ንፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣሰንዩ ኣብ ዋዕላ ፍራንኮ-ኣፍሪቃ ዋዕላ ክሳተፍ ዝቐነየ ኣባል ቤትጽሕፈት ፕረሲደንት ኣቶ ስምኦን መሓሪ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ።

ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣሰንዩ ኣብቲ ካብ 31 ግንቦት ክሳብ 1 ሰነ 2010 ኣብ ፈረንሳዊት ከተማ Nice ዝተኻየደ መበል 25 ዋዕላ ፈረንሳን-ኣፍሪቃ ዝተሳተፈ ኣባል ቤትጽሕፈት ፕረሲደንት ስምኦን መሓሪ፡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ኤውሮጳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተተ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኩውየት ዝነበረ ማሕሙድ ዑመር ጭሩም ኣብ ካናዳ ዑቕባ ሓቲቱ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኩወየት ዝነበረ ማሕሙድ ዑመር ጭሩም ንስርዓት ህግደፍ ብምርሕራሕ ምስ ስድራቤቱ ኣብ ካናዳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ ከምዘሎ ብቐጥታ ዘዘራረቡዎ ምንጭታት ኣሰና ካብቲ ካናዳ ኣረጋጊጾም።

ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኤርትራ ኣብ ናይጀርያ ዝነበረ ዘርአስላሰ ረድኢ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ።

ኣብ ናይጀርያ ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኤርትራ ኮይኑ ዝዓዪ ዝነበረ ዘርአስላሰ ረድኢ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምቅዋም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2008 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ።