ፈስቲቫል መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንምድላው ዝግበር ዘሎ ናይ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ሸበድበድ፡ ብሲቪካዊ ማሕበር ኣብ ኖርወይ ተሪር ተቓውሞ የጋጥሞ`ሎ!!

እቲ ብስም መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝፍለጥ ማሕበር ናይ መበል ሻብዓይ ዓመት ጉባኤኡ ንሚያዝያ 2011 ኣብ ኖርወይ ንኽገብር እሻባሸብ ከም ዘሎ፡ ርጉጽ ሓበሬታ ዘለዎም ምንጭታትና ሓቢሮም ከም ዝነበሩ፡ ብዕለት 22.12.11 ኣብ መርበብ ሓበሬታታት፡ ዜና ዘርጊሕና ምንባርና ዝዝከር`ዩ፡፡

እቲ ብስም መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝፍለጥ ማሕበር ዓመታዊ ጉባኤ ናይ 2011 ኣብ ኖርወይ ንኽገብር እውጥን ኣሎ

እቲ ብስም ማሕበር መንእሰያት ዝፍለጥ http://www.ypfdj.com/ ናይ መበል ሻብዓይ ዓመት ጉባኤኡ ንሚያዝያ 2011 ኣብ ኖርወይ ንኽገብር እሻባሸብ ከም ዘሎ፡ ርጉጽ ሓበሬታ ዘለዎም ምንጭታትና ሓቢሮም፡፡

ብፈጻሚት ሽማግለ ሰ.ደ.ህ.ኤ ዝተወስደ ናይ “ኤ.ህ.ም” ምስጓግ ስጉምቲ ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ – ብ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ሰ.ደ.ህ.ኤ

ብፈጻሚት ሽማግለ ሰ.ደ.ህ.ኤ ዝተወስደ ናይ “ኤ.ህ.ም” ምስጓግ ስጉምቲ ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ  መስከረምነት ኣብ ዓንሰባ ኮምን ኣብ  ሓርነት ኦርግን ተዘርጊሑ ኣንቢብና።ትሕዝቶ ውሳኔን ባህሪ ናይቲ ዝወሰኖ ኣካልን ንግንዛበ ኣንባቢ ንገድፎ።

ትያትሮ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣስመራ – ብኣንቶንዮ ተስፋይ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኣፍቶን ብላደት ዝተባህለ ጋዜጣ ልኡኽ ናብ ኣስመራ ኸይዱ፡ እቲ ጋዜጠኛ ካብ ሽወደን ክብገስ እንከሎ ንሰበ ስልጣን መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ክዘራረብ ብፍላይ ምስ ፕረሲደንት ቃል መሕተት ከካይድ ከም ዝዀነ ተፈሊጡ ቆጸራ ተታሒዙ ምስ መሳርሕቱ ተበጊሱ።

ምድስካል ኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ ብኣቶ ወ/ኢየሱስ ዓማርን ጭፍርኡን ዝበደሀ ኣኼባ መሰረታት ሰ-ደ-ህ-ኤ ጨ/ንፈር ዓባይ-ብርጣንያ፣፣

ኣብ ዕለት 29 ነሓሰ 2010 ዓ.ም፣ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ ዝጸንሐ መደብ፣ ኣኼባ መሰረታት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ- ብርጣንያ፣ ብውዕዉዕ መንፈስ ኣብ ግዚኡ ከም ዝተሳላሰለ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ፣፣

ኣንበሳ ናይ ኣፍዓበት ሰራዊት ህ.ግንባር ኢዩ።

ኣብ ኣስማሪኖ.ኮም ይኹን ኣብ ኣሰና.ኮም፡ ብዕለት 31/03/2010 ብብርሃን ሓጎስ ዝተጻሕፈ ተመልኪትናዮ። ጀነራል መስፍን ሓጎስ፡ ቀጺሉ ናይ ኣፍዓበት ኣንበሳ፡ ( The Lion of Afa’Abet)  ተባሂሉ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዝተጋነነ ሓዲሽ ታሪኽ ሰሚዕና ሱቕ ኢልና ክንሓልፎ ኣይከኣልናን። ምኽንያቱ ሕልናና ኣይፈቐዶን ጥራይ ዘይኮነ፡ ስለምንታይ ነዚ ዝተጋነነ ካብ ሓቒ ዝረሓቐ ታሪኽ ክጸሓፍ ተደልዩ፡ ስለምንታይከ … more

ህ.ግ.ደ.ፍን መጋበሪያታቶምን “ኣደናጊሮም ዘፈረሙዎም ዜጋታት “ፌርማና ምለሱልና” ይብሉዎም ኣለዉ (እዋናዊ ሓበሬታ ካብ ሮማ)

ከምቲ ኩሉ ዝርእዮን ዝጸምዖን ዘሎ፡ ኣብዚ ግዜ ህግደፋዉያን ነቲ ኣብ ልዕሊ መራሕቶም ዝተኣወጀ እገዳ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ናይ ሃገር ጉዳይ ኣምሲሎም ንህዝብና ንምድንጋር ዚገብርዎ ዘለዉ ግስጓስ ካብቲ ህዝብና ወሪዱዋ ዘሎ ናይ ጥምየት ሓለንጊ ንላዕሊ ተረኪቡለይ፡ ህዝቢ ንምድንጋር ከምቲ ናይ ኩሉ ጊዜ ፉሹል ፈተነኦም ላዕልን ታሕትን ክብሉ ይረኣኣዩ ኣለዉ።

መተሓሳሰቢ ንኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ. ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ

ብሰንኪ ጻሕታሪ ተግባራት መሪሕነት (ህ.ግ.ደ.ፍ.) ብ23 ታሕሳስ 2009 ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፡ ዝወጸ ውሳኔ ብይን ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ብምዝካር ንኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ. ካናዳ ዝተዋህበ መተሓሳሰቢ ዘሐጉስ ስጉምቲ ብምውሳድኩም ሓጎሰይ ወሰን የብሉን።

መተሓሳሰቢ ንኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ. ካናዳ – by Toronto Action

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ23 ታሕሳስ 2009 ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፡ ስርዓት ህግደፍ ንግዝያዊ መንግስቲ ሶማል ንምውዳቕ ዝንቀሳቐስ፡ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ኣሸባብ፡ ‘የዕጥቕን ይድግፍን ኣሎ’ ብዝብል ክሲ እገዳ መሸጣ ኣጽዋር፡ እገዳ መገሻ ላዕለዎት መራሕቲ ስርዓት ህግደፍን ሰራዊትን፡ ከምኡ ‘ውን ምድስካል ንብረቱን ገንዘቡን ዘጠቓለለ ጽኑዕ እገዳ ጌርሉ።

ናይ ኣፍን ዕርበትን ተዋስኦ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ከተማታት ማንቸስተርን ሊድስን ሸፌልድን

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብሰንኪ ዝኽተሎ ዘይሓላፍነታውን ዓንዳሪን ኣካይድኡ ሃገርና ኤርትራ ብማሕበረሰብ ዓለም ተነፊጋን ተነጺላን ምስላ ኣብ ዓለም ድማ ብሃናጺ ኣበርክቶኣ ዘይኮነስ ብኣዕናውን ተጻባኢን ካብ ዝምሰል ዓመታት ኣቑጺሩ’ሎ።

ህ ጹጽ መጸዋዕታ ኤርትራዊ ዓለም-ለኻዊ ምትእስሳር- ዓማጺ ስርዓት ንምድጋፍ ዝግበር ሰልፊ ኣይትሳተፉ፤

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ርእሲ ስርዓት ኤርትራ ውሕሉል ማዕቀብ ካብ ዝወሰነሉ እዋን ጀሚሩ፡ እቲ ካብ ዓለም ዝተነጸለን ብኡ መጠን ዝተኾነነን መሪሕነት ስርዓት ኤርትራ ከይሓነኸ፡ ባይቶ ጸጥታ ዘይሕጋዊ ብይን ከምዝገበረሉ ከምስል ብናህርን ዲፕሎማሲ ብዝጎደሎን ኣገባብ ይጓየ ኣሎ።

ቀልባዕ-ባዕ ህ.ግ.ደ.ፍ.

ፈቲቫል ህ.ገ.ደ.ፍ. አብ ፍራንክፎርት ከምቲ ህዝቢ ዝጽበዮን ዝደልዮን ኩነታት ልምዓት ሃገር፤ ፖለቲካዊ ምሕደራ ህዝብን፤ ሐዲሽ ኩነታት ክፈልጥ ዝህንጠዮ ዘይኮነስ ሐጺር መሰረተ አልቦ ነገራት አዳልዩ ንጊዜኡ ገንዘብ ዘምጽእ መደብ ጓይላ ወጋሕ ትበል ለይቲ  ዓዲሙ ብዘይ ናይ ዝሐለፈ ስራሐት ጸብጻብ፤ ብዘይ ህልዊ ኩነታት ገለጻ፤ ብዘይ ናይ መጻኢ ጽቡቕ ራእይ መደባት አብ ናይ … more

ዓበድበድ ጻዕረ – ሞት- ህ.ግ.ደ.ፍ. ሰላማዊ ሰልፊ አንጻር ተቃወምቲ ጸዊዓ

ታሪኽ ቆራጽ ፈራዲ ኢዩ፡ ፍርዲ አብ ምፍጻም እዉን ነግ ፈረግ ምባል ባህሪኡ አይኮነን። አብ ግዕዞ ታሪኽ ዝኾነ ፖለቲካዊ ስርዓት ልክዕ ከም ሐደ ህያዉ ፍጡር ይዉለድ፡ይጉብዝ ይአርግ፡ ይመዉት፡ ኢዩ። ካብ ጉቡእ ናይዚ ባህርያዊ ዑደትዚ ዘምልጥ ስርዓት ወይ ፍጡር ከአ የልቦን። እዚ ሐደ ፍጹም ሕጊ ናይ ባህርይ ኢዩ።

ሓዲሽ ሓበረታ ንሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፈርት – ኣንጻር ፈስቲቫል ጉጂለ ህ.ግ.ደ.ፍ

ሓዲሽ ሓበረታ ንሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፈርት ኣንጻር ፈስቲቫል ጉጂለ  ህ.ግ.ደ.ፍ  ኣብ ዝሓለፈ ስሙን ንዕለት 18.07.2009 ዓ.ም ካብ ስዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ከምዝኾነ ተገሊጹ ነይሩ ኮይኑ ግን ኣብዚ ዕለትዝን ሰዓትን ጉጂለ ህ.ግ.ድ.ፍውን ሰላማዊ ሰልፊ ከካይድ ስለ ዝመደበ: ፖሊስ ፍራንክፈርት ክልተ ተጻረርቲ ወገናት ኣብ ሓደ እዋንን ቦታን ክካየድ ሰለዘይከኣል:ናይ … more

ስቱትጋረትን ከባቢኡን ነቲ ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፈ አብ ዓድታት ዝግበር ዘሎ ምፍንቓል ይኹንን፤

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከምቲ ኩሉ አረሜናዊ ተግባራቱ ንህዝቢ ዝነበሮ ባህሉ፤ ልምዱን መነ ባብሮኡን ንምጥፋእን ንምብራስን ኩሉ ወዲ ሃገር ብግርህነቱ ከሎ ንሱ ግን ብመደብ ህዝቢ ዝጠፍአሉን ሃገር ዝባድመሉን ካብ መጀመርያ ዝሐንጸጾ ስዉር መደብ ኢዩ፡፡ እዚ ሕጂ ተታሐሒዙዎ ዘሎ ምፍንቓል ዓድታት’ውን መቐጸልታ ናይቲ በብጊዜኡ አብ ልዕሊ መሬትን ህዝብን ዝተፈጸመ ኢሰብአዊ ተግባራቱ ምዃኑ ንኹሉ … more

ቅልዕቲ ደብዳቤ ናብ ጉጂለ ህ.ግ.ደ.ፍ – ቦስቶን – ብኣካየዲት ቦርድ ማ.ም.ኤ ቦስቶን

ኣብዚ ዝሐለፈ ሳምንታት ዝተፈላለየ ጸለመ ኣንጻር ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን (ማ.ም.ኤ) – ቦስቶን፡ ብህግደፋውያን ክጽሓፍ ቀንዩ። ምኽንያቱ ኸኣ፡ ንዝተፈላለያ ብሄራት ኢትዮጵያ ዝውክላ ማሕበራት፡ ነቲ ኣዳራሽ ማ.ም.ኤ ተኻሬን ክጥቀማሉ ስለዝተፈቕደ።