ዝኽሪ ኤርትራውያን ግዳያት ኣብ ለንደን

ክቡራት ኤርትራውያን ኣሓተይን የሕዋተይን፣ ሎሚ ምዓልቲ ኣብዚ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብዝወረዶም ኣደራዕ ባህጎምን ሕልሞምን ኮሊፎም፣ ካብታ ብዕድመ ንእስነቶም ዓንዲሮም ዘይጸገቡላ ሃገሮም ሃጽ ኢሎም ናብ ደይፈልጥዎ በረኻን ዓድን ንስደት ዝተቓልዑ መሳኪን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣጋጢምዎም ዘሎ ናይ ሞት ሓደጋ ምኽንያት ብምግባር፣ ነዚ ቀጺለ ዘቕርቦ መደረ ከቕርብ ከለኹ ዓሙቕ ሓዘን ይስምዓኒ። … more

ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድን ለንደን ዓዲ እንግሊዝን ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ንውድቀት ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝጽውዕ ውዕዉዕ ዘላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣብያተ ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምኡ ‘ውን ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ፊት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍን ብዓይነቱ፡ ተሳታፍነቱን ናይ ተቓውሞ መንፈሱን ፍሉይ ዝኾነ ንውድቀት ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝጽውዕ ውዕዉዕ ዘላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ። … more

ለንደን ዝርከቡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ኣብ ፊት ኤምባሲ ኤርትራ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንኽመጽእ ዝቃለሱ ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ኣብ ለንደን ፊት ኤምባሲ ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ክወርድ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። … more

ለንደን ዝርከቡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ኣብ ፊት ኤምባሲ ኤርትራ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንኽመጽእ ዝቃለሱ ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ኣብ ለንደን ፊት ኤምባሲ ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ክወርድ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። … more

ሓጺር ጸብጻብ ኣኼባ 6 ኅዳር 2010 (ለንደን) ብዛዕባ፡ “ነባሪ ሰላም ብመትከላት (መገዲ) ሃገራዊ ዋዕላ”

ብዕለት 6 ኅዳር 2010፡ ዶ/ር ክብርኣብ ይሥሓቕ፡ “ነባሪ ሰላም ብመትከላት (መገዲ) ሃገራዊ ዋዕላ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ፡ ትምህርቲ ንሕዝቢ ኣቕሪቡ ነበረ። ኣቶ ጸጋዘኣብ ዮውሓንስ ኣብ ምምሕዳር’ቲ ኣኼባ፡ ከምኡ መምህር ማሕሙድ ኣደም ናብ ቛቓንቛ ዓረብ ብምቱርጋም ተሓባበሩ። … more

ሃገር ንምህናጽ፡ ንሓቀኛ ለውጢ ሓቢርና ንለዓል – ዶ/ር ክብርኣብ ይስሓቕ – ለንደን

መእተዊ፡ ሃገር ኣሎና፡ ኣብ ሃገርና ፖለቲካዊ ምሕደራ’ሎ፡ ክብል ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን፤ እንተሎ ከኣ ክንሰምዖ ድልዋት ኢና። እዚ ስለ ዝሰኣና ግን፡ ንቃለስ ኣሎና፤ እኻድኣ ከም ኣሕዛብ፡ ብሰንኪ’ቲ ርእሱ ዝተዘናበሎ መራሕን፡ ኣሳእኑን ኣእዳውን ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ ዓያሹ መጥፋእቲ ዓደቦኦምን፡ ከም ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ንርከብ። ሓቀኛ ለውጢ ኣብ ኤርትራ፡ ኣማራጺ ዘይብሉ፡ ህጹጽ ጠለብና … more

መንበሪ ገዛ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ ለንደን ብፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ብጽኑዕ ተፈቲሹ።

ኣብ ለንደን ዝርከብ መንበሪ ገዛ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ሚኒስተርን ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ውሽጣዊ ጉዳያትን ኮይኑ ዘገልገለ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ: ለንደን ዝነብር ዘሎ፡ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ረፋድ ክሳብ ወጋሕታ ብፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ብጽኑዕ ከምዝተፈተሸ ተፈሊጡ። … more

ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ- ኣብ ለንደን

ልኡኻት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ለንደን ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ብዕለት 23/05/2010 ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ክፉትን ሰፊሕን ኣኼባ ናይ ህዝቢ ትገብር ስለዘላ፡ ኩሉ ብዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኣምን ግዱስ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ኣብዚ ኣኼባ ‘ዚ ክሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም። … more

ኤርትራዊ ኣትሌት በየነ ዘርኣይ በራኺ ኣብ ሃምበርግ፡ ሳልሳይ ክወጽእ ከሎ፡ ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ናይ ለንደን ማራቶን ሻውዓይ ወጺኡ።

በየነ ዘርኣይ በራኺ ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣትሌት፡ ትማሊ ሰንበት 25 ሚያዝያ ኣብ ሃምበርግ (ጀርመን) ኣብ ዝተኻየደ 16 ሽሕ ተቐዳደምቲ ዝተሳተፉዎ ዓመታዊ ውድድር ጉያ ፡ ሳልሳይ ብምውጻእ ተሸሊሙ። … more

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ከተማ ለንደን ዝርከቡ ኤርትራውያን ደገፍቲ ኣሰና ዘቖሙዋ 10 ዝኣባላታ ጉጅለ፡ ንፈነወ ድምጺ ኣሰና፡ ብጥርኑፍ፡ 10 ፓውንድ ንወርሒ ብቐጻሊ ከተበርክት ከምዝወሰነት ሓቢራ።

እታ ጉጅለ ኣቐዲማ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣበርክቶ ገይራ ነይራ እያ። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን፡ ውሑድ ዓቐን ዘለዎ ገንዘብ ናብ ብዙሓት ሰባት ብምምቕራሕ፡ ወርሓዊ  ኣበርክቶ ብምግባር ንቐጻልነት ድምጺ ኣሰና ከውሕስ ይኽእል እዩ ብዝብል እምነት ነቲ ተበግሶ ከምዝወሰደት ኣረዲኣ። … more

ጽምብል ማርያም ዳዓሪት ኣብ ለንደን

ጽባሕ ቀዳም 30 ሕዳር (3፡00 ድሕሪ ቀትሪ ) ዓመታዊ ጽምብል ማርያም ዳዓሪት ኣብ ለንደን ክብዓል ምዃኑ እናሓበርና ኩሉኹም ኣብቲ ጽምብል ክትሳተፉ ትደልዩ ግዱሳት ኣብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክትመጹ ነዘኻኽረኩም። Sion Manning Catholic Girls’s School, Charles SquareLondonW10 6EL ዝካየደሉ ግዜ 3፡00 ድሕሪ ቀትሪ ብድሓን ምጹ ኣዳላዊት ኮሚተ … more

መሳርሒ ህግደፍ ዝኾነ ሃማድኤ ጨንፈር ኤውሮጳ ኣብ ለንደን ከካይዶ መዲቡዎ ዝነበረ ኣኼባ ተሰሪዙ።

በቲ መሳርሒ ህግደፍ ዝኾነ ሃማደኤ ጨንፈር ኤውሮጳ ተዳሊዩ ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ኣይሪሽ-ሰንተር ንቐዳም 27 መስከረም 2008 ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ኣኼባ እቲ ንውልቀመላኺ ስርዓት ናይ ምግባርን ምግልጋልን እኩይ ዕላምኡ ምስቲ ንምዕንባብ ሰላምን ዲሞክራስን ዘአንግድ መትከላት ኣይሪሽ-ሰንተር ስለዘይቃዶ ነቲ ማእከል ከይጥቀመሉ ፍቓድ ተኸሊኡ። … more

ዶር በረኸት ሃብተስላሰ ኣብ ለንደን ምስ ዝነብሩ ግዱሳት ኤርትራውያን ተራኺቡ ሓዳስ መጽሓፉ ኣላልዩ። ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ‘ውን ተመያይጡ።

ዶር በረኸት ሃብተስላሰ ኣብ ለንደን ምስ ዝነብሩ ግዱሳት ኤርትራውያን ተራኺቡ ኣብዚ ዓመት ‘ዚ ኣብ Red Sea Press ዝተሓትመት The Crown and The Pen ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፉ ኣላልዩ። ብዛዕባ ህሉው ፖለቲካዊ ቅልውላው ሃገርናን ኣፈታትሑኡን ‘ውን ምስቶም ኤርትራውያን ዜጋታት ተዛትዩ። … more