ጊላ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ ህግደፍ ዓሊ ዓብዱ መርበባት ሓበሬታ ኤርትራውያን ንምትዕንቓፍ ፍሹል ፈተነታት የካይድ።

ጊላ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ ህግደፍ ‘ሚኒስተር ዜና’ ዓሊ ዓብዱ ነተን እዋናዊ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ኣብ ምትሕልላፍ ብንጥፍት ዝዋስኣ ዘለዋ ኣብ ወጻኢ ዝመደበረን ኤርትራውያን መርበባት ሓበሬታታት ንምትዕንቓፍ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዘይወግዓዊ ዑደት የካይድ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ስም ሚኒስተር ዜና ተጎልቢቡ ስለያዊ ስርሓት ናይቲ ውልቀምልካዊ ስርዓት ዘሰላስል ዓሊ ብነዘርላንድስ ኣቢሉ ዝወጠኖ መደብ ከየቕንዐ … more

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ንዑደት መራሒ ሊብያ ኮሎኔል መዓመር ቓዛፊ ብዝምልከት ሕቶታት ኣልዒሎም።

መራሒ ሊብያ ኮለኔል ኣልቓዛፊ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ብዛዕባ’ቲ ባይቶ ጸጥታ ብዛዕባ ምስሕሓብ ምስ ጅቡቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣመሓላሊፉዎ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ መጠንቀቕታ ወግዓዊ መግለጺ ዘይምሃቦም ኣብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዓበይቲ ሕቶታት ኣለዓዒሉ ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ወተሃደራዊ ስታፍ ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ናይ ስራሕ … more

ትንቢትና ስለምንታይ መኺኑ?

ታሪኻዊ ጉዕዞ ንሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንታሪኽ ኣጽኒሕና ስለምንታይ ትምኒትና መኺኑ? ነዚ ሕቶ`ዚ ብዕቱብነትን ብኣትኩሮንዶ ኣጽኒዕናዮ?እዚ ሕቶ እዚ ብዕምቆት ከይመለስና ንምቅላስ ክጽግመና ኢዩ፡፡  እወ ቃልስና ንመግዛእቲ ስዒርና ኣብ ዑና ናቱ ኤርትራዊ ምምሕዳር ክዕንብብ ኣብ ዑና ናይቲ ዝነበረ ብባዕዳውያን ዝውነን ትካላት ኤርትራዊ ትካላት ክደምቕ ኣብቲ ተጨፍሊቑን ተዓፊኑን ዝነበረ ኤርትራዊ ባህሊ ኤርትራዊ ባህሊ … more

መርበብ ኤርትርያውያን ንቅዋማዊ መንግስቲ (ኤንቅመ)

መርበብ ኤርትርያውያን ንቅዋማዊ መንግስቲ (ኤንቅመ)ኤንቅመ ቅዋማዊ መንግስቲ ንዝብልጠለብ ኣሃዱታት ሓምኤ ብዓጀባ የሰንዩ መቦቆልን ሰንክን ናይ’ዚ ምልኪ ጉጅለ ህግደፍ ዘውርደልና ዘሎ መዘናን ማእለያን ዘይብሉ ዐመጽ እቲ ብህዝቢ፣ ንህዝቢ፣ናይ ህዝቢ፣ዝኾነ ቅዋማዊ መንግስቲ ዝብል ጠለብን ድሌትን ህዝቢ ኤርትርያ ናይ ዝተጠልመ ኢዩ:: ውልቀ-መላኺ ሃጽየ ኢሰያስ ነታ ኣብ 2001 ክትግበር ተሓሲባ ዝነበረት ሐንቲን ቀዳመይትን ኩላትና … more

እታ ቁልዒ ኣብ ረመጽ ጸኒሐ ጥሒላ

ግዝያዊ ዝበልናዮ ንወትሩ ነጊሱ፡ስልጣን ኮ/ መንግስቱ ወሪሱጀጋኑ ኣጥፊኡ ንተባዓት ኣልሚሱ፣ ንመንእሰይ ሓሞቱ ኣፈሲሱ፣ደቂሱላ ሃገር ቁዋምና ኣሕዲጉ ተተርኢሱ።                 ኣየ ኩፉእ ዘበን ንኹሉ ዘታልል፡ ፣                ኣነ ጥራይ እየ ሰብ ዝብል ንኹሉ ዝዕብልል፣                ንሕጻናት ዝሕይር ዘነዉርም ዝቐትል ፣                ንሕጊ እንዳቦና ዘፍርስ ነቲ ዓብይ ድልድል፣                መን ተጸቢይዎ እዚ ክኸዉን ናህና ዕድል።                      ኣየ … more

መጸዋዕታ ንሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ሎንዶን

ኣብ ሎንዶን ንርከብ ኣባላት ሲቪካውያን ማሕበራት፡ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት፡ ናይ ሚድያ ማዕከናትን ግዱሳት ውልቀሰባትን ብሓባር፡ ኣብ ኣፍደገ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ን22 ለካቲት 2009 ሰላማዊ ሰልፊ ኣዳሊና ብምህላውና ኩሉ ብሰብኣዊ መሰልን ድሕነት ኤርትራን ዝግደስ ዜጋ ኣብቲ ሰልፊ ተረኺቡ ድምጹ ከስምዕ ንጽውዕ ኣለና ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንከነዳሉ ዝደፋፍኣና ቀንዲ ምኽንያት፡ … more

ልሙድ ገበን ብስም ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ (ካብ እንግሊዘኛ ዝተተርጎመ)

ቅድሚ15 ዓመት ዝኾነ ርእሰ ምኽኣል: ኣብ ኤርትራ እታ ዝነውሐት ዕድመ ዘለዋን ዝተኸበረትን ኣካል ኢያ። ክንዮቲ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ዘለዎ ዓሚቝ መንፈሳዊ ትሕዝቶኣ ከኣ ንኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመታት ከም ናይ መምሃሪ ማእከልን ዓንዲ ሕቖን ሕብረተሰብ ኤርትራ ኮይና ጸኒሓ ኣላ። እዛ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን እዚኣ ከኣ ነዚ መንፈሳውነት፡ ትምህርትን ባህልን ክሳዕ’ዚ ወለዶዚ ተሓልዩ ክጸንሕ … more

ስልኳ ምስጢራዊ ጸብጻብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሜጀር ጀነራል ተኽላይን ምስሕሓብ ይፈጥር / ቀዛፊ ኤርትራ ይበጽሕ።

ሜጀር ጀነርል ተኽላይ ንቤት ትጽሕፈት ፕረዚደንት ኢሉ ዘዳለዎ ምስጢራዊ ጸብጻብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ናብ መርበባት ኢንተርነት ኤርትራውያን ብምስላዅ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃበተስላሰን፡ ሓለቓ ጸጥታ ኢሳይያስ ኮለኔል ተስፋልደት ሃብተስላሰን ምፍሕፋሕ ከምእተፈጥረ ምንጭታትና ሓቢሮም።   ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነዚ ጉዳይ ‘ዚ እተጻሪ ኮሚተ መዚዙ ከምዘሎ ‘ውን ኣገንዚቦም። እታ ብሓላፊ … more

ብስራት ካብ ኣሰና፡ ፈነወ ድምጺ-ኣሰና ናብ ኤርትራ

ድምጺ ኣሰና፡ ንፈተነ ካብ ሰኑይ 16 ለካቲት 2009 ኣትሒዛ ብ 9610 kHz 31 ሜተር ባንድ፡ፈነወ ራድዮ ናብ ኤርትራ ክትጅምር ምዃና ብሓጎስ ተበስር። ድምጺ-ኣሰና ነቲ ናብ ህዝብን ሰራዊት ኤርትራ ዝቐንዐ ፈነወኣ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ማለት ሰኑይ፡ ረቡዕን ዓርብን ብናይ ኤርትራ ኣቋጻጽራ ካብ 8፡30 ክሳብ 9፡00 ምሸት ከተካይዶ መዲባ ኣላ። መርበብ … more

መልእኽቲ ጽንዓት

ተጋዳሊት ነበር ወ/ሮ ሰርግኣለም ፍትዊ ዘርኣብሩክ በዓልቲ ቤት ሃይለ ወልዱ፡ ዳንግሽ ብዝሓደራ ሕማም ኣብ ሆስፒታል ክትእለ ድሕሪ ምጽንሓ ኣብ 53 ዕድመኣ ብዕለት 31/01/2009 ኣብ ሎንዶን ዓዲ እንግሊዝ ዓሪፋ። መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓዘና እናገለጸት ንስድራቤት ሃይለ ወልዱ ጽንዓት ይሃብኩም ትብል።

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፡ ናይ ቪድዮ ስእሊ ምርኣይ እንተጸጊሙኩም፡“ምንኣስ ናጽነት ተቐዚፉ” ኣብ ዝብል ሊንክ ብምጥዋቕ ብንጹር ክትርእዩዎ ትኽእሉ

       ቪድዮ ንምርኣይ ኣብዚ ሊንክ “ምንኣስ ናጽነት ተቐዚፉ” ጠውቑ ኣብ ዝሓለፈ ዜና ኣሰና ከም ዝተኸታተልኩሞ፡ ብዙሓት ካብ ኤርትራ ንስደት ዘምርሑ ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ብስርዓት ህግደፍ ብኡንብኡ ይርሸኑ ኣለዉ። ምስ ሓዉ ናይ ሓደ እዚ ዘሕዝን ዕጫ ዝበጽሖ መንእሰይ ናይ ቪድዮ ቃለመጠየቕ ከነቕርበልኩም ምዃና ‘ውን ተመባጺዕና ኔርና። ከም ቃልና … more

ስደት ድሕሪ ናጽነት

      ኤርትራዊ ዶ’ ምስተሰደ       ዓዱ ገዲፉ ዶ’ ምስኸደ       ኢዚኦም መራሕቱ በዓል ሓመድ ዕደ   እንታይ ይበሃል ድሕሪ ነጻነት ስደት ይሓይሽ ካብ ክልተ ሞት            እታ መሬተይ ዝበላ          ብኽብረት ኣብክንዲ ዝነብረላ          ደቁ ኣዕቢዩ ክንዲ ዝስዕመላ          ምንባር ከሊኦሞ በዓል ጉሒላ   ኣብ ገዛእ ሃገረይ … more

ዕሉል መጋበርያ ስርዓት ኢሳይያስ ኮይኑ ደም ንጹሃት ከፍስስ ዝጸንሐ ገበነኛ ተስፋይ ዳኘው ተቐቲሉ።

ከም ምኽትል ሓላፊ ናይታ ብስርዓት ኢሳይያስ ዝቖመት ሸውዓተ ኣባላት ዝርከቡዋ ጉጅለ ዕፈናን ቅትለትን ተመዲቡ መሳርሒ ስርዓት ኢሳይያስ ብምዃን ደም ንጹሃት ከፍስስ ዝጸንሐ ዕሉል መጋበርያ ናይቲ ስርዓት ተስፋይ ዳኘው ብ 1 ለካቲት 2009 ኣብ ኣስመራ ከባቢ መናሃርያ ተቐቲሉ ከምዝተረኽበ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፡ ተስፋይ ዳኘው ምስ ኮሎኔል ጠዓመ … more

ቤት ማእሰርቲ እምባትካላን ዒራዒሮን

እቶም ብጉጅለ 15 (G15) ዝፍለጡ፣ ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን ተደናገጽቲ ናይ ጉጅለ 15 ኢኹም ተባሂሎም ኣብ መስከርም 2001 ዓ/ምን ድሒሩ ኣብ ቀይዲ ዝኣተው፡ ንኽእሰሩ ትእዛዝ ካብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ዝመጸ ክኽውን ከሎ፡ ኣብቲ ፈላማ ሙሉእ ሓላፍነት ናይ ምእሳሮም ዝተዋህቦም ግና፡ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ዳሬክተር ኣብርሃ ካሳን፡ ናይ ውሽጢ ሃገር ጸጥታ ሓላፊ ስምኦን … more

እወ ሎሚ ንዓኻ ጽባሕ ንከማኻ

ሞት ዝበሃል ኩሉ ሓደ እዩ። ናይ ኣማውታ ዓይነት ግን ሓደ ኣይኮነን። ገለን ሓሚሙ ንቡር ሞት ይመውት። ገለውን ድሓን ኣለኹ እንዳበለ ብድንገት ይመውት። ካልኦት’ውን ኣለው፡ ምእንቲ ዝኣመኑሉ ቅዱስ ዕላማ ክቡር ሞት ዝሞቱ። ገለ ድማ ኣለው፡ ፍርድን ፍትሕን ተነፊጎም፡ ብዓመጽን ግፍዕን ዝሞቱ። ሓንቲ ካብዚኣቶም፡ ንናጽነት ኤርትራ ዝተጋደለት፡ ምስ ካልኦት ተጋደልቲ ብጾታ፡ ብደማን … more