Eritrean News - assenna

Monday
Sep 06th
Home ትግርኛ ቃል ኣሰና ከይተተግበረ ዝሰርሐ እገዳ !

ከይተተግበረ ዝሰርሐ እገዳ !

Print PDF

Sanctionስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት 2009 ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብኽልተ ቀንዲ ጉዳያት ማለት፡ ነቶም መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ ንምዕላው ዝቃለሱ ከም ብዓል ኣሸባብ ዝኣመሰሉ ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ዝኽሰሱ ጉጅለታት ዝተፈላለየ ሓገዛት ብምሃቡ፡ ብኻልኣይ ደረጃ ኸኣ ብሓይሊ ምስ ጅቡቲ ኣብ ዘሰሓሕብ መሬት ኣትዩ ሰራዊት ኣቐሚጡ ከምዘሎ ተኸሲሱ እገዳ ተገይሩሉ። ንተቓወምቲ ጉጅለታት ሶማል ዝገብሮ ምድግጋፍ ደው ከብል፡ ካብቲ ዘሰሓሕብ ዶባት ኤርትራን ጅቡትን ሰራዊቱ ከውጽእን ‘ውን ተሪር መጸዋዕታ ቀሪቡሉ።

እቲ ኽስን እገዳን ብሃንደበት ኣብ 23 ታሕሳስ 2009 ዝመጸ ኣይነበረን። ስርዓት ህግደፍ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተደጋጋሚ ለመናን መጠንቀቕታታትን ቀሪቡሉ ነይሩ ‘ዩ፡ ግን ኣይሰመዐን። ብ23 ታሕሳስ 2009 እቲ ወትሩ ጽውጽዋይ ዝመስሎ ዝነበረ እገዳ ቑጽሪ 1907 ኣብ ዝባኑ ምስ ወረደ ግን፡ “እዚ ማእለማን ውዲትን እዩ” ክብል በርቂ ሃንደበት ከምዝወቕዖ ተመሲሉ ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ከደናግር ፈቲኑ።

ነቲ ሽዑ ስርዓት ህግደፍ ዝሃቦ ግብረመልሲ እንታይ ከምዝነበረ ንምዝካሩ፡ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ደድሕሪ ‘ቲ እገዳ ምስ ናይ ፈረንሳ ዝዓበየ ጋዜጣ Le Monde ካብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ ገለ ክፋሉ ከምዚ ዝብል ነበረ።

የቐንየለይ ሚስተር ፕረዚደንት፡ ምስ ጋዜጣ Le Monde ቃለመጠየቕ ክትገብር ፍቓደኛ ብምዃንካ የመስግነካ፡ ኣብ ኣስመራ ምህላወይ ከኣ ሕጉስ እየ።

ቀዳማይ ሕቶይ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዘሎ ዶባዊ ምስሕሕብ እዩ። ብዛዕባ’ዚ ሽግር’ዚ ዘለካ መልሲ እንታይ እዩ፡ ነቲ ኩነታት ከመይ ትገልጾ?

ኢሳይያስ፡ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ብተደጋጋሚ ዝተሓተትኩዎ ሕቶ እዩ ። ወግኣዊ መልሲ ኸኣ ኣለና። ኪኖ’ዚ ተኣሊሙ ዘሎ ጉዳይ ዘሎ ዝርዝራት ክንፈልጥ ግዜ ከድልየና እዩ። ዝኾነ ኮይኑ ግን፡ ንጹር ጌርናዮ ከምዘለና፡ ዕዱማት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓድሽ ሽግር ወይ ቅልውላው ክንከውን ኣይንደልን ኢና። ኣብዚ ዞባ’ዚ ናይ ዝእለም ዘሎ ሽግር ኣካል ክንከውን ቅሩባት ኣይኮናን። ኣብ ዘይፈለጥናዮ ውዲት ክንኣቱ ኣይንደልን። ነዚ ስዉር ዕላማ ክንፈልጥ ግዜ፡ ዕሙቕ ዝበለ ሓበሬታ ንምእካብ ‘ውን ከድልየና እዩ። ምኽንያቱ እዚ ማእለማ’ዚ ሕቡእ ዕላማ ንምውቃዕ ዝተዋደደ ክኸውን ኣለዎ። ምስጢራዊ ዕላምኡ ብንጹር ከይተረዳእና ኸኣ፡ ተሳተፍቲ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ዲፕሎማስን ናይ ፕሮፖጋንዳ ልውውጥን ክንከውን ኣይንደልን ኢና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ፒ-ኣር ልምምድ ክንጽመድ ድሌት የብልናን።

ሰራዊትኩም ኣብ ጅቡቲ ኣይኣተወን ዲኻ ትብል ዘለኻ?

ከምኡ ኣይንገብርን ኢና። እዚ ምስ ምቕባልን ምንጻግን ዘተኣሳስር የብሉን። እዚ ምስጢራዊ ዕላማ ዘለዎ ማእለማ እዩ። ከምቲ ዝበልኩዎ ኸኣ ኪኖ’ዚ ምስጢራዊ ማእለማ ንዘሎ እኩይ ዕላማ ክንፈልጥ ግዜ ከድልየና እዩ። ነዛ ምእለማ ወይ ፋብሪኬሽን ጸቕጠ እየ ዘስምረላ ዘለኹ፡ ፋብሪኬሽን እንታይ ማለት ምዃኑ ኸኣ ትፈልጥ ኢኻ።

እሞ መን’ዩ ብድሕሪ’ዚ ማእለማ ዘሎ?

ኢሳይያስ፡ ብዙሕ ክንፈልጥ መጽናዕቲ ከድልየና እዩ። ንሰርሓሉ ኸኣ ኣለና። ድሮ ብዙሕ ሓበሬታ ኣኪብና ኣለና። ግን ዕላማ ናይዚ ምእለማ ንምፍላጥ ዝያዳ ግዜ ከድልየና እዩ።

እቲ ኢሳይያስ ሽዑ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ኣንፈቱ ናይ ዘጥፍኦ ኣእምሮኡ ናይ ዝተናወጸ ሰብ እዩ ነይሩ። ካብቲ ዝህቦ ዝነበረ መልሲ ንላዕሊ፡ እቲ ድሕሪ ስዕረቱ፡ ካብ ጉድጓድ ውኻርያ ምስቲ ዘጋፍ ጭሕሙ ተዘቝቑ ምስ ወጸ፡ I am the president of Iraq “ኣነ ፕረዚደንት ዒራቕ እየ” ክብል ኣብ ዓለም ዝገደፎ ናይ ምሩኽ ምስሊ ሳዳም ሑሴን ይረኣዮ ከምዝነበረ ኸኣ ኣየማትእን።

ርግጸኛ ኮይኑ፡ “ኣይፋል፡ ኣብ መሬት ጅቡቲ ኣይኣተናን” ምባል ኣጻጊሙዎ፡ “ከምኡ ኣይንገብርን ኢና” ኢሉ ነታ ‘ማእለማ ወይ ፋብሪኬሽን” እትብል ቃል 10 ግዜ ብምድግጋምን ጸቒጡ ብምውጻእን፡ ካብ ኣይፋል ንላዕሊ፡ ኣይፋል ክትኮነሉ ተጻዒሩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ነታ ቓል ምድጋማ ምስተመነዎ “ፋብሪከሽን እንታይ ማለት ምዃኑ ትፈልጥ ኢኻ መቸም” ክብል፡ ነቲ ጋዜጣኛ ዘይኮነስ ፈረዲ ኮይኑ ዝተሰምዖ ሓታቲ፡ በጃኻ ነዛ ሕቶ ‘ዚኣ ስገራ ዝዓይነቱ ቁጥዐ ዝተሓወሶ ለመና ኣቕሪቡሉ።

እሞ ብዓልመን እዮም ኪኖ ‘ዚ ውዲት ዘለዉ ተባሂሉ ምስ ተሓተ ‘ውን፡ ንጹር መልሲ ኣይሃበን፡ ሓንሳብ ድሮ ሓበሬታ ረኺብና ኣለና፡ ሓንሳብ ከኣ ሓበሬታ ክንእክብ ግዜ ከድልየና እዩ ብምባል፡ ዕግሽግሽ ብምባል ሓሊፉዋ።

መልስታቱ ናይ ዝተናወጸ ኣእምሮ እዩ ነይሩ። ካብቲ ቃለመጠየቕ ዝበርሀ ሓደ ንጹር ነገር እንተነይሩ፡ “ወይለይ፡ እዛ እገዳስ ናይ ብሓቂ እምበር ገይሮማ” ብዝዓይነቱ ድንጻወን ስንባደን ርዒዱን ጃጅዩን ከምዝነበረ እዩ።

ካብቲ ጭንቀት ናይቲ ርእሲ ንላዕሊ ዘገርም ግን፡ ናይቶም ናይ ዝተናወጸ ርእሲ ምስሊ ኣብ ታቤላ ጸይሮም፡ ገሊኦም ከኣ ከም ማዕተብ ኣብ ክሳዶም ኣሲሮም፡ ኣብ ዋሺንግተንን ጀኔቫን፡ “ናይ ጅቡቲ ጉዳይ ዝብሃል የለን፡ ጻዕዳ ሓሶት ‘ዩ” ኢሎም ክጭርሑ ዝወዓሉ እንተ ብገርሆም እንተ ኮነ ኢሎም ዝተደናገሩ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ዝኾኑ መሳኪን ኤርትራውያን እዩ። ኢሳይያስ ብቐንዱ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ግዜ ከድልየና እዩ ኳ እንተበለ፡ ንዓኣቶም ግን ጭርሖ ኣልዒሎም፡ “ንኺድ ጥራይ” ኢሎም ክሃሉን ክዝምሩን ግዜ ኣይወሰደሎምን።

ቅንይ ኢሉ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ምስ ጅቡቲ ጉዳይ ከምዘሎ ካብ ምእማን ሓሊፉ፡  ተዓዘብቲ ቐጠር ኣብቲ ቦታ ክኣትዉ ብምፍቃድ፡ ካብቲ ዘከራኽር ዶባት ኤርትራን ጅቡትን ሰራዊት ክስሕብ፡ ሰራዊት ክስሕብ ጥራይ ዘይኮነ ካሕሳ ‘ውን ክኸፍል ብመንገዲ ሽምግልና ቐጠር ከምዝተሰማምዐ ምስ ተገልጸ፡ ኣብ ክንዲቶም ገያሾ ጀኔቫን ዋሺንግተንን ትሓንኽ።

በዚ ጉዳይ፡ እቶም “ናበይ፡ ስለምንታይ ንኸይድ ኣለና” ከይበሉ፡ እገዳ ከምዘይሰርሕ ክርእዩን ከስምዑን፡ ኣብቲ ንእገዳ ዝቃወም ሰልፊ ተዓኒዶም ዝወዓሉ፡ ሕጂ እቲ “እገዳ ኣይሰርሕን እዩ” ኢሉ ዝፍክር ዝነበረ ስርዓት ንርእሱ፡ ጻዕዳ ጨርቂ ዘርጊሑ ነቲ ናይ እገዳ ዓንቀጻት ክቕበል ከሎ ድርብ ውርደት ክስምዖም ኣለዎ። ምኽንያቱ ኣሽንባይዶ ንሳቶም፡ እቲ ስርዓት ኳ ነቲ ውርደት ክጻወሮ ኣይከኣለን። ክዛረበሉ ‘ውን ኣይደለየን።

እቲ ተሓቢኡ ከሕልፎ ዝሓሰበ ንልኽበጣኡን መደናገሪ ባህርያቱን ዘቃልዕ ኣገዳሲ ፍጻሜ ንግዳም ምስ ወጸ፡ ሚኒስተር ዜናኡ ብጋዜጠኛ ድምጺ ኣመሪካ ሰለስተ ሳዕ ተሓቲቱ ‘ውን መልሲ ክህብ ኣይከኣለን።

ተሓሳምነት ዘረባ ግን ንህግደፍ ካብ ውርደት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ተሓታትነት ኣብ ቅድሚ ዓለም ኣይከድሕኖን እዩ። እዚ ብኽብረት ተለሚኑ ብሓይሊ ዝተምበርከኸ ስርዓት በዚ ስጉምቲ እዚ ዝያዳ ዘብርሆ ሓቂ እንተልዩ፡ ናይ ሓይልን ተጽዕኖን ቋንቋ ከምዝርዳእ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ኢሳያስን ጭፍራኡን ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ክዝርግሑዎ ዝደልዩ ዝነበሩ፡ ንገለ የዋሃት ‘ውን ዘደናገር ዝነበረ፡ “እዚኣቶም ተረርቲ እዮም፡ ብርእሶም ጥራይ እዮም ዝኸዱ” ዝብል መረዳእታ፡ ደጊም ተወጊኑ እዩ። እገዳ ሰርሑ ጥራይ ዘይኮነ ሰሪሑን ፈረቓን። ብቕልጣፈ ውጽኢቱ ኣብ ኤርትራስ ክብረወሰን ኳ ሰይሩ። ኣብ ዓለም እገዳ ከምዚ ብዝኣመሰለ ፍጥነት ሰሪሑ ኣይፈልጥን። ኣመምቱ ኸኣ፡ ቅድሚ ‘ቲ እገዳ ካብ ዝነበረ እዋን ንላዕሊ፡ ኣድላይነቱን ሞያኡን ሕጂ ተገንዚቦሞ ከምዘለዉ ኣየጠራጥርን።

ስርዓት ህግደፍን ጭፍራኡን፡ ጎሪሕና ኢሎም፡ ካብ ዱላ ዝወድቀና ውርደት ምቕባል ይሕሸና፡ ኣብ ባይታን ትግባረን ከኣ ሕልክስክስ ብምባል ነደናግር ዝብል ስልታዊ ስጉምቲ ክወስዱ ከምዝወናወኑ ፍሉጥ እዩ። እቲ ካብ ዘበነ ካሮት ሓሊፎም ኣብ ዘበነ በትሪ ክሳብ ዝበጽሑ ኣብ ዝሓለፈ መስርሕ ኣናፍራኦም ዝተገንዘበ ማሕበረሰብ ዓለም ግን፡ ነቲ ኣብ ወረቐት ተቐቢሎም ኣብ ባይታ ከደናግሩ ዘለዎም መደብ፡ ከምኣቶም ብኣፍ ንኢዱ ኣብ ባይታ ብደቂቑ ክጸባጸቦም ምዃኑ ኸኣ ኣየጠራጥርን።

ስርዓት ህግደፍ፡ መልሓሱ ቀይሩ ነቲ ናይ ጅቡቲ ጉዳይ ድሕሪ ምቕባሉ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባን-ኪ ሙን፡ “ እዚ እዋናዊ ምዕባለታት ኣውንታዊ ለውጢ ኳ እንተኾነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዓንቀጻት ውሳኔ ባይቶ ጸጥታ 1907ን ኣብኡ ተዘርዚሩ ዘሎ ናይ ትግባረ ስጉምታትን ብግብሪ የኽብሮ ምህላዉ ዝምስክር ጭብጥታት ኣብ ምቕራብ ዝያዳ ጻዕሪ ክገብር ኣለዎ ” ክብል ዝሃቦ ጽውዒት ንኣብነት ቀሊል መልእኽቲ ኣይኮነን ዘለዎ።

ልዕሊ ኹሉ ግን እቲ ስርዓት ህግደፍ ብዋጋ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ጠላዕ ይቕረ ዝብሃሎ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሓላፍነት ዘይስምዖ፡ ሕጋውነት ኮነ ሞራላዊ ጸብለልትነት ኣጥፍኡ ዘዕወንውን ዘሎ፡ ንዑቕ ክንሱ ዝንዕቆን ዘንዕቖን ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ክብረት ዘለዎ ህዝቢ እምበር መጣልዒ ካርታ ከምዘይኮነ ብዘየወላውል ከረጋግጸሉ ይግባእ። እዚ ማለት፡ እገዳ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ተወሳኺ ሓገዝ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ነቲ ዘባል ጾር ኮይኑዎ ዘሎ ስርዓት ክኣልየሉ ከይተጸበየ፡ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ ንጡፍ ተሳትፎ ከርኢ ኣለዎ ማለት እዩ።

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ።

ኣማኑኤል ኢያሱ

05.07.10