“We will be very much happy if the conference succeeds to solve even a few of our problems”
ወልደየሱስዓማር ኣቦ ወንበር ሰዴህኤ
ሃገራዊዋዕላ ክዕወት ይግብኦ፡ ንምንታይሲ ዓወት ሃገራዊ ዋዕላ ማለት፡ ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካ ውድባት፡ በርገሳውያን ማሕበራት፡ ውልቐሰባትን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ኣብ ታሪኾም ንመጀመርታ ግዜ ብልዙብን ለባምን መንገዲ ዘሰማምዕዎምን ዝፈላልይዎምን ነጥብታት ኣለልዮም፡ እቲ ንኹሉ ክሓቁፍ ዝኽእል ሓባራዊ ርድኢት መወከሲ ገይሮም ንድሕነት ሃገር ተበጊሶም ማለት ኢዩ።
ገለ ህግደፋውያንን ደገፍቶምን፡ ንሃገራዊ ዋዕላ ፍሽለት ይምነይሉ። እዞም ንሃገራዊ ዋዕላ ፍሽለት ዝምነዩ ባእታታት ኣብ ትምኒት ጥራሕ ተሓጺሮም ኣለው ኢልካ ምእማን ዕሸልነት ኢዩ። ብኣንጻሩ፡ ካብ ሕልሚ ሓሊፎም ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብ ዋዕላ ተረኺቦም በታኒ ሓሳባት ብምቕራብ ንዋዕላ ክዘርጉ ክፍትኑ ይኽእሉ ይኾኑ ኢዮም ኢልካ ምሕሳብ ግን ለባም ኢዩ። እሞ እዚ ታሪኻውን ከምኡ ድማ ተኣፋፍን ዋዕላ እዚ ብኸመይ ክእለ ይግብኦ። ብወገነይ ኣተሓሕዛ ዋዕላናን ርእይቶታተይ ኣብቶም ከርሲነገር ናይቲ ዋዕላን እዚ ይመስል፡፡
ሃገራዊዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብቐንዱ ኣብ ሰለስተ ኣገደስቲ ዛዕባታት ክዛተ’ዩ። እዚኣቶም ድማ፡
1) ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብኸመይ ይድልድል
2) ህግደፍ ካብቲ ሒዙዎ ዘሎ ቦታ ስልጣን ብኸመይ ይእለ፡ ከምኡ ድማ
3) ድሕሪ ምእላይ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን፡ መሰጋገሪ ስርዓት ብኸመይ ይትከል ዝብሉ ኢዮም። ነዞም ዛዕባታት እዚኣቶም ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ብዝውንኑ ውልቀሰባት ይኹኑ በርገሳውያን ወይ ፖለቲካውያን ውድባት ዝተፈላለዩ ፍታሓት ክቐርብሎም ይኽእሉ።
ኣነብወገነይ ኣብ ጉዳይ ሓድነት ህዝቢ (ዋላ’ውን ጉዳይ ሓድነት ህዝቢ ኢዩ ንቓልሲ ደሞክራሲ ሓኒቑ ሒዝዎ ዘሎ ዝብል ኣምር ኣካታዒ እንተኾነ) ፡ መሰል ውልቐሰብ ብምሕላው ጥራሕ እዩ ሓድነት ህዝቢ ክሕሎ ዝኽእል ኢለ ኣትሪረ ምተጣበቕኩ ። ጉዳይ ሓድነት ህዝቢ ኣብ ምእላይ ስርዓት ጥራሕ ተሓጺሩ ዝተርፍ ዛዕባ ኣይኮነን ኣብታ ድሕሪ ምእላይ ስርዓት ህግደፍ እንርከባ ኤርትራውን ብቐጻሊ እንሰርሓሉ ጉዳይ ክኸውን ኢዩ። ሓድነት ዝህሉ ግን ሃገራውነት’ውን ምስ ዝህሉ ኢዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ተሃስዩ ዝርከብ ሃገራውነት ኢዩ። ኣብዚ ግሎባላይዘሽን ኣብቲ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑሉ ዘሎ እዋን ሃገራውነት ከመይ ንሕድሶ ኣዚና ክንሓስበሉ ዘለና ጉዳይ ይመስለኒ። ኣብዚ ዋዕላ እዚ ጉዳይ ሃገራውነት ከም ቀዳማይ ዛዕባ ተሰሪዑ እንተ ዝኸውን ምሓሸ እብል። ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ሰንሰለታዊ መግዛእቲን ብሰንኪ’ቶም ኣርሒቖም ዘይጥምቱ መራሕቲ ሓርነታዊ ቃልሲን ሱታፌ ኣብ ሃብቲ ሃገር ይኹን ኣብ መስዋእቲ ምዕሩይ ከምዘይኮነ ርዱእ ኢዩ። እዚ፡ ነዚ ንቃልሲ ደሞክራሲ ተታሓሒዝዎ ዘሎ ህዝቢ ክንድቲ ከሰክፎ ኣይግባእን። ሕጽረታት ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ሓያል ራእይ ዝሓዘለ ስትራተጂ ምሕንጻጽ፡ ንጉድለት ሓድነት ከነሳብበሉ ኣይግባእን፡ ናይ ፖለቲካ ውድባት ካብ ዋንነት ውልቐሰባት ወጺኤን ብኣባላተን ክውነና ይግባእ እዚ ኣብ ሓድነት ይኹን ስምምዕ ናይ ውድባት ዓቢ ተራ ክህልዎ ኢዩ፡ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ኣብ ሓድነት ተቓላሳይ ሕዝብን ኣብ ዓወት ዴሞክራሲያዊ ቓልሲን ። እዚ ማለተይ ግን ብዛዕባ ሓድነት ህዝቢ ኣይንዛረብ ማለት ኣየስምዕን፡ እኳ ዳኣ ብዘይሕብእብእ ዝተፈላለዩ ጽሑፋትን ሓሳባትን፡ ካብ ንሕናን ዕላማናን ክሳብ ዘኤርትርያን ኮቨናንት፡ ኣብ ቅርዓት ኣውጺእና ክንካትዓሎም ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ድምጺ (99.9%) እወ ንናጽነት ኢሉ ኣድሚጹ’ዩ። ከምዚ ዓይነት ሓድነት ዘርኣየ ህዝቢ ሓድነት የብልካን ኢልና ኣንጻር ሓድነቱ ከይንሰርሕ ድማ ክንጥንቀቕ ይግባእ። ኣብዚ ክንርድኦ ዝግባኣና ኮይኑ ዝስማዓኒ ግን፡ እዚ ሕጂ ዝጋባእ ዋዕላ ቅዋም ኤርትራ ንምንዳፍ ስለዘይኮነ፡ እኹል ዓቕምን ተሳትፎ መላእ ሃገር’ውን ስለዘይህሉ፡ ካብዚ ዋዕላ ዝፈሪ ዝኾነ ውሳኔ ከም መሰጋገሪን ከም ለበዋን ንመጻኢት ኮሚሽን ቅዋም ኣብ ነጻ ሃገር ጥራሕ ኢዩ ከገልግል ዝኽእል። እዚ ዋዕላ ወዳእ ነገር መሲሉ ከይርኤ ድማ ክጥንቀቕ ይግብኦ።
ኣብ ጉዳይ ምእላይ ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ብቐዳምነት ኣብ ኤርትራ ንመዋእል ዝጸንሐ ሕጅ’ውን ዝገዝእ ዘሎ ንውልቀ ነጻነት ዝግብት ኣተሓሳስባ ምስዓር ኣብ ቅድሚት ብምስራዕ፡ ግን ድማ ህግደፍ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ነቲ መስሉ ከኽብር ደው ዝበለ ህዝቢ ከይዕምጾ ኩሉ ምድላዋት ንግበር ምበልኩ። ኣብ ምእላይ ስርዓት ህግደፍ ተደጋጊሙ ዝልዓል ኣርእስቲ ምትእትታው ናይ ደገ ሓይልታት(intervention)ኢዩ። ግን ምትእትታው ናይ ደገ ሓይልታት ማለት እንታይ ማለት ኢዩ? ስለምንታይ ኢዮም ናይ ደገ ሓይልታት ኣብ ካልእ ሃገር ዝኣትዉ? ዘእትዎም ጉዳይ ጉዳዮም ዲዩ(self-defense) ወይስ ሻራዊ ሓገዝ ንገለ ወገን ኣብቲ ሃገር ዝኣትውዎ? ንረብሕኦም ዶ ንረብሓ ዝኣትውዎ ሃገር? ኣብ ዓለምና ብርክት ዝበሉ ናይ ደገ ሓይሊ ምትእትታው ተራእዮም ኢዮም፡ ገለ ብቐረባ ካብ ዝዝከሩ ድማ፡ ሓይልታት ኪዳን ኣብ ጀርመን ኣንጻር ሂትለር፡ ምትእትታው ኣሜሪካን ራሻን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣብ እዋን ዝሑል ኹናት ፡ ኩዌት ካብ ሳዳም ንምንጋፍ ዝተገብረ፡ ኣብ ካምፖዲያ ፖልፖት ንምልጋስ ምትእትታው ቬትናም፡ ኣብ ኡጋንዳ ንምእላይ ኢዲ ኣሚን ብታንዛኒያ ዝተውስደ ምትእትታው፡ ኣብ ዒራቕ ብኣሜሪካ ፡ኣብ ጆርጂያ ብራሻ ን ካልኦት ብዙሓትን። ገለ ንረብሓታት ሕዝቢ ክውዕል ከሎ ገለ ድማ ንጥፍኣታት ኮይኑ። ኣብ ጉዳይና ምስ እንምለስ ምትእትታው ክልዓል እንከሎ ብዘይ ቃልዓለም ንምዝራብ ንኢትዮጲያ ኢዩ ዘመልክት፡ ኢትዮጲያ ብቐጥታ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኩነታት ውግእ ስለዘላ። እዚ ዋዕላ እዚ ካልእ ጉዳይ ውን እንተዘይህሉ ነዚ ተሃዋሲ ኩነታት ንምግምጋም ውን ክጋባእ ይግብኦ። ኢትዮጲያ ምኽኑይ ዝኾነ ናይ ነብሰምክልኻል ውግእ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ክትከፍት ትኽእል ዶ? ንሕና ከም ኤርትራውያን ነቲ ክስዕብ ዝኽእል ክሳራ፡ ብቐንዱ መስዋእቲ፡ ክንሽከሞ ንኽእል ዶ? ከም ተቓወምቲ ደው ከነብሎ ንኽእል ዶ (diplomatically))? እንተዘይተኻእለ ንረብሓ ኤርትራ ክንቕይሮ ንኽእል ዶ? እዝን ካልእ ሕቶታትን ተጋባኣይ ብሓላፍነት ክምልሶም ዘለዎ ሕቶታት ይመስሉኒ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ድሕሪ ምእላይ ስርዓት ህግደፍ ንዝህሉ መሰጋገሪ መንግስቲ፡
1) እዚ ሕጂ ዝጋባእ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ዝመርጾ ኣካል
2) ኣብ ኤርትራ ውሽጢ ዘሎ ኣብዚ ዋዕላ ክጋባእ ዕድል ዘይረኸበ ሓይልታት ፡ውልቐሰባት ይኹኑ ትካላት ከምኡ ድማ
3)ኣብ ደገ ዝርከቡ ውልቐሰባት ይኹኑ ዉዱባት ግን ድማ ሕጂ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ክሳተፉ ዕድል ዘይረኸቡ ይኹኑ ግቡእ ምድላዋት ዘይገበሩ ሓይልታት ዝሳተፍዎ ኣብ መሰረታዊ ሕጋውን ሰላማውን ደሞክራሲያውን ቀይድታት ናይ ስልጣን ዝኣምን ብሓባር ኮይኑ መሰጋገሪ መንግስቲ ክፈጥር ይኽእል ምበልኩ።
እዚሕጂ ካብዚ ዋዕላ ዝምረጽ ኣካል ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ንነብሱ ከም መሰጋገሪ መንግስቲ እንተ ሰይሙ እቲ ዝተረፈ ኣካል ብኸመይ ይጽምበሮ ብንጹር ከቐምጥ ይግብኦ።
ከምኡ’ውንመንግስቲ እንድሕር መስሪትካ ክትቆጻጸሮ’ውን ስለዝግብኣካ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ድማ እቲ ብሽምካ ብዙሕ ነገር ክውድእ ዝኽእል ናይ ስደት መንግስቲ ንምቁጽጻሩ ሓያል ተበላሓትነትውን ስለዝሓትት። ኣድላይነቱ ተራእዩ ምስ ምሉእ መቆጻጸሪ ኣገባብ ክምስረት ይግባእ።
ከምቲዶ/ር ኣንገሶም ኣጽብሃ ኣብ መስከረም.ነት ዘስፈሮ ብሉጽ ጽሑፍ፡ ምስቲ ሕጂ ኣብዚ ዋዕላ ክሳተፍ ዘይከኣለ ኩሉ ወገን ንመጻኢ ብኸመይ ብሓባር ይስራሕ እዚ ዋዕላ ብቐዳምነት ሰሪዑ ክሓስበሉ እላቦ።
ካልኦትነቶም ዝተጠቕሱ ዛዕባታት ብኻልእ መንገዲ እንተ ዝፍትሑ ምሓሸ ኢሎም ርእይቶታቶም ከፍስሱ ኢዮም። ክሳብ ካብ ግዝኣት ሕጊን ሰላማውን ደሞክራሲያውን ኣምራት ዘይረሓቑ ድማ ማእከላይ መንገዲ ክርከብ ኣየሸግርን ኢዩ።እዚ ማለት ድማ ኩሉ ጉዳይና ብሕግን ብሰላማዊ መንገድን ነሰላስሎ ሕዝባዊ ተሳትፎ ድማ ነውሕስ። ቅዋም ኣሜሪካ ንምንዳፍ ኣቦታት ኣሜሪካ ኣብ ፊላደልፊያ ንኽንደይ ጽንኩር መዓልታት ከምዝተኣከቡን ክሳብ ክንደይ ፈታኒ ምንባሩን ዝዝከር’ዩ፡ ኣብዘን ዝቕጽላ ሒደት መዓልታት ኩሉ ነገር ተዋዲዱ ፍታሕ ክርከብ ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ካብ ክውንነት ምርሓቕ ኢዩ፡ ብውሕዱ ግን እዚ ዋዕላ እዚ መትከላት ዴሞክራሲ ዝእንፍት ናይ ሓባር ዕግበት ዘለዎ ሰነድ ሒዙ ክወጽእ ይትስፎ። እዚ ሕጂ በዚ ዋዕላ ኣቢሉ ዝጸድቅ ቅዋም ይኹን ፕሮግራም ሃገራዊ ቅዋም ስለዘይኮነ ንናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ፕሮግራም ዝድግፍ ኮይኑ ክወጽእ ኣይግብኦን። ኣብ ስደት ዝህሉ ኣቃውማ ፖለቲካዊ ውድባት ብዝተሓተ ዘሰማምዕ ነጥብታት ናይ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ጥራሕ ኢዩ ክሰርሕ ዝኽእል። ድሕሪ ዋዕላ ዝምልከቶ ኣካል መስርሕ ዋዕላ ካብ ሀ ክሳብ ፕ ብዝርዝር ከውጽእ ይላቦ። ግሉጽነት ኣካል ናይ ዴሞክራሲያዊ ቓልስን ሓባሪ ናይ መጻኢ ጉዕዞን ክኸውን ይግብኦ።
እሞ ነዚ ረዚንን ኣገዳስን ዛዕባታት ብትዕግስቲን ብምጽውዋርን ብተበላሓትነትን ኣብ መዛዘሚኡ ንምብጻሕ ኩሉኹም ተጋባእቲ ሓደራ ናይ ኩሉ ፈታው ሰላምን ምዕባለን መጻኢት ኤርትራ ትቕበሉ ኣለኹም ። ደጊመ ከዘኻኽረኩም ! ፈተውቲ ሃገራዊ ዋዕላ ተመሲሎም ነዚ ረዚን ሕቶታት መዝሚዞም ዋዕላ ክዘርጉ ንዝደልዩ፡ ኣለልዩ፡ ኣይፋል ድማ በሉ።
ረዚንታሪኻዊ ሓላፍነት ኢዩሞ ፡ ሃየ ሓደራ!
ጽሑፈይ ወዲኤ ንምስዳድ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዝነበርኩ ሰዓት ክልተ ኣገደስቲ ትዕዝብትታት ተቐልቒሎም።
1) ብመንገዲ መሰልና ደሊና ነዚ ዋዕላ ኮነ ኢልካ ንምዝራግ ዝዓለመ ዝመስል ንባብ ሰሚዕና። መንእሰያት EMDHR ንራዲዮ መሰልና ከምዘካይድዎ ተሓቢረ። ልቢ ጎበዝ ኣብ ደረቱ ኢዩ ኢልካ ዕሽሽ ክበሃል ይከኣል ይኽውን። ካብዚ ታሪኻዊ ጌጋ እዚ ግን ክመሃሩ ይግብኦም። ብወገነይ ብዛዕባ ኣወኻኽላ ህዝቢ ዘሎኒ ሓበሬታ ድማ፡ ካብ እቲ ከባቢ 322 ዝኸውን ተጋባኣይ ዳርጋ 50% ክርስትያን 47%እስላም ከምእውን ካልኦት ምዃኖም’ዩ።
ኣሰናዳኢትሽማግለ ኣብ ከምዚ ዓይነት ፖለቲካ ክኣቱ ድልየት ከምዘይነበሮውን ተረዲኤ።
እቲ ካልኣይ እቲ ብግሎባል ሶሊዳሪቲ ዝወጸ ጽሑፍ’ዩ። ስለምንታይ’ዩ ግሎባል ሶሊዳሪቲ ወግሔ ጸብሔ ስክፍታታት ክንዲ ምድርዳር ዓቕሙ ንምፍታሕ ናይቲ ሽግር ዘየውዕሎ? ኣብ መንጎ ተፈላሊዮም ዘለው ኣካላት እንታይ ኢዩ ተረኺቡ? መሰረታት ውድባት እንታይ ይብሉ’ለው? ዝብል ሕቶታት ኣልዒሉ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ እንተዝጽመድ ዶ ኣይመምሓረሉን!ንጽልዋ ይኹን ምትእትታው ናይ ደገ ሓይልታት ብዝምልከት እንተኾይኑ ከኣ፡ ብሓደ ደው እንተበልካ ጥራሕ ዶ‘ኣይኮነን ንናይ ደገ ሽግራት ንረብሓኻ ክትቕልሶ ትኽእል? ተራ ናይ ግሎባል ሶሊዳሪቲ ኣብ’ዚ ጉዳያት’ዚ ብዝምልከት ግን የተዓዛዝብ’ዩ ጥራሕ ኢየ ክብል ዝደሊ።
ሳምሶን ረድኣብ
ሓምለ 24/ 2010
ዋሺንግቶን ዲሲ


