Eritrean News - assenna

    Banner
Monday
Sep 06th
Home ትግርኛ ዜና 11 ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ መሰል ፖለቲካዊ ዑቕባ ረኺቦም ኣውስትራልያ ከምዝኣተዉ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

11 ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ መሰል ፖለቲካዊ ዑቕባ ረኺቦም ኣውስትራልያ ከምዝኣተዉ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

Print PDF

Eritrean national football team11 ኣባላት ናይታ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ 2009 ንስርዓት ህግደፍ ብምንጻግ ኣብ ኬንያ ዝተረፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብመንግስቲ ኣውስትራልያ መሰል ፖለቲካዊ ዑቕባ ድሕሪ ምርካቦም ኣብ ኣውስትራልያዊት ከተማ Adelaide city ብሰላም ከምዝኣተዉ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ኣብቲ እዋን’ቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፋ ኣብ ናይሮቢ (ኬንያ) ተሸሪባ ምትራፋ ብመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ንፈለማ እዋን ምስ ተቓልሐ፡ እቲ ውርደት ከቢዱዎ ከጽቅጥ ፈቲኑ ዝነበረ ስርዓት ህግደፍ ብኽንደይ ዕጥይጥይ ክእመነሉ ‘ኳ እንተተገደደ፡ መራሒ ናይቲ ስርዓት ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ምስ መደበር ቴለቪዥን ኣጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ፡ እቲ ዜና ንዕኡ ሓድሽ ምዃኑ ከይሓነኸ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣሰና ነቶም ብሰንኪ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዓዶም ክለቁ ዝተገደዱ 11 ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እንኳዕ ናብቲ ዝደለኹሞ ቦታ ብሰላም ኣተኹም ብምባል፡ ኣብቲ ሓድሽ ቦታ ሓድሽ ህይወት ንኸጣይሱ ኣብ ዝገብሩዎ ጻዕሪ ኣሳልጦ ክረኽቡ ትምኒታ ትገልጸሎም።

ኣሰና ብስም ኣፍቀርቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ነዛ " ዓርከይ" እትብል ናይ 'ኣንዲት' ደርፊ ትመርጸሎም ።