ሙባራክ ከይዱ፡ ዉልቀ-መለኽቲ ተመሳሳሊ ዕጫ ይጽበዮም

ን18 መዓልታት መመላእታ ኣዉያት ህዝቡ ዕሽሽ ብምባል ስልጣኑ ንኸይለቕቕ ሓንጊዱ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ብሓይሊ ብረት ንልቢ ግብጻውያን ሰይሩ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተወጢሑ ዝጸንሐ ፕረዝደንት ግብጺ ነበር ሑስኒ ሙባረክ፡ ዓርቢ 11 ለካቲት 2011 ስልጣኑ ከምዝለቐቐ ብወግዒ ኣፍሊጡ። … more

መታን ኣብ ስልጣን ኣራጢጥካ ክትነብር ተግባራትካ ብሓሶትን ብቓላትን ምኽዋል ሜላ መለኽቲ ኢዩ፡፡

 ህዝቢ ኤርትራ ብሓያል ቃልስን ብመስዋእቲ ብሉጻት ዜጋታቱን መሬታዊ ናጽነቱ ካብ ዘረጋግጽ ዓሰርተ ሾመንተ ዓመታት ኮይኑ እነሆ ድሮ ጽንብሉ በጺሑ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ንርብዒ ዘመን ተቓሪቡ ዘሎ ዓመታት ግን መብጽዓ ሰማእታት ተጠሊሙ መንፈሳዊ ሓርነት ህዝቢ ተረጊጹ ቁጠባ ሃገር ካብ ጊዜ ባዕዳውያን ገዛእቲ እንከለው ንላዕሊ ንሂሉ ህዝብን ሃገርን ኣብ ንምግላጹ ዘስካሕክሕ ኩነታት ወዲቖም … more