ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ መበል 20 ክፋል መ ደ ም ደ ም ታ – ኣ ለ ና

መደምደምታ ዘይብሉ ጉዳይ የለን’ሞ፣ እዚ መበል 20 ክፋል ጽሑፍ’ዚ መደምደምታ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ክኸውን ኢዩ። ምስ እዋናዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ጉያ ኣብ ዘድልየሉ ዘሎ ወሳኒ ናይ ለውጢ ግዜ፣ ዝቕጽሉ ጽሑፋት ኣለና፦ “ዋዜማ፣ ዘመነ- ቅብጸት ኢሳይያስ!” ብዝብል ኣርእስቲ ክትክኡ ኢዮም።   … more

ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ (መበል 18 ክፋል) ኣለና

“ኣነ ቲፋኖስ፣ ንሱ ድጉል መንካዕ”  በታ እንምነያን እንቃለሰላን ዘለና ኣዝያ ጥዕምቲ ቃል ክፍልም። ሰላም! ክቡራት ተኸታተልቲ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’። ናትና ግብረ-መልሲ ዝጽበ ሰናይ ዘመን ይመጽእ ኣሎ’ሞ ቆጽሊ ሰተሰምሃር ክንንስንስ፣ ክንሕበን ከም ቀደምና ክንተሓዋወስ…ቆፎና ክንመልእ መዓርና ክንብርብርን ለጋዕና ክንሓልብን ቀሪብና ኢና! … more

ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ( መበል 17 ክፋል) ብ ኣለና

ከምቲ ንቡር፣ ብሰላምታ እየ ክጅምር። ሰላም ንክቡራንን ክቡራትን ተኸታተልቲ ጽሑፋት ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’። ብድሕሪ ክፋል 16 ንኣቶ ዓብደላ ኣደም ብዝምልከት፣ ኣብ ቅትለት ስዒድ ሳልሕ ከም ዘይወዓለ ዝጸሓፍኩዎ መአረምታ፤ ብዙሓት ዜጋታት ቅዱስ ርእይቶኦም ጽሒፎሙለይ ኢዮም። እቲ ዘይጋገ እቲ ዘይሰርሕ ሰብ ጥራይ ኢዩ ዝብል ርእይቶ ከኣ ኣሎኒ። … more

ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ መበል 12 ክፋል

ሰላም ክቡራት ተኸታተልቲ፤ ኣለና! ክሳብ እታ ኣብ መቓብር ኢሳይያስ እትቦቅል ተኽሊ ሰላምን ዲሞክራሲን እንርኢ…ክሳብ ምስ ገበነኛታትን ድርብ ገጻት ህግደፍን ኣብ ቅሉዕ መጋባእያ ቤት ፍርዲ እንራኸብን ድማ ክንህሉ ኢና። እቲ ምንታይ ሎሚ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ድርኩኺት ዓወት፤ ኢሳይያስን ቃፍላይ ህግደፍን ከኣ ናብ ኣፈፌት መቓብር ስለዘለዉ። ሎሚ መርድእ ኢሳይያስ ንክንሰምዕ ለይቲን … more

መበል 19 መዓልቲ ናትጽነት ኤርትራ ኣብ ከተማ ከለን ብኽብ ዝበለ ድምቀት ተባዒሉ

ብዕለት 22 ጉንቦት መበል 19 መዓልቲ ናጽነት ሃገርና ኣብ ከተማ ከለን ብኽብ ዝበለ ድምቀት ተባዒሉ። እዛ ፍልይቲ ዕለት ኣብ ኣባላት ማሕበረሰብ ከለንን ከባቢኣን ዘለዋ ፍሉይ ሚዛን  ካብቲ ዘአርእይዎ ናይ ብሃንቀውታ ምጽብባይ፡ ምሽብሻብ ኣብ ምድላዋት፡ ኣብ ገጽ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ዝርኤ ናይ ፍሽኽታን ባህታን ሓጎስን ፡ ዘለዎ ፍቕሪ ኣብዛ ህያው ዕለት … more

መበል 19 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ – ነዘርላንድ

ብምኽንያት መበል 19 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ንምኽባር  ቀዳም ዕለት 12-06-2010 ሐቢርና ንክነምሲ ብኽብሪ ንዕድመኩም/ክን።ንታሪኻውነትን ክብርን መዓልቲ ናጽንት ሃገርና ዘንጸባርቑ ናይ ስነ-ጽሑፍ መደባት ሃገራውን ባህላውን ሙዚቃ ከምኡውን ባህላዊ መግቢ አዳሊና ከምዘለና ንሕብር። … more

ዲስኩር ፕኢኣ ብምኽንያት መበል 19 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ቅመራ፣ ሓሶት ምስዝደጋገም ሓቂ ይኸውን!

ፕረዚደንት ኢሳያስ (ፒኢኣ) ካብ ሜዳ ኣትሒዙ ሓሶት ብምድግጋምን ምድንጋርን  ጥራይ ከይኣክል ብሓሶት ሓደ ምስ ሓደ እንዳናቖተ ስልጣኑ ከምዘጣጠሐ፣ በቲ መንካዕ’ባ የሚን’ባ እንዳተባህሉ ዝጠፍኡ ዝነበሩ ውፉያት ተጋደልቲ ከነረጋግጽ ንኽእል። እንተኾነ መብዛሕተኦም ተጋደልትና ኣይስተውዓልዎን። … more

መበል 19 ዓመት በዓል ነጻነት አብ ስቱትጋርት ብጽቡቕ ከቢሩ

ብተቓወምቲ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን አብ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ዝተዳለወ መበል 19 ዓመት በዓል ነጻነት ብዕለት 22 ግነቦት 2010 ብተቀማጦ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ከምኡውን ካብ ከተማ ፍራንክፎርት፤ ኑርነበርግን ኡሉምን ዝመጽኡ አጋይሽ  ብሓባር ዝተኻፈልዎ ብድምቀት ብዒሉ ውዒሉ፡፡ … more

መግለጺ ብምኽንያት መበል 19 ዓመት ነጻነት ኤርትራ

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢ ሃገርን ኮይኑ ሃገራዊ ነጻነቱ ዘረጋገጸሉ መበል 19 ዓመት ክዝክር ከሎ፡ እቲ ናይ ብዙሓት ዜጋታት ህይወት ዝተኸፍሎ ቃልሲ መደምደምታ ምርካቡ ብሓጐስ ምብዓል ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ ድሕሪ ምእዋጅ ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ሕግን ፍትሕን ስኢኑ፡ … more

መበል 19 ዓመት መዓልቲ ነጻነትና ገጽ ንገጽ ፓልፓታዊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ

ብቀዳምነት ኣሕዋት ኤርትራውያን! ብምኽንያት መበል 19 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ነቶም መስዋእቲ ዝኸፈሉ ስድራ፣ ተጋዲሎም ዝተጋደሉ ብህይወቶም ዘሎው ዝሰንከሉን ዘይሰንከሉን ጀጋኑ ሞጎስ ይኹንኩም እብል። ብምቕጻል ነቲ ተቓሊሱ ዝተቓለሰ ኣጋር ሰራዊቱ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ እንቛዕ ኣብጽሓካ ክብል እፈቱ። … more