ዓለም-ለካዊ ምንቅስቃስ መንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ ጨንፈር በርምንግሃም ብወግዒ ቆይሙ።

ኣብ ዓባይ ቢሪጣንያ ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ሎሚስ ይኣክል ክሳብ ምኣስ ስቅታን ምምዕዳውን ካብ ዝብል ሕቡን ሃገርዊ ወኒ ዝነቀለ ጉዕዞ ንሓዲሽ ሓርነት ተበግሶ ወሲዶም ኣለው። እዚ ኣብ ብዕለት 15 ግንቦት 2011 ብውዕውዕ ሞራልን ፈናንን ተሰንዩ ዝተካየደ  ኣኬባ ልዕል 50 ዝኮነ መንእሰያት ተሳቲፎም። ኣብቲ ዝተካየደ ኣኬባ መንእሰያት ተቀምጣ በርሚንግሃም … more

ኣገዳሲ መጸዋዕታ ንኹልኹም መንእሰያት ተቐማጦ ሽወደን/ስቶክሆልም

ዝኸበርኩም መንእሰያት ኣሓትን እሕዋትን ኣብ እተካይድዎ ዘለኹም ማሕበራውን ውልቃውን ሂወት ዓወትን ኣሳልጦን እናተመነና ነቲ ባሕርያዊ ጉዕዞ ሂወት ዝሃበና ባሕርያዊ ሕጊ ማለት ወዲ ሰብ ተውሊዱ ክዓቢ ክኣርግ ክመውት ተፈጥሮኣዊ ትዕድልትና ከም ምዃኑ ዘካትዕ ኣይመስለናን።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ መንእሰያት ምስ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ፡ መዓታት መንእሰያት ኤርትራ ከብቅዕ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ተኣልዩ ሓዱሽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ከምዘዎ ገሊጾም።

ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ መማህራን፡ ተጋደልቲ ነበርን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝርከቡዎም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብቐዳም 23 ሚያዝያ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም እሱር፡ ኣብ ስደት ከኣ ከም ጅሆ እናተታሕዘ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዋላ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ከይተረፈ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ስቅያትን ግፍዕን ዘሕልፍ ዘሎ … more

ኤርትራውያን ካናዳውያን ጉዳይ ናይቶም 400 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ መንእሰያት ክጻረ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኤርትራውያን ካናዳውያን ተቐማጦ ቶረንቶን ከባቢኣን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ባይቶ ኦንታርዮ ብምስላፍ፡ ጉዳይ ናይቶም ብ22 መጋቢት ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ 400 ኤርትራውያን ክጽናዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ሚላኖ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጽነት ጻማ ቓልሱ ከምዘይረኸበ ገሊጾም

ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ስለናጽነት ዝተወፈዩ ኣቦታትን ኣዴታትን ከምኡ ‘ውን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሃገራዊ ግቡኦም ዝፈጸሙ መንእሰያት ዝርከቡዎም ኣብ ሚላኖ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ስደተኛታ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጽነት ጻማ ቓልሱ ከምዘይረኸበ ምስ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም።

ጸብጻብ ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ግብጺ ካብ ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ነቶም ኣብ ሃገረ ግብጺ ሓደጋ ኣንጸላሊዎም፡ ናብ ኤርትራ ክምለሱ እውን ዝገደደ ከምዝጽበዮም ፈሊጦም ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ዝጠለቡ ዜጋታትና ንምሕጋዝ ኩሉኹም ኤርትራውያን ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ሓገዝ ከምዝገበርኩም ይፍለጥ።

YPFDJ (መንእሰያት አባላት ህግደፍ)

ከምቲ እዚ አረእስቲ ዝሕብሮ እዚ ማሕበር እዚ ንመንእሰያት ኤርትራ  አብትሕቲ አርዑት ህግደፍ ዝጥርንፍ ማሕበር ኢዩ። ንውዳቢኡ ዝምልከት  ብሃማመተኤ( ሃገራዊ ማሕበር ተመሃሮን መንእሰያትን ኤርትራ) አቢሉ ክሓብር ይፍትን፡ ነቲ ማሕበር ከምሽፋን ይጥቀመሉ።

መግለጺ ካብ ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (EYC)

ዝኸበርካ ደላይ ፍትሕን ሰላምን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ከም ዝተኸታተልካዮ ነቶም ኣብ ሃገረ ግብጺ ተዋጢሮም ዓለም ክንዲ ዑንቂ ጸቢባቶም ንዘለው ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ዝተገብረ ገንዘብ ናይ ምውጻእ ዕማም ብዓወት ተዛዚሙ ኢልና ኣበሲርናካ ኔርና።

ፈስቲቫል መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንምድላው ዝግበር ዘሎ ናይ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ሸበድበድ፡ ብሲቪካዊ ማሕበር ኣብ ኖርወይ ተሪር ተቓውሞ የጋጥሞ`ሎ!!

እቲ ብስም መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝፍለጥ ማሕበር ናይ መበል ሻብዓይ ዓመት ጉባኤኡ ንሚያዝያ 2011 ኣብ ኖርወይ ንኽገብር እሻባሸብ ከም ዘሎ፡ ርጉጽ ሓበሬታ ዘለዎም ምንጭታትና ሓቢሮም ከም ዝነበሩ፡ ብዕለት 22.12.11 ኣብ መርበብ ሓበሬታታት፡ ዜና ዘርጊሕና ምንባርና ዝዝከር`ዩ፡፡

ሓላፊ መንእሰያት ህግደፍ ኢትዮጵያዊ ድሕረ-ባይታኡ ተቐሊዑ!

ሓላፊ መንእሰያት ህግደፍ ክኸውን ብህግደፍ ዝተሓርየ፡ ኣብ ኤምባሲ ስዊድን ቤት ጽሕፈት ተዋሂብዎ ዝሰርሕ ዘሎ፡ ወዲ 39 ዕድመ ቴድሮስ ጎይትኦም ዝብሃል፡ ቀንዲ ካብቶም ንብሕታዊ ምቾትን ንመዓርግን ዝቀዳደሙ ፈተውቲ ስልጣን ዎሽላኻት ኩርኩራት ህግደፍ፡ መበቆሉ ኢትዮጵያዊ ከምዝኾነ ተፈዲሑ።

እቲ ብስም መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝፍለጥ ማሕበር ዓመታዊ ጉባኤ ናይ 2011 ኣብ ኖርወይ ንኽገብር እውጥን ኣሎ

እቲ ብስም ማሕበር መንእሰያት ዝፍለጥ http://www.ypfdj.com/ ናይ መበል ሻብዓይ ዓመት ጉባኤኡ ንሚያዝያ 2011 ኣብ ኖርወይ ንኽገብር እሻባሸብ ከም ዘሎ፡ ርጉጽ ሓበሬታ ዘለዎም ምንጭታትና ሓቢሮም፡፡

ደርማሳዊ ኩቡዖ ማሕበር መንእሰያት ንለውጢ(ኦክላንድ)

ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ(ቤይ ኤርያ) ከም ኩሉ ደላይ ለውጢ ኤርትራውን ከም ኩለን ተቓወምቲ ውድባትን ኤርትራ ነቲ ኣብ ሃገርና ሳዕሪሩ ዘሎ ውልቀ ምልክን ስርዓተ ኣልቦነትን ካብ ሱሩ ሚሒኻ ኪኖ ሓጹር ንምድርባይን፡ ኣምሳይኡ ድማ ፍትሕን ደሞክራስን ሰላምን ዝሰፈኖ ስርዓት

መንእሰያት ኤርትራ (ሓንቲ ዓለም ) ብ ኣማኑኤል ሳህለ

መንእሰያት ኤርትራ ኣይተዓደሉን። ጽቡቕ ዕድል ከይጠዓሙሉ ተወዲኡ። ናጽነት ብምርካብ ክርህዎምን ክጥዕሞምን ዝሓሰቡዎ፡ ኣብ ፈቐዶ ናይ ስደተኛታት መዓስከራትን፡ ኣብ ዘይምቹእ ካልእ ቦታታትን ደሴታትን ሃገራትን ኮይኖም ይሳቐዩ ኣለዉ።

ኣውያት መንእሰያት ኤርትራ ካብ ጋህስታት በረኻ ሲናይ። ካልኣይ ክፋል

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፍና ገለ ውሑድ ተረክቦታት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ምድረ ግብጺ ጠቒስና ኔርና። እቲ ጉዳይ ብሰፊሑ ኣቓልቦ ንኽረክብ ብማለት ከኣ ከም ኣገዳሲን ጭቡጥን ሓበሬታ መጠን ጽሟቕ ትሕዝቶኡ  ብቛንቋ እንግሊዝ ተተርጕሙ  ንገለ ካብቶም ብጉዳይ  ህዝቢ ኤርትራ ዝግደሱ ፈተውቲ  ከምዝበጽሕ ተጌሩ።