Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Memorial Services for the Late Ahmed Nasser: Reports & Announcements – Las Vegas, Toronto, Oslo, London

ስነ-ስርዓት  መብራህቲ ሽምዓ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ትማል ዕለት 04/02/2014 ብኽብሪ ኣብ ላስ-ቬጋስ ተዘኺሩ። እቲ ብመብራህቲ ሽምዓን ጸሎትን ብፕሮጀኽተር ዝተሰነየ ስእልታትን ግጥምን  ዝተጀመረ ዝኽሪ ሓርበኛ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ቐጺሉ ብኣቶ ስብሓት በርሄ ታሪኽ ሂወትን ዝናን እቲ ሓርበኛ

ስነ-ስርዓት  መብራህቲ ሽምዓ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ትማል ዕለት 04/02/2014 ብኽብሪ ኣብ ላስ-ቬጋስ ተዘኺሩ።

እቲ ብመብራህቲ ሽምዓን ጸሎትን ብፕሮጀኽተር ዝተሰነየ ስእልታትን ግጥምን  ዝተጀመረ ዝኽሪ ሓርበኛ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ቐጺሉ ብኣቶ ስብሓት በርሄ ታሪኽ ሂወትን ዝናን እቲ ሓርበኛ ተነቢቡ ገለ ኻብቲ ትሕዝቶ ሓርበኛ ኣሕመድ ናስር ንዓመታት ኣብ ቓሉን ዕላማኡን ብምጽናዕ ዝተጋደለን ዘጋደልን ሓርበኛ ኣቦ እዩ ኢሉ።ቐጺሉ ኣቦናን ሓውናን ኣሕመድ ናስር ቐንዲ ዝልለየሉ ባህሪ ኣብ ምርድዳእን ሓድነትን ዝኣምን ብሓልዮትን  ንቕሓትን ከረድእ ዝፍትን ንዝኾነ ሰብ ጽን ኢሉ ዝሰምዕን ከምዝነበረን ከይተሓለለ ካብ 1964 ክሳብ 2014 ዝተጋደለ ሓርበኛ ኣቦ እዩ ኢሉ።

ቐጺሉ እቲ መደብ ብመጋድልቲ ሓርበኛ ኣሕመድ ናስር ኣብ ላስቬጋስ ዝቕመጡ  ኣቶ ዳዊት፥ኣቶ ኤፍረም (ወዲ-ባሽይ) ኣቶ ኣማኒኤል ፥ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ምስ ስውእ ኣሕመድ ናስር ዝነበሮም ኣፍልጦን በብታራ ገሊጾም ።ንሶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንሕና ናይ ብሓቒ ኣፍሪና ኢና ብጻይ ኣሕመድ ናስር ዳርጋ ዘይተሰወአ እዩ ንዝኗኡን ታሪኹን ዝቕበሉን ዘኽብሩን መንእሰያት ኣፍሪዩ እዩ ከይዱ ብምባል ንኣባዓዕላን ዝኽርን ሓርበኛ ኣሕመድ ናስር ንመንእሰያት ላስቬጋስ ምስጋናኦም ገሊጾም።ቕጺሎም ኣቶ ዮሴፍ ፍሳሃየን  ኣቶ ስብሓት በርሄን ሓርበኛ ኣሕመድ ናስር ከም ጅግናን ኤርትራውን መጠን ብኽብሪ ኣብ ዓዱ ኽቕበር ይግባእ ነይሩ፤እንተኾነ ግን በቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ኣይተካእለን ኤርትራውያን ሎሚ ንሽሙ ኢና ኤርትራውያን እንብል እንበር ኤርትራስ ናይ ውሕዳትን ንውሕዳትን እያ ኾይና ዘላ ኢሎም። ቐጺሎም ዝኾነ ኤርትራዊ ናይ ፖለቲካ ኣረኣእያኡ ብዘየገድስ ከም ኤርትራዊ መጠን ኣብ ዓዱ ንኽቅበር መሰሉ ሕልው ኽከውን ነይርዎ ኣብ ሃገርና ግን ኣይኾነን ከም ተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር ዝበሉ ኣብ ጎኒ እቲ ስርዓት ኾይኖም ዘገልገሉ’ዃ ንኢሰያስ ስለዘኾረዩ ብኽብሪ ኣይተቐብሩን ብምባል እዞም ኣብ ደገ ዝቕበሩ ዘልዉ ሓርበኛታትን ሃገራውያንን ብዘይ ጥርጥር ጽባሕ ብኽብሪ ኣብ ዝተወልድሉ ሃገሮም ክቕበሩ ምኻኖም ገልጾም።

እቲ ናይ ዝኽሪ መደብ ድማ ብዓወትን ምጽንናዕን ንስድራ ቤት ሓርበኛ ኣሕመድ ናስር ጽንዓት ይሃብኩም ብምባል ተዛዚሙ።

ምንቕስቓስ መንእሰያት ላስቬ-ጋስ

 

ንዝኽሪ መስዋእቲ ጅግና ሃገራዊ መራሒ ተጋዳላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ኣብ ለንደን

ጅግና ሃገራዊ መራሒ ተጋዳላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ብዕለት 26 መጋቢት 2014  ሃንደበት ኻብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ተፍልዩና። ጨንፈር ዓባይ ብርጣንያ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤሪትራ ምስ ኹለን ማሓዙት ውድባትን በርገሳውያን ማሕበራት፡ ንስውእ ተጋዳላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ብሓባር ንምዝካር ንዕለት 13 ሚያዝያ 2014 ኣብ ኸተማ ሎንዶን ምሳና ሓቢርኩም ኽተምስዩ ንኹሉ ኤሪትራዊ ብኽብሪ ንዕድም።

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ዓባይ ብሪጣንያ

ዝግበረሉ ቦታ/ ADDRESS

   ABRAR HOUSE

45 CRAWFORD PLACE,

LONDON W1H 4LP

DATE AND TIME

13 APRIL2014

Time from 3.30pm to 7pm

 

 

 

 

 

 

ዝኽሪ ንስውእ ገዲም ተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር ኣብ ከተማ ኦስሎ – ኖርወይ

ንሰንበት 6 ሚያዝያ 2014 ኣብ ከተማ ኦስሎ ንስውእ ገዲም ተጋዳላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ሓቢርካ ንምዝካር
ተመዲቡ ኣሎ፡ ፡ ኣብዚ ማዓልቲ እዚ ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን ዝነብር ኩሉ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብዚ ቦታ ተረኺቡ
ናይቲ ዝኽሪ ተሳታፊ ንክኸውን ብኽብሪ ንዕድም፡ ፡

ዝኽሪ ዝግበረሉ፡
ዕለት ፡ ሰንበት 6 ሚያዝያ 2014
ግዜ ፡ካብ ሳዓት 17፡00 ድ.ቀ
ቦታ ፡ Grønland over Postkontoret

ኣዳላዊት ሽማግለ
ኦስሎ – ኖርወይ

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT