Eritrean News - assenna

Saturday
Sep 11th
Home ትግርኛ ዜና ሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ምስ ሰበስልጣን ጸጥታ ሱዳን ብምትሕብባር ካብ ኤርትራ ንዘምለጡ ኤርትራውያን ይጨውዩ ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ምስ ሰበስልጣን ጸጥታ ሱዳን ብምትሕብባር ካብ ኤርትራ ንዘምለጡ ኤርትራውያን ይጨውዩ ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

Print PDF

ሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ምስ ሰበስልጣን ጸጥታ ሱዳን ብምትሕብባር ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ሱዳን ንዝኣተዉ ኤርትራውያን ይጨውዩ ተተሓሒዞሞ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ካርቱም ሓቢሮም።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ካብቶም ናይ ጭውያ ስርሒት ንምክያድ ናብ ካርቱም ኣትዮም ዘለዉ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡

  1. ነስረዲን ዓሊ ማሕሙድ
  2. ሱሌማን ሳልሕ (ወደል በለድ) ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ መታሕት ኤርትራን ሱዳንን ብጨካን ተግባራቱ ሉሉይ ዝኾነ
  3. ተስፋጋብር ዳዊት
  4. ሃብተኣብ ሃይለ ዝብሃሉ እዮም። መላዙም ኣወል መሓመድ ከራር ዓብዱ ብዝተባህለ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ጸጥታ ሱዳን ተመሪሖም ጭውያ የሰላስሉ ከም ዘለዉ ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ፣

ዛጊት ኣብ ካርቱም፡ ኣርኩዌት ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ቦታ ትማሊ ወጋሕታ 25 ሓምለ፡  ኣባል ሚኒስትሪ ምክልኻል ምዃኑ ንዝንገረሉ ተለንተ ካሕሳይ ዘሞ ዝተባህለ ዜጋ፡ ተዓቒቡሉ ኣብ ዝነበረ መንበሪ ገዛ ዘሊሎም ብምእታው ከም ዝጨወይዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣባላት ስሪሒት ጭውያ ሰለይቲ  ህግደፍ ክሳብ ትማሊ ንግሆ ሰዓት 11፡00 ቕድሚ ቐትሪ ኣብ ካርቱም ከም ዝነበሩን ሒዞመን ዝነበሩ መካይን ‘ውን ክልተ ላንድ ክሮዘርን ሓንቲ ቶዮታ ሄሉክስ ሞደል 2005 ምንባረን ምንጭታትና ከረጋግጹ ኪኢሎም ኣለዉ።