“እምባ መዓር ክፈርስ ከሎ፡ ለባም የልቅስ ዓሻንከ ይልሕስ”

ብርሃነ ገ/ንጉስ

እዚኣ ነዊሕ ግዜ ይገብር ካብ ሓደ ሓው ደበሰኣብ ወልዳይ ዝተባህለ ኣብ ሓንቲ ካብዘን ወብሳይታት ዝረኸብኩዋ ዓባይ ምስላ እያ። ካብታ ግዜ እቲኣ ጀሚራ ከኣ ካብ ኣእምሮይ ምንም ኣይጠፍአትን።


እኳድኣ ኣብ መምዓልቱ ብዛዕባ ሃገርና ኮነ ብዛዕባ ህዝብና ዝጸሓፍን ዝንገርን ነዛ ምስላ ዘየረስዕ እኹል ምኽንያታት ይህበኒ። ትርጉም ናይዛ ምስላ ዘይርድኦ ብዙሕ ዘሎ ኣይመስለንን ግንከ ብሓጺሩ ሓደ ዓቢ ንብዙሓት ዝጠቅም ነገር (ወይ መራሒ) ክባላሾ ከሎ እቶም ለባማት ክሓዝኑ ከሎዉ እቶም ዓያሹ ግን ሳዕቤኑ ስለ ዘይርድኦም ይስሕቁ ወይ የላግጹ ማለት እዩ።

ብዛዕባዚኣ ዘዛኻኽራኒ ናይዚ ግዜዚ ገለ ኩነታት ክጠቅስ እደሊ።

1 – ብዛዕባ ኣለና ዝተባህለ ሓደ ሓውና ዝጽሕፎ ዘሎ ታሪኽ ሓዘል ጽሑፋት የታሓሳስበኒ። ኣለና ናይ ብርዒ ስም ይኹን እምበር ዝኣክል ሓበሬታ ዘሎዎ ሰብ ክኽውን ይኽእል እዩ። ኣለና ዝጽሕፎ ዘሎ ክፋል ታሪክ ናይ ኤርትራ እዩ። ኹሉ ሓቂ ኽኸውን ይኽእል።  ወይ ከኣ ኩሉ ወይ ፍርቁ ወይ ገሊኡ ፈጠራ ክኸውን ይኽእል። እቲ ቀንዲ ቁም ነገሩ ንዓይ እዚ ኣይኮነን። እቲ ንዓይ ኣዚዩ ዘገድሰኒ ዘተሓሳስበኒን ዘሕዝነንን እቲ ዛንታና፡ ዛንታ ናይ ሓርነታዊ ቃልስና ምስ ኩለንተናኡ (ምስ ሕማቑ ምስ ጽቡቑ) በቶም ዝፈልጡ፡ በቶም ዝኽእሉ፡ በቶም ዝነበሩ፤ ንሓደ ከተሐጉስ ወይ ነቲ ሓደ ክትጎድእ ዘይኮነስ ብነጻ፡ ምእንቲ ሓቂ ክጸሓፍ ዘይምኽኣሉ እዩ። ንሕና ብበሎው በሎው ንሓለፍ ኣሎና፤ ደቅና ከኣ ብስርዓት ዝተመዝገበ (እንተተኻኢሉ በቲ ዝመልክዎ ቋንቋታት ዝተተርጎመ)  ዛንታ ሃገሮም ከይፈለጡ ክኸዱ እዮም። እዚ የሕዝነኒ።

ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣብ ዛንታ ናይ ዓለም ከም ሕዝቢ ኤርትራ፤  እሞኸኣ ከም መንእሰይ (ኣወዳትን ኣዋልድን) ኤርትራ፡ ንነጻነቱ መስዋእቲ ዝኸፈለ የለን። ከም ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብዝኣመኖም የሕዋቱ ዝተጠልመ የለን። ሓደ ካብቲ ዓቢ ጥልመትን ዘኸተሎ ዘሎ ክሳራን ከኣ ነቲ ዛንትኡ ብውዑዩ፡ በቶም ዝወዓሉሉ በቶም ዝነበሩ፡ ከይጽሓፍ ኮነ ኢልካ ምኽልካሉ እዩ።

ናይ ኣለና ጽሑፋት ከንብብ ከሎኹ ናይታ ኣብቲ ግዜታትን (ምሳና) ነጻ ዝወጸት ደቡብ ኣፍሪቃ ናይታ (Truth and Reconcilliation Commission) ብናይ ሓቅን ዕርቕን ሽማግለታት መዚዛ ካብ ናይ ጽልእን ቅርሕንትን መገዲ ናብ ናይ ምትዕራቕን ናብ ሰላምን መገዲ ዘቕንዔት ሃገር’ውን የዛኻኽረኒ። ሳላ ለባማት መራሕታን ህዝባን ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ነብሳ ታሪኽን፡ ናይ ነብሳ ምዕባለን ኣመዝጋቢት ጥራይ ዘይኮነትስ ናይ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፥ ናይ ኣሽሓት ኤሪትራውያን መንእሰያት ከይተረፉ፡ ኣዕቛቢት ኮይና ኣማዕዲና (ሃረር እንዳበልና) ንርእያ ኣሎና።

2 – እታ ካልኣይቲ ብዛዕባ ናይቶም ዓበይቲ መራሕቲ ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ. ካብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምምላሶም ዝሃብዎ ሰፊሕ መግለጺ ኣልዒሎም ገሊኦም ሰባት ክነቕፉ ገሊኦም ከኣ ክንእዱ ክሰምዕ ወይ ከንብብ ከሎኹ ዝስምዓኒ ሓሳባት ካብ ናይ ካልእ ፍልይ ዝበለ እዩ። ሓቂ እዩ ኣነ ናይ ዝኾነት ናይ ፖለቲካ ማሕበራት ኣባል ኣይኹን እምበር፡ ናይቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ዋዕላን ውጽኢቱን ማለት ነቲ ብዙሓት ዝጽበይዎ ዘሎዉ ጉባኤ ዕዉት ንኽኸውንን ደጋፊ እየ። ይኹን እምበር እዞም መራሕቲ እዚኣቶም ከኣ ንሃገረይ ኤርትራ ንኽመርሑ ንኽእል ኢና ኢሎም ዝንቀሳቐሱ ዘሎዉ ስለ ዝኾኑን፤ ንሳቶም ከኣ ንሃገረይ ከበርክትዎ ዝኽእሉ ብዙሕ ክህሉ ከም ዝክእል ስለ ዝግምትን፤ ዝፈልጡን ዘይፈልጡን ሰባት ንዓታቶም ጥር ኢሎም ከናሽዉዎም ከሎዉ ደስ ኣይብለንን። እዚ ከኣ ፍቕሮምን ተወፋይነቶምን ንኤርትራ (ክሳብ ኣብ ሃገሮም ኣትዮም ዝፍተኑ) ሕጂ ካብ ማንም ሰብ ዝነኣሰ ከም ዘይኮነ ጥርጥር ስለ ዘየብለይ’ውን እዩ። ሕሉፍ ሓሊፈውን ክእለት እንተዝህልወኒ፤ እንተዝኾነለይ፤ ከምቲ ንቡር ሃገርና፡ ግዱሳት ኤሪትራውያን፡ ዓበይትን ሽማግለታትን ሞንጎኛታት ኣኪበ ለሚነ ኣታዓሪቐ ኣብቲ ኮሚሽን ከም ዝሳተፉ ንኽገብር ደስ ምበለኒ። እቲ ዋዕላ ኣዝዩ ዕዉት ንኽኸውን ብኹሉ ወገን እንተዝጸዓር’ሞ ኣብኡ ክሳተፍሉ ዝኽእሉ መገዲ እንተዝርከብ ክንደይ ጽቡቕ ኔሩ። “ላምስ ብኢዳ ዝቐርባስ ብእግራ ትሓክኽ” ከም ዝበሃል፤ እቲ ዝድለ ዕርቂ’ውን ኣብ ክንዲ ብኢትዮጵያውያን ዝፍተን ብኣሕዋቶም ኤርትራውያን እንተዝፍተንን እንተዝኸውንን ብዙሕ ግርማ ምሃለዎ ፍረውን ኣይምተሳእኖን እመስለኒ።

እዚ’ዩ እምበኣር ነቲ ንምንኣድ ነቲንከ ንምንቃፍ ዘይኮነስ፤ እቲ ናይ ኣቦታትና ዕብየትን ሽምግልናን ብምጥፍኡ ወይ ክሎ ሻላ ብምባሉን ብምስትንዓቑን እየ ነታ ምስላ ” እምባ መዓር.ክፈርስ ከሎ ለባም የልቅስ ዓሻንከ ይልሕስ” ዘዘከረኒ።  እቲ ዘገርምን ዘሕዝንን ከኣ እቲ ዝበዝሕ ክዓርቕ ዝግብኦን ዝኽእልን ኤሪትራዊ (ብኣካል ይኹን ብጉጅለ ዘሎ) ነቲ ነገራት ኣቃሊሉ ናይ ቲፎዝያነት ጠባያት ምርኣዩ።  ነቲ ኣብ ናይ ህይወትን ስረትን ክምዘን ዝኽእል ጉዳይ (ዋዕላ) ሃገር ኣብ ክንዲ ሓቢርና ንሃንጾ፤ ኣብ ናይ መን ኣሸነፈ ውድድር ጸወታ ኹዑሶ ኣምሲሉ ክዛረበሉ ከሎ ንለባም የሕዝኖ። ናይ ኤርትራ ጉዳይ እንተኾነ ከኣ ኣሽንኳይዶ ኣብ ደገ ዘሎና ፋሕ ኢልናስ ሓቢርና እኳ እቲ ዕማም ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝኾነ ንምፍትሑ ኩላትና መራሕቲ ተመራሕቲ ዓበይቲን መንእሰያትን ክንዕጠቐሉ ዘሎና ጉዳይ እዩ።

3 – ብወገነይ፡ ኣብ ጽሑፋትና ሓያል ቃል፡ ናይ ምዝንጣል ጠባያት ዝሓዘ፡ ወይ ጸርፊ ዝመልኦ ክሰምዕ ወይ ከንብብ ከሎኹ ደስ ኣይብለንን፤ ኣዝዩ ከኣ የሰክፈኒ። እኣምንየ ብዙሓት በዚ ዓይነት ኣጻሓሕፋ ዘይትሕጎሱ ከምእትህልዉ።  ንሰብ ምዝንጣል ዘይምክብባር ምንእኣስ ባህልና ኣይነበረን፡ ሕጂውን ክህሉ ወይ ክፍጠር የብሉን።  ናይቲ ቅድሚ ፈደርሽን ዝነበረ ግዜ ውሑዳት ቅዳሕ ናይ ጋዜጣታት ኣሎዋኒ’ሞ፤ ኣብ ሞንጎቶም ሽዑ ዝነበሩ ናይ ፖለቲካ ተኻራኸርቲ ወይ ተዋሳእቲ ዝካየድ ዝነበረ ምልውዋጥ ክርክራት ከንብብ ከሎኹ፤ በቲ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ቃላት ክሳብ ክንደይ ውርዙዋትን ስልጡናትን ከም ዝነበሩ ክርኢ ከሎኹ የዅርዓኒ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ቋንቋና ሎሚ ንድሕሪት ከም ሽንቲ ገመል ናብ ቋንቋ ዓዋሉ፡ (ጓሶት )ከምእተለወጠ ባህልና ኣዝዩ ከም ዝዛሕተለ የረድኣኒ።

ኩሉ ኣብ ፖለቲካ ዝዋሳእ ሃገር ንኽጎድእ፡ ንኽምዝምዝ ከም ዘይኮነ ንክንርድኦ እንታዩዘሸግረና? ምሳና ኣብ ፓርትና ዘየሎ ከም ጸላኢና ዝረኣየሉ እንታይ እዩ ምኽንያቱ? ሃገርና እንብላ መሬት ንሕና ጥራይ ዘይኮነስ ካልኦት ደቂ ሃገርውን ከማና እትብጽሖም ዝፈትዉዋ ከም ዘሎዉ ናይ መባእታ ናይ ምርዳእ ናይ ብስለት ሓላፍነትና እዩ። ኣብ ሞንጎ ክልተ ደቂ ሃገር ብናይ ሃገር ምምሕዳር መገዲ ክርክር ዘይምርድዳእ ክህሉ ይኽእል እዩ ንቡር እዩ’ውን፤ ጽልኢ ምንዕዓቕ ምጽራፍ ግን ቦትኡ ኣይኮነን።   በጃካትኩም ኣብ ነንሕሕድና ዘሎና፤ ናይ ፖለቲካ ኮነ ናይ ካልእ ኣዛራርባን ኣማላልሻን ኣካያይዳን ኣብ ንቕጽና ዝተመስረተ ጠባያትን ቋንቋን ዘይኮነስ፤ ኣብ ምክብባርን ብልስልስ ዝበለ ቋንቋን ዝተሰነየ ሃዋህውን ንክኸውን ንለውጦ። ምናዳ እዞም ኣብ ስደት ዘሎና ነንሕድሕድና እንተዘይተኻባቢርና ደቂ ካል ኦት ሃገር እሞ ኩሉ ግዜ ምስነዓቑና እንድዮም።

ኣሕዋት ሓደራ ህዝብናን (መንእሰያትናን) ሃገርናን ህላውነቱን ክብረቱን ምድሪ ኣብ ዝዘበጠሉ ግዜ፡ ገና ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና ንዝመስል ናይ ስልጣንን ሽመትን ህርፋንን ንምርዋይ፤ ዝካየድ ናይ ምንዕዓቕን፡ ጽልእን ቅንእን፤ ሽርሕን ምትንዃልን ውድድር እምባና ንምፍራስ እንተዘይኮይኑ፡ ንውልቅና ኮነ ንህዝብና ፋይዳ ከምዘየብሉ ንረድኣዮ።

በሉ ንኹላትና ኣብ ደገን ኣብ ዓድን ዘሎና ርሑስ ዓመት

ዓመት ናይ ጽቡቕ ለውጢ፡ ናይ ሰላም ይግበረልና።

12/29/2010

 


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>