Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ንጉሳውያን ቤተሰብ ልዑል ፈይሰል ቢን ዓብደላ ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣልስዑድ ኣቦ-መንበር ማሕበር ቀይሕ ወርሒ (ሂላል ኣሕመር) ትማሊ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ንኣምባሳደር ኤርትራ ተቐቢሉ ድሕሪ ምዝርራቡ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ወድዓዊ ኩነታትን ናይ ነዊሕ እዋን ዝናብ ብዘይምዝናቡ ንደቅሰባት ብዝያዳ ግላዊ ጸገም ከምዘምጽእ እዩ ክብል ኣምባሳደር ብሽም ህዝቢ ለመንኡ ድሕሪ ምቕራብ ንልዑል ፈይሰል ንኤርትራ ንክዘውር ከምዝዓደሞ ተፈሊጡ። ”

ኣቀዲመ ነቲ 05፡ ግንቦት 2008 እተካይድዎ ጉባኤ ዓወትን ኣሳልጦን ብዓብይኡ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ፍናንን ተስፋን፡ ንህግደፋውያንን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራን ከኣ ራዕድን ሰለሎን ኣመዝጊቡ ንክወጽእ ሰናይ ትምኒተይ እገልጸልኩም።

asenaእቲ ኣብ መንጎ ተቓውሞን ምትላልን ዘሎ ፍልልይ፡ ናይ ሓቅን ሓሶትን፡ ናይ ፍትሕን ዓመጽን ስለዝኾነ፡ እቲ ምስናይ ሞራላዊ ልዕልና እነንጎድጕዶ መቓልሕ፡ ንሕጂ፡ ንህዝብና ብስራት ንህግደፍ ቓንዛ ክኸውን እዩ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኸኣ ጭቡጥ ዓወት ክወልድ እዩ።

ክክኤምነስቲ እንተርናሽናል(ai) ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዘጋታት ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክቃወምን ስክፍታኡ ክገልጽን ጸኒሑ።

ቀዳም 6 ጥቅምቲ 2007፣ ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይ መንእሰይ ነጋዳይ ኣቶ ፍቕረማርያም ዓንደማርያም ዝተባህለ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተኻይዱ። እዚ ቀብሪ ቅድሚ ሕጂ ምስቲ ናይቲ ህቡብ ድምጻዊ ሓርበኛ የማነ ገብረሚካኤል፣ ከምኡውን ናይ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ብዝመሳሰል ተጌሩ ክበሃል ይከኣል።

እዚ ሰለ ዝኾነ ከኣ እቲ ኣሜርካ ወጢኖሞ ዘለው ውሳኔ ንመንግስቲ ኤርትራ ናብ መወልቲ ግብረ ሽበራ ምስራዕ ንጭኹን ህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት ከምዘይኾነ ኩሉ ክፈልጦ ዘለዎ ሓቂ’ዩ ፡፡ ውልቀ ሰብ ወይ ጉጅለ ወይ ድማ ስርዓት ኣካል ግብረ ሽበራ ክኸውን ይኽእል’ዩ  ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣካል ግብረ ሽበራ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ፡፡

saidስዒደ ካብ ገጹ ፍሽኸታ ዘይፍለዮ ተባዕን ህርኩትን ጋዜጠኛ እዩ ነይሩ።ኩሉ ግዝየ ድማ አብ ጋዚጣ ሓዳስ አድማስ ዘውጹ ጽሑፋተ ብጥንቃቄ አብ ምድላው ለይተን ቀትርን ምስ ጸዓረ እዩ ነይሩ።ኣብ ዝተፈላለይ ኣጋጣሚታተ ስዒደ ከም ነጻን በሕታወያንን ጋዚጠኛታተ መጠነ ሓድነተ ህዝበን ሃገርን ዘትርር እንበር ዘዕኑ ጸሑፋት አብ ጋዜጣ ሓዳስ ኣድማስ ነከይነወጽእ ብትኹረት ክንሰርሕን ሓላፍነት ክንስከምን የሕብረና ነይሩ።

Massawaምጽዋዕ ብዙሕ መከራታት ኢያ ርእያ። እዚ ኣብ ነባሮ ኣማተረ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቶም ውሱናት ህዝቢ ዝወረደ ግፍዒውን ሓደ ካብኡ እንተ ተባህለ ዝተጋነነ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ከም ቀጻልነት ምስቲ ኣብ ውሽጢ ባጽዕ ገማግም ባሕሪ ዝነበሩ ገዛውቲ ካብ እንዳ ደናዳይ ነበር ጀሚርካ ክሳብ ርእሲ ምድሪ ዝተደምሰሰ ዝተታሓሓዘ እዩ።

ብ23 ሰነ ኣብ ገምገም ባሕሪ ህንዲ ደንደን ተባህለት ናይ ኤርትራ መርከብ ጠሊቓ ዝብል ሓበሬታ ኣብ ኣሰና ዳት ኮም ምስ ኣንበብና ብዙሕ ጕሂና። መጀምርታ ሃለዋት ናይቶም ባሕረኛታትና ደሓር ድማ እታ ንብረት ናይ ኤርትራ ከንቱ ምጥፍኣ ተሰሚዑና።

ዮሃና ህዝቢ ኤርትራክቡር ህዝቢ ኤርትራ። ናጽነት ንስኻ ኢኻ ‘ሞ ብነብስኻ ተሓበን ! ርሑስ ኣውድኣመት ይግበረልካ ! ..ዝተቐየረ እንተተቐየረ፡ ርክብካ ምስዞም ጀጋኑ ቀዋሚ እዩ። እምነትካ ኣብኣቶም ጽኑዕ እዩ። ነባሪ ድማ ክኸውን ኣለዎ። ሰብ ጽቡቕ መብጽዓ ስለዝኾኑ ክብሮም ዓቅቦ። መሰረት ክብረትካ እዮም፡ ክዳን ክብረትካ ግን ንስኻ ኢኻ። ንስኻ ተድምቖ፡ ንስኻ ተህስሶ፡ ንስኻ ተሐድሶ።