ብ11 ሓመለ ኣብ ኡጋንዳ ክልተ ቦታታት ኣሸባብ ብዘካየዶ ነብሰቕትለታዊ መጥቃዕቲ ቁሲሎም ‘ኢንተርናሺናል ሆስፒታል ኣብ ዝብሃለ ሕክምና ተዓቝቦም ዝነበሩ 6 ኤርትራውያን እቶም ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮ፡ ኩነታት ጥዕናኦም ተመሓይሹ ካብ ሕክምና ክወጹ ከለዉ፡ ሓንቲ ሩታ እትብሃል ግዳይ ንራብዓይ ግዜ መጥባሕቲ ተገይሩላ ገና ኣብ ሕክምና ተዓቝባ ከምዘላ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ሓንቲ ካልእ ጓል ኣንስተይቲ ግን፡ ኣብ ሕክምና ኸላ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ ሰዓት ምስኣ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ኣቦ ሰለስተ ቆልዑ ኤፍሬም ንዋይ ከምዝሞተ ምስ ሰምዐት ናይ ኣእምሮ ምንዋጽ ሓዲሩዋ ኣብ ካልእ ሕክምና ተዓቝባ ከምዘላ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ የረድኡ።
እቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝሕገዝ ኣሸባብ ዝተባህለ ሶማላዊ ጉጅለ፡ ብ11 ሓምለ፡ መዛዘሚ ዋንጫ ዓለም ኣብ ልዕሊ ዝዕዘቡ ዝነበሩ ኣፍቀርቲ ስፖርት ብዝፈጸሞ ነብሰቕትለታዊ መጥቃዕቲ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም 76 ንጹሃት ዜጋታት ከምዝሞቱ ይፍለጥ።


