‘ነጋዶ ሰብ’ ዝኾኑ ኣባላት ራሻይዳ ካብ 81 ኤርትራውያን ሰሰለተ ሽሕ ዶላር ክዘምቱ ከለዉ ንኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ብኻላሽን ቀቲሎም፡ ኣብ ቅድሚ ‘ቶም መማጽእታ ብኻራ ጠባቢሖም ኮላሊታ ከምዝወሰዱዎ ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ምንጭታት ሓቢሮም ።

እንስሳዊ ጠባዮም ሳዕሪሩ ብኤርትራዊ ህይወት ምጽዋት ዝቕጽሉ ዘለዉ ገንዘብ ዝሃይማኖቶም ‘ነጋዶ ሰብ’ ዝኾኑ ኣባላት ራሻይዳ፡ ኣብ ምስሪ ስራሕ ረኺብናልኩም ኣለና፡ ኢሎም ብምትላል ን85 መንእሰያት ካብ ከሰላ ናብ ምስሪ ብምውሳድ፡ ካብቶም 81 ሰሰለተ ሽሕ ዶላር ክዘምቱ ከለዉ፡ ንሓንቲ “ኣብ ወጻኢ ስድራቤት የብለይን፡ ካበይ ከምጻልኩም፡ ክኸፍል ኣይክእልን እየ” ዝበለቶም ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ … more

ስርዓት ህግደፍ ሰለስተ መንእሰያት ካብ ካርሸሊ ዓዲዃላ ብምውጻእ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ረሺኑዎም ክብሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ፡ “ክትሃድሙ ተረኺብኩም” ብዝብል ምኽንያት ኣብ ቤትማእሰርቲ ዓዲዃላ (ካርሸሊ) ኣሲሩዎም ንዝቐነየ ሰለስተ ተማሃሮ/መንእሰያት ካብቲ ቤትማእሰርቲ ናብ ጎልጎል ኣውጺኡ ብኡንብኡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከምዝረሸኖም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓቢሮም። … more