ተገዲዱ ተፈልዩ። ገለ ብዘይደሞዝ ሚልሽያ፡ ገለ ብትሑት ደሞዝ፡ ስድራ-ቤቱ ናይ ምርኣይ መሰል ዝተሓረሞ፡ ማሕበራውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጭንቐት ዝዓብለሎ፡ ብሩህ መጻኢ ስለዘይነበሮ ሞራሉ ዝወደቐ፡ ናይ ምውጋእ መንፈሱ ዝማህመነ ሰራዊት ነይሩ። ኣብ መራሕቱን ኣመራርሓን እምነት ዘጉደለ ሰራዊት ነይሩ። ጀነራል ታሪኩ ኣዛዚ ናደው እዚ ባዕሉ ይኹን ካልኦት ኣዘዝቲ ሰራዊት ደርጊ ቅድሚ ምፍራስ ናደው ተቐቲሎም ስለዝነበሩ፡ እቶም ካልኦት ኣዘዝቲን ሰራዊትን ደርጊ ሞራሎም ዘውድቑ፡ እምነቶም ዘጉደሉ፡ መሪሖም ናይ ምውጋእ መንፈሶም ዝተዳኸሙ፡ ብሰራዊቶም ተቐባልነቶም ዘይነበሮም ምኻኖም ይፈልጡ ነይሮም።
ስለዚ ናደው እዚ ምፍራስ ማለት፡ ሓያል ሰራዊት ህ.ግንባር ብሓደ መዳይ፡ ድኹም ሰራዊት ደርጊ በቲ ካልኣይ መዳይ ኣነጻጺርካ ይግለጽ። ከምዝጠቐስካዮ ድሕሪ ዓወት ደን-ቤንፉ/ ቬትናም/ ዓወት ናደው እዚ ኣብ ብረታዊ ቓልሲ ሓዲሽ ምዕራፍ ኢዩ። ታንዛኒያዊ ናይ ታሪኽ ተመራማሪ፡ ዓብዱራሕማን ኣባቡ ኢዩ ነዚ መግለጺ ሂቡዎ። ናይ ብሓቒ ታሪኻዊ ዓወት ነይሩ። ኣፍደገ ናጽነት ዝኸፈተ ወትሃደራዊ፡ ፖሊቲካዊ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ነይሩ። ናይ ናደው እዚ ኣንበሳ ግና ሰራዊትን ኩሎም ነቲ ዓወት ንምጭባጥ ዘበርከቱ መሪሕነትን ድምር ኢዩ። ብውልቐ ዝተሰርሔ ታሪኽ የለን።
ስለዚ ጸሓፋይ ብርሃነ ሓጎስ፡ እዚ ካብ ብዙሕ ናይ ናደው እዚ/ ኣንበሳ ኣፍዓበት/ ዝበልካዮ ታሪኽ ኢዩ። እዚ ታሪኽ እዚ ብቐዳምነት ነቲ ሰራሕ ታሪኽ ሰራዊት ህ.ግንባር ኣንበሳ ኣፍዓበት ዘይኮነ ኣንበሳ ናይ ኩሉ ዓወታት፡ ኣንበሳ ናይ ናጽነት በሎ። ነዚ ታሪኽ እዚ ዘይመልክዑ ክንህብ ኣየማዕርገልናን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንታሪኽ ተጋድሎና ታሪኽ ህዝብና ምክሓድ፡ ታሪኽ ምጥምዛዝ ምዝንባዕ ዘይሓላፍነታዊ ይገብሮ። ንመራሕቲ ብቕዓቶም ተርኦም ክትምስክር እንተደሊኻ ድማ፡ ነቲ ታሪኽ ካብ ዝፈልጡ ሓቲትካ ኣረጋጊጽካ፡ ነቶም ነቲ ኩናት ዝመርሑ ንኩሎም ኣንበሳ ክትብሎም ድማ የጸብቐልካ። ምኽንያቱ ኣብ ታሪኽ ንዛረብ ስለዘለና፡ንሓደ በይኑ ከም ዝተፈልየ ኣንበሳ ኣፍዓበት ከተቕርብ፡ ነቶም ኣብቲ ታሪኽ ዝነበሩ ክትጎሲ ኣይግድን ብርሃነ ሓጎስ። ዕላማ ጽሑፍካ ጌጋ ስእሊ ይህብ
ጸሓፋይ ብርሃነ ሓጎስ፡ ንኩሉ`ዚ ረሲዕካ ኣንበሳ ኣፍዓበት ንውልቐ ሰብ ክትሽልም ኣይግባኣካን ኢዩ። ሓቲትካ ኣረጋጊጽካ ምጽሓፍ ክብሪ ኣለዎ። ጽሑፍካ ምእራም ይግባኣካ።ዝኾነ ሰብ ነዚ ኣቕሪብናዮ ዘለና ታሪክ ክውሰኸሉ፡ ከስፍሖ ዝያዳ መረጋግጺ ሂቡ ከሃብትሞ ትጽቢትና ኢዩ። ኣይኮነን ኢሉ ክእርም ክነቕፍ ድማ ግቡእ ኢዩ። ኩሉ ግዜ ሓቂ ኣይኮነን ኢሉ ተቓውሞ ዘቕርብ ሰብ፡ ብኣንጻሩ ስለምንታይ ሓቒ ከምዘይኮነ፡ ብመረጋገጺ ጭብጢ ወይ ብመርትዖ ከሰንዮ፡ ነቲ ዝቐረበ ዘፍርስ ጥራይ ዘይኮነ ዘእምን ኮይኑ እንተቐሪቡ፡ንሕናውን ክንማሃረሉ ጌጋና ክንእርም ድሉዋት ኢና። ሰራሕ ታሪኽ ሰፊሕ ህዝቢ ኢዩ። ኣብ ውትህድርና ሰራሕ ታሪኽ፡ እቲ ብድልየቱ ብወኑ፡ ብእምነት ብልዑል ሞራሉ ዝቓለስ ሰራዊት ኢዩ። ኣንበሳ ናይ ኣፍዓበት ድማ ሰራዊትን ኣብቲ ኩናት ዝነበሩ ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ሓለፍትን ድምር ኢዩ።
ካብ ሰላም ኣብርሃ። 04/06/2010



