ኣባላት Physicians For Peace ዝኾኑ ዓበይቲ ሓካይም ኣገልግሎቶም ኣቋሪጾም ካብ ኤርትራ ክወጹ ብስርዓት ህግደፍ ተኣዚዞም;

ኣብ ኤርትራ ወለንታዊ ናይ መጥባሕቲ ኣግልትሎት ከካይዱ ዝቐነዩ ኣባላት ናይቲ ኣብ ኣመሪካ (ቨርጂንያ) ዝመደበሩ Physicians For Peace ዝኾኑ ዓበይቲ ሓካይም: ኣገልግሎቶም ኣቋሪጾም ካብ ኤርትራ ክወጹ ብስርዓት ህግደፍ ተኣዚዞም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም ። … more

‘ነጋዶ ሰብ’ ዝኾኑ ኣባላት ራሻይዳ ካብ 81 ኤርትራውያን ሰሰለተ ሽሕ ዶላር ክዘምቱ ከለዉ ንኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ብኻላሽን ቀቲሎም፡ ኣብ ቅድሚ ‘ቶም መማጽእታ ብኻራ ጠባቢሖም ኮላሊታ ከምዝወሰዱዎ ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ምንጭታት ሓቢሮም ።

እንስሳዊ ጠባዮም ሳዕሪሩ ብኤርትራዊ ህይወት ምጽዋት ዝቕጽሉ ዘለዉ ገንዘብ ዝሃይማኖቶም ‘ነጋዶ ሰብ’ ዝኾኑ ኣባላት ራሻይዳ፡ ኣብ ምስሪ ስራሕ ረኺብናልኩም ኣለና፡ ኢሎም ብምትላል ን85 መንእሰያት ካብ ከሰላ ናብ ምስሪ ብምውሳድ፡ ካብቶም 81 ሰሰለተ ሽሕ ዶላር ክዘምቱ ከለዉ፡ ንሓንቲ “ኣብ ወጻኢ ስድራቤት የብለይን፡ ካበይ ከምጻልኩም፡ ክኸፍል ኣይክእልን እየ” ዝበለቶም ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ … more

ቅድድም ብሽግለታ ክሮኖሜተር ንምዕዛብ ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ መስመር ኣስመራ -ማይነፍሒ መነቓቕሒ ወረቓቕቲ ከምዝተዘርግሐ ምንጭታትና ሓቢሮም

ኣብ ቤት ትምህርቲ ማይ ነፍሒ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ቅድድም ብሽግለታ ክሮኖሜተር ንምዕዛብ ኣብ መስመር ማይነፍሒ ብ25 ታሕሳስ 2008 ኣብ ዝተዘርግሑሉ መስመር ንመንእሰያት ዘለዓዕል ጽሑፋት ተዘርጊሑ ከምዝሓደረ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም:: … more