ተቓውሞና ጸረ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዕድመኡ ነዊሕ ኢዩ። ዝኸዶ ስጉሚ ግን ከምቲ ዝተጓዕዞ ነዊሕ ኣይኮነን። ኣብዚ ክንከዶ ዝጸናሕናን ዘሎናን ጉዕዞ ንዲሞክራሲ እቲ ጎሊሑ ዝርኤ ብኩራት ህላወ ወይ ምፍጣር ህዝባዊ መድርኽ ኢዩ።
ከምቲ ስነ-ፍልጠታዊ ሓቂ ዝምስክሮ ኣብ ባይታ’ውን ኣብ ተሞክሮና ዝተመስከረ ሓሳባት ናይ ለውጢ ካብ ውሑዳት ግዱሳት ሃገራውያን ኢዩዝነቅል። እዚ ናይ ወሑዳት ሓሳባትን ርእይቶን ኣብቲ ዝበዝሐ ሕብረተሰብ ሰሪጹ ተቐባልነት ምስዝረክብ ድማ ዓወት ክጭብጥ ይኽእል።
ሓደ ቃልሲ መሰረቱ ህዝቢ ኢዩ። ዋናን ብዓልቤትን እቲ ቃልሲ ኸኣ እቲ ህዝቢ ኢዩ። እቲ ዝሕሾን ዘድልዮን ድማ ባዕሉ ከመርጽን ክመምን ዘይሕከኽ መሰሉ ኢዩ። ህዝቢ ኣብ ንዕኡ ዝምልከት ጉዳይ ተዓዛባይ፡ ሰማዓይ፡ ወይ’ውን ተቐባላይ ክኸውን ኣይግባእን። ኣብ ሕሉፍ ተሞክሮና መራሕትን ተዋሳእትን ሰውራ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሰውርኡ ድምጹ ብነጻ ከየስምዕን ርእይትኡ ብነጻ ከይገልጽን ዓጊቶም ሒዘሞ ኢዮምእቲ ዝኽየድ ዝነበረ ኣሰራርሓ ነቲ ህዝቢ ከም መጋበርን መሳርሕን እንተዘይኮይኑ ኣብቲ ንዕኡ ዝምልከት ጉዳይ ብምልኣት ክዋሳእ ኣይገበረን። ሓደ ኣብነት ጉዳይ ኹናት ሕድሕድ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ብዙሓት ለባማት ኣቦታት ነቲ ናይ ክልቲኡ ሰውራታት ግርጭት ክፈትሑ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ብስንኪ ተርሪ ልቢ መራሕቲ ሰውራ፡ ድምጺ ህዝቢን ምዕዶ ኣቦታትን ዕሽሽ ብምባል፡ ነቲ ካልኣዊ ግርጭት ቀዳማይ ሰሪዖም ናብ ደማዊ ኩናት ቀይሮም ኣብ ልዕሊ’ቲ ሰውራን ኣብ ልዕሊ ህዝብን ዘውረድዎ ዕንወት ከቢድ ኢዩ።
ልክዕ’ዩ እቲ ንሰላሳ ዓመታት ዘካየድናዮ መሪር ብረታዊ ተጋድሎ ዝኸፈልንዮ ከቢድ ዋጋ ዕላምኡ ሃገራዊ ናጽነት ምርግጋጽ ኢዩ። የግዳስ ኣብቲ ዘሳላሰልናዮ ጎዕዞ ምዕዋት ሃገራዊ ናጸነት ኣፍልጦ ሓፋሽ ተጋዳላይን መላእ ህዝብን ኣብ ጉዳይ ሰውርኡ ግን ድሩት ኢዩ ዝነበረ። እቲ ብገርሁ ነቲ ዝነበረ ጎደሎታት ክእርም ዝፈተነ ተጋዳላይን፡ ዝሕግዝ ዘሎ መሲልዎ ብቅንዕና ርእይትኡ ዝሃበ ሓረስታይ ዝተዋህብዎ መልስን፡ ኣብ ልዕሊኦም እተወስደ ስጉምትን ንኩሉ ኤርትራዊ ብሩህ’ዩ ብዙሕ ሓተታ ዘድልዮ ጉዳይ'ውን ኣይኮነን። በዚ ድማ መራሕቲ ሰውራ ቀይዲ በቲኾም፡ ፋሉልነት ኣጥርዮም ፍጹም ንዕቀት ኣብ ልዕል’ቲ ህዝብን ሰውራን ክሕድሩ ኮይኖም ኢዮም። ናይቲ ሽዑ ዝተዘርአ ፈልሲ ኣምባገንነትን ድቂ ፋሽሽትነትን እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዝሕፈስ ዘሎ ምህርቲ ጥፍኣትን ዕንወትን ኢዩ።
ሕጂ’ውን እንተኾነ ኣብ ዝበዝሐ መዳይ ናይዚ ነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ድምጺን ርኢቶን መሰረታትን ህዝብን ክጉሰዩ ብቐጻሊ ጸኒሖምን ኣለውን። ብተወሳኺ ኣብ’ዚ ነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ንዲሞክራሲ፡ ዕላማታት መቃለሲና: ናይ መጻኢ ራእይን ካብ ውሽጢ ኣባላት ሓሊፉ ኣብ ህዝቢ ወሪዱ ክሰርጽን ተቐባልነት ክረክብን ፍጹም ኣይከኣለን። ኣብ ላዕሊ ተንጠልጢሉ ጥራይ ኢዩ ዝርኸብ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ብዙሕ ህዝቢ ኣፍልጥኡ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገሩን ፖለቲካዊ ምዕባለ ጉዕዞ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን። እዚ ድማ እቲ ዘሎና ዝዓበየ ብኩራትን ድኻማትን ምክያድ ቀጻሊ ሰሚናራት: ትምህርቲ መጽናዕትን ስዩምፖዝዮማትን ኢዩ።
ዲሞክራሰያዊ ሓሳባትን ባህርያትን ኣተሓሳስባታትን ኣብ ህዝባዊ መድረኽ ኢዮም ዝቦቕሉ። ዲሞክራስያዊ ኣተሓስባ ዘለዎም ሓይልታት ኣብ እንካን ሃባን ኣብ ምጽውዋርን ምክብባርን ኢዮም ዝኣምኑ። ዘይተኣከበ ህዝቢ፡ መርድረኽ ፈጢሩ ክዛተ ዘየብቕዐ ህዝቢ ሽግራቱ ክፍትሕስ ኣይኮነን ከለሊ’ውን ከጸግሞ ኢዩ። ከም ውጺኢቱ ድማ ግዳይ ቀጻሊ ምድንጋርን ምትላል ተበለጽቲ ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ክወጾ ዘይክእል ናይ ፖለቲካ ሓሸውየ ተሸሚሙ ኣደዳ ተስፋ ምቑራጽ ይኸውን። በዚ ድማ ካብ ጉዳይ ሃገሩ ከምዝሃድምን ምሒር ናይ ምጥርጣር መንፍስ ክወርሶን’ዩ ዝገብር። እዚ ተሞክሮ’ዚ ኸኣ ብዓይንኒ ንርእዮ ዘሎና ምስክር ዘየድልዮ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኢዩ።
ከምቲ ኣቦታት ክምስሉ ኣሓናን ቅርኒ ኣለውን፡ ንሕና ድማ ልቢ ኣሎና ዝብልዎ፡ እዚ ህዝቢ ተማሂሩ ኢዩ፡ ዓቢ ትምህርቲ። ሎሚ ህዝብና ክንሰምዓካ ዝብሎ ድኣምበር ስምዓና ዝብሎ ኣካል ብዝኮነ መለኪዒ ኣይቅበሎን ኢዩ። ሎሚ ንሽግራትካ ልዕለኻ ንፈልጦም፡ ዘድልየካ ንሕና ክንመርጸልካ ዝብሎ ኣይደልን ኢዩ። ትማሊ ትማሊ ባዕላትና ኣሎና ዝብሉ ረሲኣን ኣብ ምንታይ ሓደጋ ከምዘውደቕዎ ብግብሪ ስለዝርኣየ፡ ሎሚ ባዕላትና ኣሎናልካ ዝብሎ ሓይሊ ፍጹም ኣይኣምንን ኣይቅበልን’ውን። ስለዚ ኣብዚ ዘሎናዮ መድረኽ ህዝቢ እቲ ሓቂ ክፈልጥ ይደሊ ኣሎ። መን’ዩ እቲ ቅኑዕ መን’ዩ እቲ ለባም ክፍሊ ዝሕሾ ክመሚ ሃሰው ካብ ምባል ዓዲ ኣይወዓለን። ዛጊት ግን ነዚ እዋናዊ ሕቶ መሊኡ ምላሸ ክህቦ ዝኽእል ኩፉት ህዝባዊ መድረኽ ክንፈጥር ኣይበቓዕናን። ከም ውጺኢቱ ድማ ነቲ ክንበጽሖ እንደልዮ ሸቶ ክድግፎን ካብኡ ዝሕተት ዘበለ ኩሉ ክሕግዝ ተሳትፍኡ ከምቲ ዝድለ ከረጋግጽ ኣይከኣለን። እንሆ ድማ እቲ ንቃልሲ ዘድሊ ዘበለ ኩሉ ነገራት ካብ ህዝቢ ከምቲ ዝደለ ክረክብ ኣይከአለን ። ህዝቢ ከይሓዝካ ክብጻሕ ዝከኣል መሰረታዊ ለውጢ ድማ የልቦን።
ነዚ ሓቂ’ዚ ብምግንዛብ፡ ኣብዚ ዘሎናዮ መድረኽ ቃልሲ ኣለልዩ፡ ዓለም-ለካዊ ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብዚ ሓጺር ዕድምኡ በቲ ድሩት ዓቅሙ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ካብ ዕለት 14 ክሳብ 15 ንኽልተ መዓልታት ኣብ ከተማ ዋሺንግቶን ዲሲ “ መንእሰይ ርእሲ-ኩናት ሰላም” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ምሁራትን ምኩራትን ኤርትራውያን ብምዕዳም እዋናዊ ጉዳያት ኤርትራ ዝተኮረ ሲዩምፖዝዮም ኣብ ምድላው ይርከብ። ኸም እምነትና ክፉት ናይ ዘተ መኣዲ እቲ እንኮ መሰረት መንቀሊ ህዝባዊ ተቓውሞ ኢዩ።
መርሆ ቃልሲ ህዝባዊ ንቕሓትን ምምዕባል ናይ ሓባር ርእይን ናይ ሓባር መረዳእታን ኢዩ። ፈታዊኻን ጸላኢኻን ዝጠቕመካን ዝጎድኣካን ምፍላጥን ምልላይን ኢዩ። ህዝባዊ ንቕሓት ዝዓቢ ድማ ብቀጻሊ ዘተን ክትዕን፡ ህዝቢ ብዘይ ገደብ ብነጻ ርእይትኡ ክገልጸሉ ዝኽእል መድረኽ ብምፍጣር ኢዩ። መራሕቲ ህዝባዊ ቃልስን ቤት-ትምህርቶም ህዝባዊ መድረኽ፡ እቲ መምህር ድማ ህዝቢ ኢዩ። ትርግታ ህዝቢ ዘይፈልጥ፡ ድምጺ ህዝቢ ዘይስምዕ ናይ ለውጢ ሓይሊ ክምልሾ ዝኽእል ህዝባዊ ሕቶ የልቦን። የግዳስ ንኸምስል ህዝባዊ መዝሙር እንዳዘመረ ፖለቲካዊ ረብሓታቱ ክረጋግጽ ጥራይ ኢዩ ዝፍትን። እዚ ድማ ፋሽኑ ዝሓለፈ ናይ ትማሊ መዝሙር ምድጋም ኢዩ። ኻብ ሕሉፍ ጌጋታቱ ዘይምሃር ሰውራ ድማ ዓወት ኽጭብጥ ይትረፍ፡ ቀጻልነቱ’ውን ኣብ ሓደጋ ኢዩ።
ሰለዚ ኣብዚ ዝዳሎ ዘሎ ህዝባዊ መድረኽ ኩሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝሓስብ ደላይ ለውጢ ሃገራዊ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ኣብዚ ዕለት’ዚ ተሳታፊ ክኸውንን ምብጸዓቶም ዝሓለፉ ኣቦታቱን ኣያታቱን ክቕበልን ሓላፍነት ክስከም ብስም እቲ ውጹዕ ብሓለንጊ ህግደፍ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ንላቦ።
መሰልካ ተገዲዱ እንተዘይኮኑ ፍትዩ ዝህብካ፡ ወይ ዝፈልጠካ የልቦን።
ጉዳይ ሃገር ድማ ናይ ሓባር ሓላፍነት ድኣምበር ንወሑዳት ዝግደፍ ኣይኮነን።
ብዘይ ሃገር ክብረት
ብዘይ ህዝቢ ሃገር
ብዘይ ቃልሲ ዓወት የልቦን።
ኣዳላዊት ሽማግለ
ዓለምለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ
20 ሓምለ 2010


