ሓበሬታ ካብ ድምጺ ኣሰና ንተቐማጦ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን

ድምጺ ኣሰና ነቲ ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዓምዲ ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ኩሉ መዳያዊ ኩነታት ሃገርና ንምግምጋም ዝጀመረቶ ሓባራዊ ዘተ ንቐዳም 21 ግንቦት ‘ውን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ከተካይዶ ምዃና ንተቐማጦ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ትሕብር። … more

ንምንታይ ኣብ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ኮንካ ምዕልባጥ

ሰላም ኤርትራውያን ድልየትና ስምርትን ምዕብልትን ኤርትራ ክጋሃድ ይምነ፡ እዚ ዘለናዮ ወርሒ ወርሒ ባዓል ነጻነት ኢዩ፡ ነጻነትና ብቖጺርካን ጸዊኻን ጸብጺብካ ዘይውዳእ ናይ ኣርባዓ ዓመታት ውርደት, ስቓይ, ዓመጽ, ቅትለት, ስደት, ሕስረት ክኸውን ኮሎ፡ በቲ ካልእ ድማ ብሓቦን, ኒሕን, ቆራጽነትን, ሓርበኝነትን, ቃልሲን, መስዋእትን መውጋእትን ኤርትራውያን ነጻነት ተረጋጊጹ፡፡ … more

ኣገዳሲ ሓበሬታ

ስርዓት ህግደፍ ናይ ሎሚ ዘመን  በዓል ናጽነት ኤርትራ፣ ኣብ ትሕቲ “20 ዓመታት ሓበን” ብዝብል ባዶ ጥበራ፤ ኣብ ልዕሊ መቓብር ጀጋኑ ኤርትራውያንን ኣብ ታኼላ ደም ናይዞም ትማሊ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ መንእሰያትን ኮይኑ ብቐዳድ ከበሮ ንምስዕሳዕ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ ግዜ፤ ንሕና ኣፍንጫና ምስ ተሃርመ ደም ዝነባዕና ኤርትራውያን ግን ብዝክረ-ሰማእታትን ጸሎትን ናይ … more

ሓበሬታ ካብ ኣሰና- ንተቐማጦ ኣትላንታን ከባቢኣን

ድምጺ ኣሰና ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ተመክሮ ሃገርና ኣብ ኩሉ መዳያት ንምግምጋም፡ ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ብዝብል ኣርእስቲ ንዝጀመረቶ ፍሉይ መደብ ሓባራዊ ዘተ ብምቕጻል፡ ጽባሕ ቀዳም 14 ግንቦት፡ ኣብ ኣትላንታ፡ ‘ናጽነት ሃይማኖት’ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ክትድህስስ እያ። … more

ሓበሬታ ሰሚናር ሃገራዊ ኮሚሽን ንኹሎም ኤርትራዊያን ነበርቲ ስዊዘርላንድ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ(ሃኮዲለ)፡ ካብ ሃገራዊ ዋዕላ ሽግ ቓልሲ ተቐቢሉ፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንምውዳብ ዝቐራረበሉ ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ኣገዳሲ ምዕራፍ ሒዙ ይርከብ። ክንዮ ምእላይ ስርዓት ዉልቐ-መላኺ፡ ባህጊ ብቕዋም እትምራሕ፡ ብስርዓተ-ሕጊ እትመሓደርን ፍትሒ ዝሰፈናን፡ ኤርትራና ክዉን ንምግባር፡ ኩሉ ደላይ ለዉጢ ዝሸባሸበሉ ሃገራዊ ኮሚሽን፡ እቲ መሰጋገሪ መድረኽ፡ ጥጡሕ መታን ክኸውን፡ ዕማማቱ … more

ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ካናዳ ንዝቕመጡ ኤርትራውያን

ድምጺ ኣሰና፡ ነቲ ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ናጽነት ዝጀመረቶ ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ዘርእስቱ መደብ ሓባራዊ ዘተ ብምቕጻል፡ ንጽባሕ ቐዳም 7 ግንቦት ኣብ ቶሮንቶ (ካናዳ)፡ ንኩነታት መራኸቢ ብዙሓንን ሞያ ጋዜጠኛነትን ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ከምኡ ‘ውን ኩነታት ማሕበረኮማት ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ እንታይ ከምዝመስል ክትድህስስ እያ። … more

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይቶም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ (ኣስመራ) ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ ኤርትርውያን ጸሎት ፍትሓት ድሕሪ ምግባሩ ብህግደፍ ዝተኣስሩ 3 ካብ ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ

ኣብ ናይ 27 ሚያዝያ ዜና ኣሰና ስርዓት ህግደፍ ብ21 ሚያዝያ፡ ማለት ሓሙስ ጽግቦ፡ ኩለን ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቑ ኣስታት 00 ንጹሃት ኤርትራውያን ጸሎተ ፍትሓት ድሕሪ ምግባረን፡ በዚ ዘይተሓጎሰ ስርዓት ህግደፍ፡ ንሰለስተ ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምዝኣሰሩዎም ሓቢርናኩም ኔርና። ኣስማቶም ከኣ … more

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይቶም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ (ኣስመራ) ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ ኤርትርውያን ጸሎት ፍትሓት ድሕሪ ምግባሩ ብህግደፍ ዝተኣስሩ 3 ካብ ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ

ኣብ ናይ 27 ሚያዝያ ዜና ኣሰና ስርዓት ህግደፍ ብ21 ሚያዝያ፡ ማለት ሓሙስ ጽግቦ፡ ኩለን ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቑ ኣስታት 00 ንጹሃት ኤርትራውያን ጸሎተ ፍትሓት ድሕሪ ምግባረን፡ በዚ ዘይተሓጎሰ ስርዓት ህግደፍ፡ ንሰለስተ ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምዝኣሰሩዎም ሓቢርናኩም ኔርና። ኣስማቶም ከኣ … more

ኣገዳሲ ሓበሬታ ንኹልኹም ኤርትራዊያን

ንሕና ኣብ ሽወደን እንርከብ ኤርትራውያን/ሲቪካዊ ማሕበራት, ተቛወምቲ ውድባት, ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ, ውልቀሰባትን መንእሰያትን/ ደለይቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ብሓባር ብምዃን ነቲ መለለዪኡ ጭቆናን ግፍዕን ዝኾነ ባርባራዊ ስርዓት ህግደፍ ንህዝብናን ሃገርናን ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ኣደዳ ሞትን ስደትን ስቅያትን ጌርዎም ዘሎ፡ … more

ሓበሬታ ንተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና ብተክኒካዊ ምኽንያት ድምጺ ኣሰና ምኽፋት እንተኣብዩኩም ወይ ውን ዝሓለፈኩም መደባት ክትሰምዑ ምስ እትደልዩ ኣብዚ ሊንክ ‘ዚ ጠውቑ፡ ኣርካይቭ ኣሰና ወይ BLIPTV ASENA EPISODES ARCHIVE … more

ኣገዳሲ ሓበሬታ ንተቀማጦ ነርወይ

ጽባሕ 19 ሚያዝያ ካብ 2፡00-5፡00 ኣብ ስታቫንገር ተኣኪብና ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቑ ኤርትራውያን ኣብ ርእሲ ምዝካር ብዓቢኡ ብዛዕባ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና  ክንዝቲ ስለዝኾና፡ ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብ ቲ ኣኼባ ክትሳተፉ ንዕድም። … more

ሓበሬታ ንተቐማጦ በርሚንግሃምን ከባቢኣን

ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝሃለቑ 400 ንጹሃት ኤርትራውያን ዝተዳለወ መደብ ንቐዳም 23 ሚያዝያ ኣብ Handworth Park B21 ተዳልዩ ስለዘሎ ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብቲ ቦታ ክትርከቡ ብትሕትና ነዘኻኽር። ዝካየደሉ ሰዓት ካብ ሰዓት 6፡00 -8፡00 ምሸት እዩ። … more

ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ ዕዉት ክኸዉን። – እነሆ ሓበሬታ መገዲ።

እቶም ብማኪና እትመጹ፣ ሀ፡ ካብ  መጨረሻ  ኣውቶባን  “autoban”  ኣብ ክንዲ ናብ ኤርፖርት  ዘዎጽእ  ትወስዱ: ንጀነቭ ላክ “Genève Lac” ዝብል ተከቲልኩም: ኣብ ካልኤይቲ ሴማ-ፎሮ (ናት ትራፊክ መብራህቲ) ን የማን ወጺእኩም  ፓርኪን  “Parking “ ኣብ  ምርካባ ጀምሩ። … more

ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣብ ሊብያ ንእትርከቡ ኤርትራውያን ኣሓትን ኣሕዋትን – ሓድሽ ተወሳኺ ሓበሬታ

ኣሽንባይ ዶ ሕጂ ኣብ ናይ ቅልውላውን ህውከትን እዋን፡ ኣብቲ ንቡር ግዜ ‘ኳ ኣብ ሊብያ ቅሳነት ኣይነበረኩምን። ጸገምኩምን ሻቕሎትኩምን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ሊብያውያን ንጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ከም ዕሱባት ቐዛፊ ጠርጢሮም ዝሃድኑሉ ዘለዉ እዋን ኣብ ክቱር ሓደጋን ጭንቀትን ከምዘለኹም የሻቕለናን ይርድኣናን እዩ። … more

ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣብ ሊብያ ንእትርከቡ ኤርትራውያን ኣሓትን ኣሕዋትን

ኣሽንባይ ዶ ሕጂ ኣብ ናይ ቅልውላውን ህውከትን እዋን፡ ኣብቲ ንቡር ግዜ ‘ኳ ኣብ ሊብያ ቅሳነት ኣይነበረኩምን። ጸገምኩምን ሻቕሎትኩምን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ሊብያውያን ንጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ከም ዕሱባት ቐዛፊ ጠርጢሮም ዝሃድኑሉ ዘለዉ እዋን ኣብ ክቱር ሓደጋን ጭንቀትን ከምዘለኹም የሻቕለናን ይርድኣናን እዩ። … more

ናይ ሰባት ውልቃዊ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ዘይሓላፍነታዊ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት እቲ ንኹሉ ኣንጻር ምልክን ዕብለላን ስቅያትን ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ ዘሰንበደ ተርእዮ ውልቃዊ ሓበሬታ ኣብ ዋዕላ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳተፋ ሽድሽተ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣሕዋትና፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሓርነት ዶት ኦርግ … more