International Crisis Group ዝብሃል ነጻ ምዃኑ ዝገልጽ ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ፡ ከም ግብረ-መልሲ ናይቲ ብኣባል ባይቶ ኣመሪካ ዝቐረበ ንኤርትራ ናብ ምዝገብ ግብረሽበራ ክትኣቱ ዝምሕጸን ጻውዒት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ነቲ ኤርትራ ንኣሸባብ ከምእትሕግዝ ዝቐረበ ክሲ ክነጽጎ ከምዝፈተነ ድምጺ ኣመሪካ ጠቒሳ።
እዚ ናይ International Crisis Group ትንተና ስግንጢር ዝኾኖም፡ ብዛዕባ ቅልውላው ናይቲ ዞባ ዝዓሞቐ ኣፍልጦ ዘለዎም ተዓዘብቲ ግን፡ ዋና ኣማኻሪኡ ክሳብ’ዚ ቐረባ እዋን ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ካብ ዝኾነ ጉጅለ መጽናዕቲ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዝንቡዕ ርእይቶ ምቕራቡ ብዙሕ ከምዘየገርሞም ይገልጹ።
ርእይቶኦም ብምቕጻል፡ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሶማል ቅድሚ ምእታዉ፡ ኣብ መሬት ሶማል ከምዝነበሩ፡ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ንእስላሚክ ኮርትስ ዘጥፍአ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንገዛእ ርእሱ፡ ብህላውነት ሰራዊት ኤርትራ ዝተነዓዓበ ምዃኑ ኣረዲኦም። እስላሚክ ኮርትስ ብደገፍ መንግስቲ ኤርትራ ተተባቢዖም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከካይዱ ምዃኖም ፈኸራ ድሕሪ ምግባሮም እቲ ናይ ኢትዮጵያ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝሰዓበ ብምዝኽኻር ከኣ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ወተሃደራውያን ኣማኸርቲ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንገስጋስ እስላሚክ ኮርትስ ብቴሌቪዝን ክምዝግቡ መንግስቲ ኤርትራ ዝለኣኾም ጋዜጠኛታት ከይተረፈ ከምዝተታሕዙ ኣገንዚቦም።
ድሕሪ’ዚ ኩነታት’ዚ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቶም ካብ ድምሰሳ ዘምለጡ መራሕቲ እስላሚክ ኮርትስ ኣኻኺቡ ኣብ ኣስመራ ዳግማይ ክምልምሎም ኳ እንተፈተነ፡ ብቐረባ ምስ ተዓዘቡዎን ኣካል ናይቲ ዝቐደመ ስዕረቶም ምዃኑ ‘ውን ተገንዚቦም፡ ክዒቦሙ መሞሊቖም ከምዝኸዱ፡ ብዓቢኡ እቲ ኣብ ኣስመራ ተዓቝቡ ዝነበረ ሽኽ ሸሪፍ ኣሕመድ ንመርገጺ ናይቲ ስርዓት ነጺጉ ፕረዚደንት ናይቶ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝድገፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ከምዝኾነ ጠቒሶም።
ኣሸባብ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዝዕለሙ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሳልሳይ ኢድ ናይተን ስመን ክጽይቓ ዘይደልያን ዝፈርሓን ምስቶም ጥሩፋት ሶማላውያን ዝደናገጻ ሃገራት ዓረብ ኮይኑ ዕጥቅን ስንቅን ከምዘቐብሎም፡ ብጋህዲ ዜናውን ፕሮፖጋንዳውን ደገፍ ከምዝገብረሎም ካብ ማንም ዘይተሰወረ ሓቂ ምዃኑ ‘ውን ኣዘኻኺሮም።
ንሳቶም ትንታኒኦም ብምቕጻል፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋናት ኣህጉራዊ እገዳ ዓቕሉ ስለዘጽበበሉ መዋጽኦታት ሃሰስ ይብል ኳ እንተሎ፡ ብውድብ ሕቡራት ተደጋጋሚ መጠንቀቕታታት ይወሃበሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ “ሞራላዊ ግዴታ ኣለና ንሶማላውያን ክንሕግዞም” ብምባል፡ ኢዱ ሕጹብ ምዃኑ ብዘየወላውል ከምዘየረጋገጸ የረድኡ። ድሕሪ’ዚ ሎሚ ቕነ ዝተኻየደ ኤርትራውያን ዜጋታት ዝለከመ ኣሸባብ ኣብ ኡጋንዳ ዘካየዶ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኸኣ፡ ነቶም ግዳያት ሽበራ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስድራቤታት ምጽንናዕ ገዲፉ፡ ነቶም ኣሸበርቲ፡ “ምንቅስቓስ ሓርነት ሶማል ከምዚ ገበሩ” እናበለ ከም ወትሩ ኣብ ቴለቭዥኑ ከጸባብቖም ይርአ ከምዘሎ ኸኣ ኣብሪሆም።
እቶም ተዓዘብቲ ኣብ ምወዳእታ፡ ስርዓት ኤርትራ ባዕሉ ብትኽ ኣቢሉ ኣሉ ንዘይበሎ ጉዳይ፡ International Crisis Group ምኽሪ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ኤርትራ “ነበር” ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ክተግብር ምፍታኑ፡ ንናጽነቱን መንነቱን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምእታው ተኣማንነቱ የጥፍእ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።
ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣማኸርቲ International Crisis Group ኮይኑ ዝዓዪ ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ካብ 2002 ክሳብ 2006 ኣብ በልጅም፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ካብ 2000 ክሳብ 2002 ኮምሽነር ምውህሃድ ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ኾይኑ፡ ኣብ ግዜ ገድሊ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ንሓያለ ዓመታት ዘገልገለ እዩ። ካብቲ ስርዓት ብወግዒ ከምዝተላቐቐ ዘርድእ ጭብጢ ‘ውን የልቦን።
ምንጪታት ዜና፡
- ተራን ርክብን ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ኣብ International Crisis Group
- ተወሳኺ መረዳእታ ተራን ርክብ ኣቶ ዓንደብርሃን ኣብ International Crisis Group
- AFP፡ ኣባል ባይቶ ኣመሪካ Ed Royce ናብ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ዝለኣኾ ምሕጽንታ ዝጠቅስ ዜና
- RSF ፡ ብዛዕባ 'ቶም ኣብ ኩነታት ሶማል ተታሒዞም ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት


