Eritrean News - assenna

    Banner
Monday
Sep 06th
Home ትግርኛ ቃል ኣሰና መልእኽቲ ንተሳተፍቲ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

መልእኽቲ ንተሳተፍቲ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

Print PDF

Amanuel Eyasu እቲ ሕድሪ ህዝብን ሃገርን ጠሊሙ፡ ንጸሓይ ሃገርና ኣብ ምብራቓ ዘዕረባ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘመንጨዎ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ደረቱ ሓሊፉ መቐጸልታ ኣብ ዘይብሉ ጥርዚ በጺሑ ከምዘሎ ዝጋየሾ ኤርትራዊ የልቦን።

እቲ መዓታት ንህዝብና ኣኺሉ ተሪፉዎስ፡ ጸረርታኡ ጥራይ ኳ ኣማስይኡ ንዓለም ኣቖጢዑዋ ሕርቃና ብእገዳ ክትገልጾ ጀሚራ ‘ላ`። በቲ ጸረርታ መዓት ጥራይ ኳ ዓለም ስግድግድ ዝበለት፡ እቲ ረኻቢ ኹሉ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ድቋ መዓት፡ ክሳብ ክንደይ ተሓሚሱ ከምዘሎ ንምግንዛቡ ዘሸግር ኣይኮነን።

ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መለሳ ዝዕድም ዝገርዘመ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ ብቑዕ ምላሽ ለውጢ ዘአንግድ ብሱል ደምበ ተቓውሞ ዘይምህላዉ ኸኣ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ መንጎ ሕሱም ሃረርታ ለውጥን ዘየተኣማምን መጻእን ሰንፈላል ኣቢሉዎ ‘ሎ። እዚ ከተካይዱዎ እንሻባሸቡ ዘለኹም ዋዕላ፡ ነዚ ኣብ መንጎ ዝበሰለ ለውጢ ዝጠልብ ኩነታትን ዘይተቐረበ ናይ ለውጢ ልኡኽን፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ኣብ መንጎ ሃረርታ ለውጥን እንተታት ዘበገሶ ስግኣትን ዘሎ ገፊሕ ጋግ ኣብ ምጽባብ ተራ ምስ ዝህልዎ ‘ዩ ሓደ ኣውንታዊ ናይ ዓወት ስጉምቲ ኣምዝጊቡ ክበሃል ዝከኣል።

ከምዚ ዝኣመሰለ ውጽኢት ንምምዝጋብ ግን ዋዕላኹምን ኣብ ዋዕላኹም ዘይተሳተፉ ባእታታትን ክምልሱዎም ዝግብኦም ዕቱባት ሕቶታት ኣለዉ።

ነዚ ሓያል ብድሆ’ዚ ሓደ ዋዕላ ዘይኮነ ዓሰርተ ዋዕላ ተዘራርዮም ‘ኳ እንተኽኢሎሞ እዩ። እዚ ዋዕላ’ዚ፡ ብህጹጽነትን ተኣፋፍነትን ኩነታት ኤርትራ ተደሪኹ ክንዲ ዓሰርተ ዋዕላ ክኸውን ‘ኳ ዝግብኦ እንተነበረ፡ ሓደ ኢልካ ጸብጻብ ቅድሚ ምጅማር፡ “ንምዃኑ ክንዲ ሓደ ክኸውን ከ በቒዑ ዶ?” ዝብል ሕቶ ብቐዳምነት ምምላስ የድሊ። መልሲ ካባኻትኩም እዩ።

እዚ ሕቶ ‘ዚ ናብዚ ዋዕላ ኣብ ዘምርሑ ሓያለ ኣዋርሕ በቶም ኣብ ዋዕላ ዘይሳተፉ ዘለዉ ወገናት ብተደጋጋሚ ክለዓል ጸኒሑ ‘ኳ እንተኾነ፡ ሕጂ ኣብ ምኣዲ ዘተ ዋዕላ ብተሳተፍቲ ዋዕላ ወሪዱ ምላሽ ክረክብ ከሎ ዝተፈልየ ጣዕሚ እዩ ዘለዎ። ካብ ነብሰ-ምክልኻል ሓራ ዝኾነ ንጹህ መልሲ እንተረኺቡ፡ እቲ ዋዕላ ዝካየደሉ ዘሎ ኩነታት (Context) ኣብ ምንጻርን ውጽኢት ዋዕላ በየናይ ሚዛን ክልካዕ ከምዘለዎ ኣብ ምእማትን ኣገዳሲ መኣዝን ክህብ ‘ውን ይኽእል። ነዚ መልሲ’ዚ ኣብ ምስልሳል፡ ብፈለምኡ፡ እቲ ዋዕላ ፡ ካብ ቁጽጽር ወደብቲ ዋዕላ ወጻኢ ብዝኾነ ምኽንያት “ሃገራዊ ዋዕላ” ክኸውን ዘይምኽኣሉ ተኣሚኑሉ፡ ናብ “ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ” ዝብል ስም ‘ኳ እንተተመሓየሸ፡ ናይ መን መዘዝ ብዘየገድስ ንብምሉኦም ‘ቶም ኣብ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኣምኑ ባእታታት ዘይምሕቋፉ፡ መሊሱ ጎዶሎ ገይሩዎ ከምዘሎ ኣብ ግምት ምእታው ሓጋዚ እዩ።

በንጻሩ ካብቲ ዋዕላ ዝቦዄሩ ኣባላት ኪዳን ዝኾኑ ውድባት ብፍላይ፡ ኣብ ኪዳን ብዓቢኡ እናሃለዉ፡ ኣብቲ ሓደ ፍጻሜ ኪዳን ካብ ምስታፍ ዝዓግቶም ዘሎ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ዳግማይ ክህንድሱዎ ምጽባይ ባህርያዊ እዩ። እቲ ኣብ ኪዳን ክጸንሑ ዘገደዶም ምኽንያትን ዓቕልን ስለምንታይ ኣብ ዋዕላ ከሳትፎም ዘይከኣለ? ኣብቲ ዋዕላ ብምስታፎም ዝኸስሩዎ፡ ኣብኡ ብዘይምስታፎም ዝኽስቡዎ ኸ እንታይ እዩ? ንሳቶም ‘ውን ኣቐዲሞም ነዚ ሕቶ’ዚ መልሲ ክህቡሉ ፈቲኖም ‘ኳ እንተኾኑ፡ ስክፍታታቶም ካብ ኣብ መትከል ኣብ ተክኒካዊ መዳያት ዝዘንበሉ ስለዝመስሉ፡ ካብኡ ዝዓሞቐ ምኽንያት እንተሎ ከግህዱዎ ኣድላዪ እዩ።

በዚ ዋዕላ’ዚ እትፍጠርን እትጠፍእን ዓለም የላን። ስለዚ ነዚ ዋዕላ ከም ሓደ ፍጻሜ ኣብ ሓደ መስርሕ ናይ ቃልሲ ናይ ምርኣዩ ክዉንነታዊ ኣጠማምታ ክህሉ ይግባእ። ነቲ ፍጻሜ ኣጋኒንካ፡ ኣብ ርእሲ ‘ቲ ኣብ መንጎ ተቓወምትን ደገፍትን መንግስቲ ዝብል ክልተ ደምበታት፡ ዋዕላ ዝደገፉ ተቓወምትን ዋዕላ ዝነጸጉ ተቓወምትን ዝብል ካልእ ንኡስ ደምበታት ምፍጣር፡ ነቲ ወትሩ ካብ ምክፍፋል ህዝቢ ዝረብሕ ምልካዊ ስርዓት ጉንዖ ምሃብ እዩ። ስለዚ እቶም ከም ተቓወምቲ ምልካዊስ ስርዓት መጠን ኣብ ብዙሕነት ሓሳባት ዝኣምኑ ወይ ክኣምኑ ዝግብኦም ተቓውምቲ፡ ብሰንኪ’ዚ ፍጻሜ’ዚ ሓጹር ደምቢኦም ከርቅቑዎ ኣይግባእን።

ብዙሓዊ ተሳተፍነት ኣገዳሲ ረቛሒ ናይቲ ዋዕላ ኳ እንተኾነ፡ ተኣምር እንተዘይተረኺቡ፡ ነዚ ሕጽረት’ዚ ናይ ምምላእ ዕድል ዛጊት ተጸንቂቑ እዩ። ሕጂ ተሪፉ ዘሎ እንኮ ዕድል፡ ነዚ ሕጽረት’ዚ ብዝዓምም መንገዲ ከመይ ጌርካ ውጽኢት ዘለዎ ዋዕላ ተካየይድ ዝብል ዕማም እዩ። ተሳታፍነት ናይ ገለ ውድባት ክረጋገጽ ብዘይምኽኣሉ፡ ነቲ ክጎድል ዝኽእል ሕጋውነት ንምምላእ ተባሂሉ ኣብ ኣዳለውቲ ዝተራእየ ሻቕሎትን ንምጽጋኑ ዝተራእየ ሸበድበድን ካብ ማንም ዝተኸወለ ኣይኮነን። ኣብቲ ናብ ዋዕላ ዘምርሐ ምስርሕ ንዘየረጋገጽካዮ ተሳታፍነት፡ ምእንቲ ትርኢት ኣብ ሓጺር እዋን ብሃታ ሃታ ክትምልኦ ምፍታን ዘምጽኦ ለውጢ ግን ትርጉም ኣይኮነን።

ሕጂ እቲ ቀንዲ ትርጉም ዝወሃቦ ጉዳይ፡ ከመይ ዝበሉ ኣርእስታት ክለዓሉ እዮም? ብኸመይ ክዝተየሎም እዩ? ውጽኢትን ለበዋን ‘ቲ ዋዕላ ኸ እንታይ ክኸውን እዩ? ዝብሉ ሕቶታት እዮም።

ቅድም ክብል ከምዝጠቐስኩዎ፡ ኣሽንባይ ዶ ንሓንቲ ብክቡር ደምን መስዋእትን ዝተረኽበት ዛንትኣ ዘይተነግረ ሃገር፡ ደምበ ሓደ በትሪ ከመሓድር ዘይክእል ምሽሙሽ ስርዓት፡ ምስ ዒታ ሽታኡ ኣብ ዝባን ህዝቢ ሸይሸይ እናበለ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ዘፍቅድ ሓይሊ ተቓውሞ ምህላዉ ንገዛእ ርእሱ ሕደ ሽግር እዩ። ይኹን እምበር እዚ ‘ውን ሓደ ንጹል ሽግር ከምዘይኮነ ምግንዛብ የድሊ። እቲ ውዱቕ ስርዓትን፡ ውዱቕ ስርዓት ምእላይ ዝጸገሞ ሓይሊ ተቓውሞን ውጽኢት ናይ ሕብረተሰብና እዮም። ስለዚ ፖለቲካዊ ጸገምና ሰለስተ ኩርናዓት፡ ማለት ጠንቂ ሕሱም-ሕማም ዝኾነ ቫይረስ፡ ነቲ ቫይረስ ከምክን ዘይከኣለ መድሃኒት፡ ብቫይረስ ተለኺፉ ክንሱ ናይ መድሃኒት እምነት ኣጥፊኡ፡ ክውሕጦን ክተፍኦን ምውሳን ናይ ዝሰኣነ ተጠራጣሪ ሕሙም ምስሊ ከምዘለዎ ምስትብሃል የድሊ።

እቲ ዋዕላ እምብኣር፡ ነዞም ሰለስተ ኣገደስቲ ዛዕባታት ብቕንዕናን ብዕምቆትን ግልጽናን ክዝትየሎም ኣለዎ።

ፈለማ፡ ብነብሱ ጀሚሩ፡ ደምበ ተቓውሞ ስለምንታይ እዩ ከም ሓደ ውዱብ ሓይሊ ክዓዪ፡ ከፍሪ ዘይከኣለ? ስለምንታይ ‘ዩ ኣብ ልቢ ናይቲ ንስርዓት ህግደፍ ዝተፍአ ልቢ ህዝቢ ክኣቱ ዘይከኣለ? ከመይ ኢሉ እዩ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ክፈጠር ዝኽእል?

ካልኣይ፡ ሕብረተሰብ ኤርትራ ስለምንታይ እዩ ደንዚዙ ወይ ለሚሱ ዘሎ? መንእሰይ ኤርትራ ስለምንታይ ኣብ ክንዲ ናብ ቃልሲ ናብ ስደት የምርሕ ኣሎ? ስለምንታይ ኣብ ክንዲ ኣካል ለውጢ ተጸባዪ ለውጢ ዝኸውን ዘሎ? ሞራሉን ተስፍኡን ብኸመይ ክምለስ ይኽእል?

ሳልሳይ፡ እቲ ቅድሚ ሓያለ ዓመታት ስልጣን ከረክብ ዝግብኦ ዝነበረ፡ ፖለቲካዊ ቫይረስ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ብኸመይ ‘ዩ ካብ ስልጣኑ ዝእለ፡ መተካእትኡ ኸ እንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ? ዝብሉ ሕቶታት ብዕሩብነት ክምለሱ ኣለዎም።

እቲ ብዘያፍራይነቱ ዝለለ ኪዳን ዝወደቦ ዋዕላ ተኣምራታዊ ዓውዲ ኮይኑ ሃንደበታዊ ናይ ለውጢ ማና ከርእየና ኣይንጽበን። ትጽቢትና ክዉንነታዊ እዩ፡ ብዓቕሚ ነብሱ ኢና ክንጽበዮ ዘለና። ነዞም ዝተጠቕሱ ሓፈሻዊ ሕቶታት ኣብ ምምላስ፡ ከተኩረሎም ካብ ዘለዎ ንጥዕና ነብሱ፡ ህዝቢ ንምብርባርን ቆላሕትኡ ንምስሓብን ብኡ ኣቢሉ ኸኣ ነቲ ግዜ ዝእወድ ስርዓት ንምስንባድ፡ ትሕቲ ጉጭ ልዕሊ ጉጭ ከይበለ እቲ ዋዕላ ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት መትከላዊ መርገጺኡ ከነጽር ይግባእ።

1ይ ኪዳን ይኹን ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ ወራሲ ዓራት ህግደፍ ዘይኮነስ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ካብ ህግደፍ መንዚዑ ንህዝቢ ናይ ምርካብ ተልእኾ ከምዘለዎ ክኣምንን ከእምንን ኣለዎ። ከም ኩሎም ኤርትራውያን፡ ፖለቲካዊ ሰልፊ መስሪቱ ንስልጣን ክወዳደር መሰሉ እዩ። ፈለማ ግን ንህዝቢ ናይ ፖለቲካዊ ድምጺ መሰል ከረጋግጸሉ ኣለዎ። ስለዝተቓለስኩ ወይ ከኣ ዘማሪ ቓልሲ ስለዝነበርኩ ስልጣን ይግብኣኒ ‘ዩ ኢልካ ብዘይ ፍቓድ ህዝቢ ስልጣን ክትብሕት ምፍታን ነዚ ኣብ ሃገርና ነጊሱ ዘሎ ምልካዊ ዓመጽ ሕጋውነት ምልባስ ስለዝኾነ ብምንም ትኣምር ዝሰርሕ ኣይኮነን።

2ይ ንህዝቢ ኤርትራ ብዓሌት ብወገን ብሃይማኖት ብብሄር ምክልፍፋል ክሓስቦ የብሉን። በንጻሩ ብመትከል ክቃለሶ ምዃኑ ከረጋግጽ ይግባእ። ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ስድራቤታት፡ ብሄራት ይኹኑ ኣመንቲ ኤርትራውያን ማዕርነት ምሕላው ሃገራዊ ግቡእ ክኸውን ኣለዎ። ፍትሓዊ ስርዓት ንምትካል ምቅላስ ከኣ ነዚ መሰል ‘ዚ ምውሓስ ማለት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ ዓንኬላት’ዚ ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ደምበታትን ምጭጫሕ፡ ዘይምትእምማን ኣባሊሑ ናይ ምትዕብላል ውድድር ዘሰስን፡ ነቲ ኣብ ብዙሕነት ዝተሰረተ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምድኻምን ምዕናውን ሓደጋ ከምዘለዎ ምግንዛብ የድሊ። ኣብተን ኣብነት ፖለቲካዊ ርግኣት ዝኾና ሃገራት ሪፓብሊካን ዴምክራትስ ሊበራል ዝብሉ ሰልፍታት ደኣምበር ኣብ ሃይማኖትን ብሄርን ሃይማኖትን ዝተሰረቱ ፖለቲካዊ ስለፍታት ኣይኮኑን ዘለዉ፡ እንተልዮም ከኣ ከም ፍጮ ዝኹነኑን ዝንጸሉን እዮም።

3ይ ፈታውን ጸላእን ለውጢ ወይ ከኣ ዓማጽን ግዳይን ኣብ ምልላይ ረቂቕ ትዕዝብትን ብልሓትን ምዝውታር። ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ መዝገብ ደሞዝ መንግስቲ ዘሎ ኩሉ ከምጸላኢ ተቖጺሩ፡ ብውሽጢ ዝመጽእ ለውጢ መቐጸልታ ናይ ህግደፍ እዩ ክኸውን ዝኽእል፡ ለውጢ ብደገ ጥራይ እዩ ክመጽእ ዝኽእል ዝብል መረድእታ፡ ዘይምሉእ ፍርዲ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ጸላኢ ናይ ምብዛሕን ናይ ለውጢ ግዜ ኣብ ምድንጓይን ተራ ኣለዎ። ነቲ ዘጠራጥር ስልጣን ናይ ምብሓት ጥሙሕ ‘ውን ዘቃልዕ ‘ዩ። እቲ ዕላማ መሰረታዊ ለውጢ ምምጻእ ክሳብ ዝኾነ፡ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ደለይትን ተቓለስትን፡ መሓዙት ለውጢ ክኾኑ ኣለዎም። ተቓወምቲ ሓይልታት ይኹኑ ሲቪካውያን ማሕበራት ዛጊት ብዘለዎም ቅርጽን ዓቕምን፡ ነቲ ውሽጢ ዘሎ እንተስ ብግዳይነት እንተስ ብኣገልግሎት ምስቲ ስርዓት ቀጥታዊ ርከብ ዘለዎ ህዝብን ሰራዊትን ንለውጢ ክሰርሕ ሞራል ናይ ምሃብ፡ Inspire ናይ ምግባር ተኽእሎ  እዩ ዘለዎም። ነዚ ግብራዊ ድሩትነት ረሲዕካ፡ በንጻሩ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ኣብ መስርሕ ለውጢ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ምስራዕ ግን ዓቕምኻን ተኽእሎኻን ዘይምፍላጥ እዩ።

4ይ ምስዚ ዝተጠቕሰ፡ ነጥቢ ዝተኣሳሰር ነባሪ ሰላም ኣብ ምርግጋጽ ግደ ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ እዋን ናጽነት ኤርትራ ዝተሳሕተ ናይ ዕርቅን ሰላምን መስርሕ ምክያድ እዩ። እዚ መስርሕ ‘ዚ ህዝቢ ዘሳትፍ፡ ፍትሒ ዘረጋግጽ ከምዝኸውን ምግባር የድሊ።

5ይ ከም ሓሙሻይ ነጥቢ ዝጥቀስ፡ ደምበ ተቓውሞ ፖለቲካዊ ሓርነት ከምዘለዎ፡ ንሃገራዊ ረብሓታት ብቐዳምነት ከምዘገልግል፡ ዘየብሉ ሓይሊ ብምጥራይ ካልኦት ንምዕብላልን ብሓለፋ ደገፍ ሓለፋ ስልጣን ንምርካብን ንሃገራዊ ረብሓታት ኣሕሊፉ ከምዘይህብ ከረጋግጽ ይግባእ። ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ይኹን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ማዕርነታውን ሓባራውን ረብሓ ዝተመርኮሰ ዝምድና ክህሉ ከምዘለዎ ብመትከል ክኣምን ‘ውን ይግባእ።

ለውጢ ብውሽጢ ይኹን ብደገ ብዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ፡ ብውሑዱ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መትከላት ምዕቃል ንሕልናኻ ዕግበት፡ ንህዝብኻ እምነት ስለዝህብ፡ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ ኮነ መጻኢ ሰላም ኣብ ምውሓስ ዓቢ ግደ ኣለዎ። እዞም መትከላት እዚኣቶም ግን ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺታት ጥራይ ክውሰኑ የብሎምን፡ ኣብ ንጹህን ቅኑዕን ግብራዊ ስጉምታት ዝተመስረቱ ክኾኑ ኣለዎም። ፖለቲካዊ ተዋስኦ ምስ ስርዓት ህግደፍ ከብቅዕ ኣለዎ።

እቲ ስሚ መንእሰያት ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብቲ ወሪሱዎ ዘሎ ከበባ ጭንቀት ክዛነ ምእንቲ፡ እቶም ዝፈትዉዋ ሃገሮም ገዲፎም ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ 11 ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣውስትራልያ ኣብ ዝኣተዉሉ ቕነ፡ ኣብ ስደት ዝነብሩ 10 ድርብ ዜግነት ዘለዎም ኣብ ክረምታዊ ዕረፍቲ ዘለዉ ኣማተራት ደረፍቲ መንእሰያት፡  ‘ቅነ መንእሰያት’ ኢሉ ኣብ ዝወደቦ ቅነ ምትላል፡ ኣብ ሳዋ ስለዝደረፉሉ፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክዉንነት ኤርትራ ተቐይሩ ማለት ኣይኮነን። ነታ ወጋኢት ኤርትራ ገይሮማ ዘለዉ ሳዋ፡ “ኤርትራ ንሳዋ እንተመሲላትልና እንታይ ተሪፉና ‘ሞ ክንብል” እናበሉ ኣብ ሰማያት ሳዋ ሮኬት ብዝተሳእሎ ባሉን ህግደፍ ህዝቢ ከታልሉ ዝገብሩዎ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ብልሓት ኣብኣቶም ከብቅዕ ኣለዎ። ስለዚ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ትያትሪካል ጸወታታት ምቕጣብ የድሊ። ብኣርተፊሻል መንግስቲ ንዝላደየ ህዝቢ ብኣርተፊሻል ተቓውሞ ንምቕሻሽ ክፍተን የብሉን። እቲ ዝኾነ፡ ጻዕዳን ጸሊምን ተባሂሉ ብግልጺ ናብ ህዝቢ ክቐረብ ኣለዎ።

ጽፉፍ ስራሕ ቀዳማይ ምርጫ ‘ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ስራሕ ዝፍጸም ጌጋን ድኻምን ‘ውን ሓጥያት ኣይኮነን። ጌጋኻ ዘይምቕባልን ክትእረም ዘይምድላዉን እዩ እቲ ዝኸፍአ ጸገም። ህዝቢ ኸኣ ነቲ ብዓይኒ ዝርአ ተግባራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕልና ናይ ምርኣይ ልቢ ‘ውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ተሳተፍቲ ዋዕላ መጠኖም ፈሊጦም፡ ዲምክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ ዋላ ሓንቲ ስጉምቲ ‘ውን ትኹን እጃም ዘለዎ ግደ ክጻወቱ ኣሳልጦ ንምነየሎም። ሕጂ ብውጽኢት ስርሖም እዮም ዝምዘኑ፡ እንተፍርዮም ክነኣዱ፡ እንተፈሺሎም ‘ውን ብፍሽለቶም ዘይኮነ፡ ፍሽለቶም ብምንጽህና ኣቃሊዕም ንመስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠቅም ተመክሮ ኣብ ምልጋስ ነፋጋት ብምዃኖም እዮም ክውቀሱ።ስለዚ ኣብዚ ቕነ ‘ዚ ክዓጥቅዎ ዘለዎም ኣመል፡ ምስ ነብስኻ ብንጽህና እናተዛረብካ፡ ውልቃዊ ስምዒትካ እናተቖጻጸርካን ነብስኻ እናገናሕካን፡ ንኻልኦት፡ ከም መቛርንቲ እምበር ከም መቓርነቲ ከይረኣኻ፡ ብሕድገት ምጥማት እዩ። ናይቶም ኣብቲ ቦታ ብኣካል ዘየለዉ ስምዒትን ድሌትን መትከልን ከምዝወከሉ እንተኣሚኑ፡ ህዝቢ፡ ነታ ዋዕላ ብዕላላ ዘይኮነ ብዕላ ክመዝና፡ ንተሳተፍታ ኸኣ ብኡ መጠን ክፈርዶም እዩ።

ኣማኑኤል ኢያሱ

25/07/2010