ቅልዕቲ መልእኽቲ ንኹሉ ተቐማጢ ዮተቦሪ

ብሓልዮት ማሕበረ-ሰብ ዮተቦሪ ዝፍኖ ረድዮ  ( ደጋፊ ህግደፍ ) አብ ናይ ቀዳም ዕለት 02 ሚያዚያ 2011 ዓ.ም መደቡ፣ ሓደ ፓነል አቕሪቡ ምምባሩ ዝዝከር ኢዩ።   አብቲ  ዝቐረበ ፓነል ዝዝረብ  ዝነበረ  ካብ ሓደ ኣእምሮ ዘለዎ ኤርትራዊ ዘይትጽበዮን   ንክትሰምዖ ዘርምምን እዩ ኔሩ። … more

መልእኽቲ ካብ ህዝቢ ቱኒዝያን ምስርን ናብ ህዝቢ ኤርትራ – ሳራ ሃብተ ( ዓዲ እንግሊዝ)

አብዚ ለንቅነ አብ ከባቢናን ማእከላይ ምብራቕን ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል አብ መንጎ ምልካዊ ስርዓታትን በቶም ንዘመናት ብፖለቲካዊ ጸቒጢ መበገሲኡ ሰብኣዊ መሰሎም ዝተኽልኡ ነጻ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ አብ ገዛእ ሃገሮም ዝተሓርሙ፡ ብልሽውና፡ ስርዓተ ሕጊ አልቦነት፡ ሽቕለት አልቦነት፡ ማእሰርትን መግረፍትን ዘበገሶ ህዝባዊ ባርዕ ንለውጥን ዲሞክራስን ጥምጥም ይካየድ አሎ። ድሮ ድማ ህዝብታት ቱኒዝያን ምስርን … more

ቅልዕቲ መልእኽቲ ናብ ኣቦና ኣቶ ቀለታ ኪዳነ ሃምቦ ሃምቦ ኣይከውንን ገመድ፡ ሕማቕ ኣይከውንን ዘመድ

ዝኸበርኩም ክቡር ወላዲናን ኣቦናን ኣቶ ቀለታ ኪዳነ። ብመጀመርያ ከም ወላዲ መጠን ዕድመን ጥዕናን ረኺብኩም ሰላምን ቅሳነትን ዝመልኦ ናብራ ከተሕልፉ ዘለኒ ልባዊ ሓልዮት ክገልጸልኩም እንከለኹ:  … more

ዓገብ! ኤርትራውያን ንኤርትራውያን ይጨውዩ ኣለዉ። (መልእኽቲ ካብ ግብጺ)

ካብ ሱዳን ናብ ሲናይ (ግብጺ) ብ 2500 ዶላር ተሰማሚዕም ዝተበገሱ ኣሕዋትና፡ ኣብ ሲናይ 2800 ኣኽፊሎሞም። ሲናይ ምስ ኣተዉ ከም እንደገና ካብ ሲናይ ንወስደኩም ኣለና ኢሎም ጠዋውዮም ናብ ካልእ ገዛ ብምውሳድ፡ ኣብ ክልተ ጉጅለ ከፋፊሎም፡ ነቶም ሓደ ጉጅለ ንነፍሲ ወከፎም 7000 ዶላር ኣመሪካ ነቶም ሓደ ጉጅለ ኸኣ 6000 ዶላር ኣመሪካ ኣምጽኡ … more

ስርዓት ህግደፍ ንሰለይቱ መሰጋገርቲ ናብ ወጻኢ ክኸዱ ዝደልዩ ኤርትራውያን ተመሲሎም ክሰርሑ ምስጢራዊ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ ተፈሊጡ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ናብ ወጻኢ ክኸዱ ንዝደልዩ ኤርትራውያን ከምመሰጋገርቲ (Human Traffickers) ተመሲሎም ብምስራሕ ኣሽሓት ዶላራት ድሕሪ ምምልጣጦም ተመሊሶም ከእስሩዎም መምርሒ ዝህብ ምስጢራዊ ተዘዋዋሪ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ እሙናት ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። … more

ቅሉዕ መልእኽቲ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ሳንድየጎ

ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ንሃገሩ ከም ዘፍቅርን ከም ዘኽብርን ምንም ጥርጥር የብሉን።   አብ ስልጣን ዘሎ ህግደፋዊ መላኺ ስርዓት’ውን ነዚ  ስሚዒት’ዚ ስለዝፈልጥ፣ ናይ ህዝብና ስሚዒት መዝሚዙ ብምብላጽ፣ ንጹሃት ዜጋታት ብምግጋይ  ክንደይ ጊዜ  ኢዩ ብሽም ኤርትራን ህዝባን  እከይ ተግባርን፣ ሐደገኛ  ሽርሕን ዘይፈጸመ። … more

መልእኽቲ ንኤርትራውያን ቦስቶንን ከባብን – ሎምስ ይኣክል ንህዝቢ ምድንጋር!

የእምሮና እንተ ዘይደንዚዙ: ሕልናና እንተ ዘይተቐቢሩ፣ ሎሚ ኤርትራ ሕድሪ ስዉኣታ ተጠሊማ፣ ብዕርቃን ግዝኣተ ሕጊ ዝባና ሰምቢሩ፣ ህዝባ ከይዛረብ ኣፉ ተዓቢሱ፣ ከይሰርሕ ተኸልኪሉ፣ ረዲኤት ከይረክብ ተኣጊዱ ብዓጸቦ ዝማስነላ፣ ከም ሓምሊ ቍራዕ ብሽግርን ተስፋ ምቝራጽን ዝበስለላ፣ ደቃ ካብ መኣዲ ትምህርትን ምህናጽ ስድራ ቤትን ተዀሊፎም ኣብ ወፍሪ ወተሃደራዊ ባርነት ተጸሚዶም ዝነብሩላ ዓባይ ቤት … more

ሓድሽ ዓመት ምስ ሓድሽ ዓወት – መልእኽቲ ኣሰና:

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡  ደቅኻ ህይወቶም ከይበቐቑ ስሌኻ ስለዝሓለፉ፡ ልብኻ ኣይተጠራጠረን። ሳላ ደቕኻ ንዝተረፉ ወፋሮ ኸኣ ‘ኩሎም ሓደ’ ኢልካ ኣማኒ ልብኻ መኒንካሎም። ተገሪህካ ‘ምበር ኣይተጋገኻን። ፍንጫሕ ሞት፡ መብጽዓ በጅኡ ሓይልዩ ህይወት ክዘርእ ‘ምበር ህይወት ክምሑ ዘይምጽባይካ ሓጥያት ኣይኮነን። እቲ ሓጥእ ሲ እቲ ገርሂ ልብኻ መታቲሩ ዝበልዐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 12 ዓመታት … more

መልእኽቲ ሓዘን

ብሃንደበታዊ ሞት ተመስገን ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ወዱ ንደራስን ናይ ታሪኽ ተመራማርን ተጋዳላይ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ንኣለምሰገድን ብዓልቲ ቤቱን ኩሎም ቤተሰብን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።   ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ፋሕ ኢልና እንርከብ ተማሃሮ ቤትምህርቲ ሰውራ ነበርን ፈተውትን … more

ቻይና ኣብ ኤርትራ ንዘለዉ ዜጋታታ ናይ ተጠንቀቕ መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ።

ኣብ ኤርትራ ተዋፊረን ኣብ ዘለዋ ልዕሊ 17 ኩባንያታት ቻይና ዝሰርሑ ቻይናውያን ካብ መንግስቶም ንዝመጽኦም ህጹጽ መምርሒ ብቕልጡፍ ንምትግባር ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሑ መንግስቲ ቻይና መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈሎም ምንጭታት ሓቢሮም። … more

ክፉት መልእኽቲ ናብ ድምጺ ኣመሪካ

ዝኸበርኩም  ኣሰናዳእቲ  ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ መደብ ክፍሊ ትግርኛ ንሕና ኣብ ሽቱትጋርትን ከባቢኡን ሃገር ጀርመን እንርከብ ኤሪትራዊያን ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕ በራትን ከምኡውን ውልቀ ተቓወምቲ ኤሪትራውያንን ዝኾናን መደባትኩም ብተገዳስነት መዓልታዊ  ኢና ንከታተሎ ። … more

መልእኽቲ ናብ ሚንስተር ፍትሒ ሕጊ ግደፍ

      ከም ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ስለ መሰልን ፍትሕን፡ንነዊሕ ዓመታት ቁርን ኣ ስሓይታን ተገሪፍኪ፡ጎቦ ደይብኪ፡ጎላጉል ወዲእኪ ንኣህለኽቲ ኩነታት ተቓሊስኪ፡ከም ኩሎም መቓልስትኺ ተዓዊትኪ።እዚ ኩሉ ጻዕርን ከርተት ምባልኪ ከኣ፡ኣብ መንጎ መግዛእትን ነጻነ ትን፡ኣብ መንጎ ድርብ ጭቆናን ፍትሕን ዘሎ ፍልልይ ተረዲእኪ፡ኣድልዎ ሃኒጹዎ ዘነበረ ኣገ ባብ ኣዕኒኺ፡ንዝጎደለ መሰል ክትሕለቒ፡ድግድግታኺ ሸጥ ኣቢልኪ በረኻ ምውጻእኪ ዘይሰሓ ት፡ርእሺ … more

መልእኽቲ ስድሪ- ዜጋታት ንደሞክራሲያዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ

ኣባላት እዛ ማሕበር ንፍትሕን ደሞክራስን ውፉያት ኮይኖም፤ ሞያውያን። ምሁራትን ተቓለስትን ንደሞክራስያዊን ሰብኣውን መሰላት እዮም፣ ብዙሓት ካባና ንነዊሕ እዋን ብሰላማዊ መገዲ ፍትሕን። ደሞክራስያዊ መሰላትን ኣብ ኤርትራ ክሰፍን፤ ሰላማዊ ርክብን ምዕባለን ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ህዝብን ክሰፍን ዝተቓለሱን ዝቃለሱ ዘለውን እዮም፣ ገለ ካባና ድማ። ጌና ኣባላት ህሉዋት ኤርትራውያን በርጌሳውያን ማሕበራት እዮም፣ … more

መልእኽቲ ጽንዓት

ጠበቓ ኣቶ ከሰተ ሃይለ ገብረስላሰ ብንዝወረዶም ጽኑዕ ሕማም ኣብ ሃገር ጀርመን ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቦም ሕክምና ክካየደሎም ድሕሪ ምጽናሕ፡  ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ሓሙስ መዓልቲ ብዕለት 26.02.2009 ዓ.ም.ፈ ብሰላም ዓሪፎም። … more