መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ጋዳፊን ገጽ ንገጽ

ዝሓለፋ ክልተ ወራዋርሕ ካብ ቱኒዝያን ግብጽን ዝጀመረ ኣድማ ህዝቢ ኣንጻር ኦኣመጽቲ መራሕቲ ብፍላይ ከኣ ምልዕዓል ህዝቢ ሊብያ ኣንጻር ዕሉልን ጽሉልን ውልቀመላኺ ጋዳፊ ንውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሕማም መንጾሮር ኮይኑዎ ከምዘሎ በቲ ንኽልተ ግዜ ንሕክምና ንቐጠር ዝተመላለሶ ከነረጋግጽ ንኽእል። … more

መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ቺካጎ፡ ከም ሰለይቲ ዘዋፈሮም ሃሱሳት ተቓሊዖም።

እቲ ህዝባዊ እምነት ኣጥፊኡ፡ ንስለያዊ መሓውር ከም ኣማራጺ መጻንሒ ስርዓቱ ዝጥቀመሉ ዘሎ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ቺካጎ፡ ሃሱሳዊ ስርሓት ከካይዱሉ ካብ ዘዋፈሮም ሰለይቲ ተቓሊዖም። … more

መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ሕሰም ዝዅንን፡ ዲሞክራሲን ስርዓተ ሕግን ዝጠልብን ዉዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ በርሊን ተኻይዱ።

መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ሕሰም ንምግላጽን፡ ዲሞክራሲን ስርዓተ ሕግን ኣብ ኤርትራ ዝጠልብን ዉዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብ20 ግንቦት ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ተኻይዱ። … more

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብህቡብነት : ሚኒስተር ወልደንኪኤል ገረማርያም ይሻቐል

ናይ ማይን ከባብን ሚኒስተር ነበር፡ ወልደሚካአል ገብረማርያም ኣብ መንጎ ሰራዊትን ፕረሲደንት ኢሳያስን ዝርከብ ምፍሕፋሕ ንምህዳእን፡ ጠለብ ሰራዊት ተቐባልነት ንኽረክብን፡ ምርግጋእ ክሰፍንን፡ ብዘርእዮ ተሓባባርነትን ቆራጽነትን ኣብዚ ጊዘዚ ኣብ ውሽጢ ህዝብን ሰራዊትን ዓቢይ ህቡብነት ስለዘጥረየ ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ በዚ ህቡብነትዚ ከምዝተሻቐለን ሓሓሊፉ ድማ ኣብ ልዕሊ ወልደሚካኤል ዝውርወር ዘለፋ-ሓዘል ዘይእርኑብ ቃላት ከስምዕ … more

ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ታሪኽን ባህልን ኤርትራ ጠቀስ ሰነድ ብምህጋር፡ ዝኾነ ታሪኻዊ መዝገብ ንኸይሕተም ይኽልክል።

ውልቀ መላኺ ኣቶ ኢሳይያ ኣፈወርቂ ካብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ማለት ካብ 1976 ኣትሒዙ ዝተኣከበን ዝተጸንዐን ዝተሰነደን ንታሪኽን ቋንቋን ባህልን መበቆልን ሃይማኖትን ሃብቲ ባሕርን መሬትን ያታዊ-ሕግታትን ዘጠቓለለ፡ ብድምር ክሳብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ገጻት ዝሓዘ ሰፊሕ መዝገብ፡ ዝኾነ ይኹን ቅዳሕ ከይተርፍ ኣጻርዩ፡ ብምሉኡ ነቲ ሰነድ ካብ ቤት ጽሕፈት መጽናዕትን ስነዳን ምርምርን ናብ … more

ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ናይ 88 ዓድታት ህዝቢ ናይ ምፍንቓል መደብ ኣውጺኡ።

ልክዕ ከምቲ ሂትለር ንኣይሁዳውያን ’’ጥጡሕ ቦታ ተዳልዩልኩም ኣሎ’’ ብዝብል ጉልባብ ምልዮናት ህዝቢ እስራኤል ናብ ኮንሰንትረሽን ካምፕ ወሲዱ ዘጥፈኦም፡ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን “ናብ ልሙዕ መሬት ክወስደኩም የ“ ብዝብል ጉልባብ፡ ኣብ 88 ዝተፈላለያ ዓድታት ንዝርከብ ህዝቢ ናብ ጋሽ ባርካ፡ ዲጋ ገርሰት፡ ብሓይሊ ንምግዓዝ መደብ ኣውጺኡ ንምትግባር ይሸባሸብ ከምዘሎ … more

ውሳኔ- ስምረት ኣንጻር ውልቀ መላኺ

ህሉው ኩነታት ሃገርና ብደቂቅ ድሕሪ ምምዛን፡ ኣብ ጀርመን እንርከብ ሃገራውያን: ምትእኽኻብና፡ ጸረ ውልቀ መላኺ ዝዓለመ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምውፋይ ጥራሕ፡ ከምዝኾነ  ኣቐዲምና እናሓበርና ፡ ነዚ ዝስዕብ ውሳኔ ነመሓላልፍ፡፡ … more