Eritrean News - assenna

    Banner
Saturday
Sep 11th
Home ትግርኛ ኣተኵሮ ምፍናው ግዳያት ቦምብ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ካምፓላ፣ መን’ዩ ዝሕተተሉ? - ሰላማዊት ካብ ካምፓላ: ኡጋንዳ

ምፍናው ግዳያት ቦምብ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ካምፓላ፣ መን’ዩ ዝሕተተሉ? - ሰላማዊት ካብ ካምፓላ: ኡጋንዳ

Print PDF
Eritreansዕለት 11 ሓምለ 2010 ሰዓት 10.00 ምሸት ምዕጻው ጸወታ ጽዋእ ኩዕሶ እግሪ ዓለም እንዳተኻየደ፣ ኤርትራውያን መንእሰያት ብድምቀት ምስ ብጾቶም ኣብ ኢትዮፒያን ቪለጅ ረስቶራንት ዝተባህለ ኣብ ካምፓላ ኡጋንዳ፣ እንዳረኣዩ ከሎው ብፈጸምቲ ነብሰ ቅትለት ብዝተፈንጀረ ቦምብ፣ ህይወት 6ተ ኤርትራውያን ሽዑ ንሽዑ ተቐዚፉ። ልዕሊ 10 ከቢድን ቀሊልን ማህሰይቲ ወሪድዎም። ሓደ ኢትዮጲያውን ካልኦት ኡጋንዳውያን  64 ዝኾኑ ኣብ ካልእ ክላብ ሓውሲካ ተቐዚፎም።

ኣዚዩ መሪርን ኣሰንባድን ብምንባሩ ኩሎም ኤርትራውያን ኣብቲ ከተማ ዝነበሩ ብስልኪ እንዳተደዋወሉ ብዛዕባ ድሕነቶም ከባቢኦም ተሓታቲቶም። ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ’ውን ናብቲ’ቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ብምኻድ ሓገዞም ክህቡ ተጓዮም። ሆስፒታላትን ፓሊስን ኡጋንዳ ኣብቲ ሓደጋ ቦታ ብደረጃ ኤውሮጳ ክበሃል ዝከኣል ሽዑ ንሽዑ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ዝከኣሎም ገሮም። ኣዚዩ ኣሰቃቂ ንክትርእዮ ዘስክሕ ኣጋጣሚ’ዩ ነይሩ። ሽዑ ለይቲ ዝኾነ ኤርትራዊ ደቂሱ ሓዲሩ ኢልካ ክትዛረብ የጸግመካ።

ብሓቂ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣነ’ውን ንወደይ ካብ ኤውሮጳ ክርእዮ ኢለ ምስመጻኹ ስለዝረኣኹዎም፣  ብሓንሳብ ኮይኖም ከዕልሉ፣ ኣብታ ዝነብሩላ ናይ ሓባር ገዛ ሹጉሪት ክቕርድዱ፣ ኮሚደረ ክመትሩ፣ ጸብሖም ክሰርሑ፣ እቲ ሓደ ገዛ ክኹስትር፣ ስፓዛ ኽዕድጉ በብቲ ዓቕሞም ክትርእዮም ከሎኻ ኣዚዩ ይምስጠካ። ካን እዛ ግዜስ ኣብያትና ካብ ገዛና ወጺና ብምባል ተስተንትን። መቐረት ገዛና፣ መቐረት ኣቦናን ኣዴናን ከይጸገብና ፋሕ ኢልና። ኣብቲ ግዜ ገድልስ መልክዕ ነይሩዎ። ሕጂኸ ምስ ምንታይ ይቑጸር። ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ክንብል። የኤርምመካ።

ስለዚ እዞም ኤርትራውያን መንእሰያት’ዮም ኣብቲ ኢትዮፒያን ቪለጅ ረስቶራንት ዝበሃል ሰፊሕ ቀጽሪ ዘሎዎ ዝተኣኻኸቡ። ዓቢ መርኣዪ ስክሪን ናይ ቲቪ ተዳልዩ ስለዝነበረ ኣቐድም ኣቢሎም ኣብኡ ተረኺቦም ነይሮም። በታ ዓቕሞም ማይ ሶዳ ኣዚዞም ነቲ ዝግበር ዝነበረ መዕጸዊ ብዓል ወጃዕ እናበሉ ይዕዞብዎ ነይሮም። ብወገነይ ከም ጋሻ ተዓዲመ ስለዝነበርኩ፣ መግቢ ሓበሻ ንምብላዕ ናብኡ ኣብ ሰዓት 8ተ ኣትየ ምስ ስድራይ ወጺኤ። ተዓዘብቲ ኣዚዮም ብዙሓት ልዕሊ 400 ሰብ ኣብቲ ቀጽሪ ነይሮም። ሓደ’ዮም ዝመስሉ መን ኤርትራዊ መን ኢትዮጲያዊ ክትብሎ። መን’ውን ኡጋንዳዊ።

ኣጋጣሚ እቲ ካባላጋላ ዝተባህለ ከባቢ ብዙሓት ኤርትራውያን ኢትዮጲያውያን ዝነብሩሉ ከባቢ እዩ። ኤርትራውያን ኢትዮጲያውያን ተቓራሪቦም ክትርእዮም ደስ ይብለካ። ካብ መቕርብ መን ይቐርብ እንዳተባሃሃሉ’ውን ካብ ናብ ዝርከብ ናይ ኤርትራዊ/ኢትዮጲያዊ ትካል ቤት መግቢ፣ ባር፣ ቤት ሻሂ ይመላለሱ እዮም።

ዝያዳ ዘስተብሃልኩላ ኣብ ሓንቲ ጥቓ እታ ኢትዮፒያን ረስቶራንት ትርከብ፣ ናይ ኤርትራዊ ትካል ሲዊት ካፈ (Sweet Café) ትበሃል ቤት ሻሂ፣ መግቢ፣ ኢንተርነት ዘሎዋ ኢትዮጲያውያን በይኖም ዝወነንዋ ትመስል። ዋላ ሓደ ትግርኛ ዝዛረብ ኣይትረክብን።

ኣብ ከምዚ ሰዓት’ዮም እምበኣር እዞም ርጉማት ገበርቲ ክፉእ በቲ ሓደ ወገን ንኢትዮጲያ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ንኡጋንዳ ዝረኸቡ መሲልዎም ነታ ናይ ኢትዮጲያ ቤት መግቢ ዝጠመትዎ። ኣብ ኣዳላው መግቢ ፍሉይ ተፈላጥነት ኣጥርያ ስለዝነበረት ኤርትራውያን ርኹባት ከምኡ’ውን መንእሰያት ቲቪ ንምርኣይ ኣብታ ቦታ ይመላለሱ እዮም። ከምቲ ዝሰማዕናዮ፣ ገለ ካብቶም ግዳያት ንጉሆ ናይ ኩዕሾ ጋንታ ስለዘላቶም ብሓንሳብ ምስቶም ኢትዮጲያውያን ገጋንትኦም ሂዞም ተጻዊቶም ነይሮም። ንምሸቱ ግን በታ ዓይኒ ዘይብላ ጨካን ሞት ተባሒቶም።

ብሓቂ ኤርትራውያን ዘይሕለሉ ብዙሓት ዕውታት ዜጋታት ኣሎውና፣ ኩላትና ግን ኣይኮናን። ኣብ ሆስፒታላት ብምኻድ ነቶም ህሩማት ንምርዳእ ተጓዮም። ዛጊት ኩሉ በብወገኑ ኣብ ምብጻሕን ሞራል ኣብ ምሃብን ይርከቡ። ኡጋንዳውያን’ውን እዚጊሄር ይሃቦም ዝከኣሎም ይገብሩ ኣሎዉ። እዚ ኮይኑ ግዳያት ሞት ሓመድ ዓደኣቦኦም ንክረኽቡ፣ ብውልቅን በቲ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን፣ ክግበር ብዝቐነየ ምድግጋፍ ዓርቢ ዕለት 16.07.2010 ንክፋነው ዘድሊ ምድላዋት ተጌሩ።

ኣብቲ ሰዓት ምፍናው ኣቐዲሙ ብዝተዋህበ ሓበሬታ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብቲ ቀጽሪ ናይ ማሕበረ-ኮም ኤርትራ ካብ ርሑቕን ቀረባን ልቕስኡ እንዳልቀሰ ተኣኪቡ። ካሕናትን ዲያቆናትን ተዋሃዶ ቤተ ክርስትያን ልብሲ ክህነቶም ለቢሶም፣ መሳቕሎም ሒዞም፣ ናይ ካቶሊኽ ደናግልን ካህንን፣ ከምኡውን ካብ ወንጌላዊት፣ ብምምጻእ ስርዓት ፍትሓት ብተመስጦ ኣካይዶም። ኣብ መንጎ ሬሳታት ብምምጽኡ ግን ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ኣብ ኡጋንዳ ተሰሚዑ ብዘይፈልጥ ዓውታ ብኽያትን ኣውያትን ገይሩ ሓዘኑ ገሊጹ። ብፍላይ መንእሰያት ኣወዳትን ኣወልድን ከምኡውን ኣዴታት ብብኽያት ተነኺኒኾም ምእባድ ኣብዮም። ኣጋጣሚ እቲ ኣብ ከባቢ ዝነበረ ህዝቢ ካምፓላ ኣዚዩ ሰንቢዱ እንታይ ወረደና ኢሉ። ኣብ ኡጋንዳ ብኽያትን ኣውያትን ልሙድ ኣይኮነን። ኣብ ገለ ቦታስ ወረግ ብጓይላ’ዮም ቀብሮም ዘካይዱ ኢሎምዎም። ብሓቂ ብኽያት ሞት ግቡእ እዩ፣ መጠኑ ምስዝሓልፍ ግን ትርፉ ጉድኣት እምበር ረብሓ የብሉን።

ብሓቂ ኩሉ ሰብ ኣብታ ህሞት ሬሳ ዝመጸሉ መሪር ብኽያት ተበኺዩ።  ብድሕሪዙ ጸጥታ ተጌሩ እቲ ስርዓተ ፍትሓት ቀጺሉ፣ ካብኡ’ውን እቶም ሓለፊ ካህን ኣቦ ኣዚዩ መሳጢ ዝኾነ ነታ ሓዘን ዝምልከት እቲ ናይ ኣቦታትና ባህሊ ብምድናቕ፣ ንግዳያት መንግስተ ሰማያት፣ ጽንዓት’ውን ንስድራቤቶም ክህቦም ጸልዮም።

ካብኡ ተወካሊ ናይ ኢትዮጲያ ማሕበረ-ኮም ንመዋቲ መንግስተ ሰማይ ንስድራ ቤቶም ጽንዓት ክህቦም እቲ ክልቲኡ ሕብረተ ሰብ ከኣ ሕውነቱ ከደልድል ሕሊና ብዝትንክፍ ዘረባ ተዛሪቡ። ድሕሪኡ ሓንቲ ኡጋንዳዊት፣ ተወካሊት ቤት ጽሕፈት ፕራይም ሚኒስተር ጉዳያት ስደተኛታት ሰፊሕ መግለጺ ሂባ። ኣዝዩ መሳጢ መግለጺ ንስድራ ቤት ግዳያት ብዓቢኡ ከምኡውን ንሕብረት ሰብ ኤርትራ ጽንዓት ይሃብኩም ኢላ። ዘደሊ ምትሕግጋዝ ክገብሩ ምዃኖም’ውን ኣረጋጊጻ።

ብድሕሪኡ ተወካሊ እቲ ማሕበረ-ኮም መግለጺ ብዛዕባ እቲ ክካየድ ዝቐነየ ምኽትታላት ናብቶም ግዳያት ሓበሬታ ብምሃብን ነቶም ኣብ ሆስፒታል ዘሎው ክንበጽሖምን ሞራል ክንህቦም ከምዝግበኣና ምኽሩ ለጊሱ።

ካብኡ ዕምባታት በብሽም ወሃብቲ እንዳተገልጸ ኣብ ሬሳታት ተቐሚጡ። ካብቲ ዕምባታት ሓንቲ ወናኒት ኢትዮፒያን ቪለጅ ረሰቶራንት እያ ነይራ። ብድሕሪ’ዚ ሬሳታት ንኤይርፓርት ንምጉዓዝ ብካህናት ተሰንዩ ኣብ ዝወጸሉ፣ ህዝቢ ከም ናይ ቀዳማይ ብኽያትን ገዓርን ኣውያትን ኮይኑ ኣሕዋተይ ኣሕዋተይ ደቀየ ደቀየ እናበለ ኣፋንይዎም። እቲ መኪና ዘሎዎ’ውን ተኸቲልዎም።

እቲ ዝተፈጸመ በደል ናብ ንጹሃት ሰባት ኣዚዩ ዘሕፍርን ናይ ጃጃውቲ ስራሕ እንተዘይኮይኑ ካልእ ትብሎ ኣይትክእልን። ጽሉል እንተዘይኮይኑ ጥዑይ ኣእምሮ ዘሎዎ፣ ንወዲ መን ኢሉ’ዩ ነብሱ ዝፍንጅራ። እቲ ዘገርም እዞም ሰባት ንኣሕዋቶም’ውን ዝምሕሩ ኣይኮኑን። ከምዚ ዝኣመሰለ ወራዳ ስራሕ ናይ ደናቑርን ተስፋ ዝቖሮጹን ክትገብር ግን ዝኾነ ዕላማ ከድማዓልካ ዘይክእል ምዃኑ ብዓንተብኡ ርዱእ እዩ። ኣልቃዒዳ ኣብ መሕበኢ ወኻሩ ተሓቢኣ ኣሎኹ ኣሎኹ እናበለት ትነብር ኣላ። ክሳብ መዓስ ሂላዌኣ ክህሉ እዩ ኣብ መጻኢ ክንርእዮ ኢና። መን ገባር ክፉእ ዘይጠፍኤ።

ብከምዚ እታ ናይ ሓዘን ሰሙንን መዓልትን ግዳያትና ብኣገባብ ኣፋኒና እንዳተመለሰና፣ ኣብ ጓሂ ሰለዝነበርና፣ ሓንቲ ኣደ ኣንቱም ሰባት ናይዚኦም ይሓይሽ፣ እቶም ብድኻምን ብጽምእን ኣብ በረኻታት፣ ሱዳን፣ ምድረበዳ ሊብያን፣ ባሕሪ ዝውሕጦም ዘሎውኽ ምስ ምንታይ ክቁጸር እዩ። እግዚኦ ንበል፣ ዘዝገደደ ከይመጸና። እንታይ ድኣ ካብ ዓድኻ እንተወጺኻ ድኣ እንታይ ኣሎ። ወዲ ሓብተይ ምስቶም 75 ኣብ ባሕሪ ተዋሒጡ እንዲዩ ተሪፉ። ወለዲ ናይዚኦም’ሲ ሬሳ’ኳ ረኺቦም። ኢለናና። ሓቀኛ ዘረባ እዩ፣ ስለምንታይ ዘዝኸፍኤ መዓልታዊ ንመንእሰያትና የጋጥሞም ስለዘሎ። ዘርእና ብመደብ መራሒና ይጸንት ኣሎ።

ትማሊ ሰንበት’ውን ከምቲ ኣቦይ ቀሺ ዝሓበርዎ ኣብቲ ናይ ኤርትራውያን ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል ስርዓተ ፍትሓት ተገይሩሎም። ኣዚዩ መሳጢ ትምህርት ብኣቦይ ቀሺ ተዋሂቡ። እዞም መንእሰያት ደቂ መንግስተ ሰማያት እዮም። እግዚኣብሄር ስለዝፈቐዶ እዩ። ዋላ ዝበልና ተበልና። ዘይትተርፍ መዓልቲ’ያ ነይራ። ጓሂ ዘድሊ ኣይኮነን። ጸሎት ንግበር፣ ኢሎም ናብ ሃገርና ሰላም የውርድ፣ ናብ ዓለምና ሰላም የውርድ ብማለት ጸሎቶም ዛዚሞም። ልዕሊ ኩሉ ስድራቤት ግዳያት ዘኪሮም፣ ንሕብረት ሰብ ኤርትራ ኣብ ካምፓላ ኣድኒቆምን ኣመስጊኖም። ብሓቂ ምስጋን ዝግበኦ እዩ።

ብሓቂ መንእሰያትና ኣብ ዓዶም ክነብሩ ኣይከኣሉን። ፈሪሆም፣ ሰንቢዶም፣ እንተተጋደሉ ወዮ፣ ኣገልግሎት ተገበሩ ወዮ፣ እንተዘይገበሩ ወዮ ኮይንዎም። ስለዚ ዝኾነ የጋጥመና ኢሎም ካብታ ምውቕቲ ገዝኦም፣ ፍቁራት ወለዶም ኣሕዋቶም ገዲፎም ናብ ዘይፈልጥዎ መሬቶም ኮቢሊሎም። መራሕቲ ኤርትራ ነዚ ጸገም ህዝቦም ዘኪሮምዎ ኣይፈልጡን። ብርግጽ እቲ ጉዳይ ንደቆም’ውን እንዳርከበሎም እዩ።

ስለዚ ኣብ መወዳእታ በዚ ጉዳያ መን ኮን ክሕተተሉ እዩ። ብርግጽ ሓደ ሰብ ከምዝሕተተሉ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እንተዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ ከምዝበሃል ተሓታቲ ናይዚ ጉዳይ ብዘይካ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ካልእ የሎን።

ውፉያትን ምህራትን ኤርትራና ብዓንተብኡ ክሶም ናብቲ ዝምልከቶ ናይ ዓለም ቤት ፍርዲ ከቕርቡ ዘድሊ ጭብጥታት ግፍዒ ንምጽናት ዘርኢ ስለዘሎ ናይ ምጅማር ኣንፈታት እንተዘርእዩ ህዝቢ ኤርትራ ጸባ ምሰተየ ነይሩ።

ክሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ኢሳያስ ኣፍወርቂ።

በዚ ኣጋጣሚ ንመወቲ መንግስተ ሰማይ ንወለዲ’ውን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

ካብ ሰላማዊት 19.07.2010