መንግስቲ ህግደፍ ካህናትን ደናግልን ናብ ሳዋ ክወርዱ ዘመሓላለፎ ሓድሽ ትእዛዝ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስታያን ተነጺጉ!!

22 Mar 2011 !! መንግስቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ልክዕ ከም’ቲ ዕቡድ ዓርኩ ቓዛፊ ብፍርሒ ስለዝወሓጡን ዝረግጹዎን ዝዛረቡዎን ኣይፈልጡን: ወግዓዊ ብዘይኮነ ንህዝቢ ንምድንጋር መዓልታዊ ንርእዮ ዘለና’ዩ፡፡ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ቀጠልያ መብራህቲ ወሊዑሎም ልቢ ዘለዎ ኩሉ ሓኒኹ: ንክብርን መሰል እምነትን ካህናትን ደናግልን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስታያን ዝግህስ ሓድሽ ወተሃደራዊ ትእዛዝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሓላሊፉ። … more

ብብርቱዕ ህዝባዊ ናዕቢ ዝሰምበደ ሑስኒ ሙባረክ፡ መንግስቱ ተበቲኑ ጽባሕ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ምዃኑ ኣዊጁ፡ ህዝቢ ግን ጠለባቱ ንመሰረታዊ ለውጢ ይቕጽል ኣሎ።

ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ግብጺ ሑስኒ ሙባረክ፡ በቲ ንዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ተጓሃሂሩ ሎሚ ዓርቢ 28 ጥሪ ናብ ጥርዙ ዝበጽሐ ህዝባዊ ናዕቢ መንግስቱ ክብትን ተገዲዱ። … more

መንግስቲ እንታይ’ዩ? መራሒ መንግስቲኸ ፍሉይ ሰብ ድዩ?

ብመሰረት ማርክሳዊ ፍልስፍና መንግስቲ ክብሃል ከሎ ሃደ ደርቢ ንኻልእ ደርቢዝምዝምዘሉ ወይ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ዘእትወሉ መሳርሒ’ዩ። እዚ ትርጕም’ዚ ብፍላይ ኣብ ስሳታት ብዅላቶም ገስገስቲ ኢና ዝብሉ ወይ ንዓታቶም ዝስዕቡ መንእሰያትን ከም ቃል ኣምላኽ ዝውሰድ ዝነበረ’ዩ። … more

መንግስቲ ህግደፍ ብስም ሃይማኖት ተዋህዶ፡ኣብ እስራኤል ዘለዉ ስደተኛታት ቀጥታዊ ርክብ ይገብር ኣሎ።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ሞትን ጥይትን ህግደፍ ተሳጊሮም ምድረ በዳ ሳሃራ ሰጊሮም፡ ዝፈትውዎምን ዘፍቅርዎምን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ በረኻ ሲና ንኣሞራ ብሰንኪ ህግደፍ ወፍዮም ኣብ እስራኤል ዕቑባ ዝሓተቱ መንእሰያት ማእለያ የብሎምን። … more

መንግስቲ ሆንግ ኮንግ ነቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘጽንዖ እገዳ ኣብ ስራሕ ዘውዕል ኣዋጅ ኣውጺኡ።

መንግስቲ ሆንግ ኮንግ ነቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘጽንዖ፡ ቀረብን ምስግጋርን ኣጽዋር፡ ምድስካል ኣብ ባንካትታት ዝርከብ ገንዘብ ናይቲ ስርዓትን፡ ምቕያድ ምንቅሳት ሰበስልጣንን ዘጠቓለለ እገዳ ባይቶ ጸጥጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ስራሕ ዘውዕል ኣዋጅ ከምዘውጽአ news.gov.hk ዝተባህለ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ናይታ ሃገር ኣፍሊጡ። … more

ሶማሊላንድ፡ ኣብ ኤርትራ ተዓሊሞም ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩ ዝፈተኑ ኣስታት 300 ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሳጒጌ ትብል።

ኣዛዚ ሰራዊት ሶማሊላንድ ጀነራል ኤልሚ ሮቢለህ ፉሩር፡ ንጋዜጠኛትት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምዕላሞም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማሊላንድ ብምዕራፍ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ንዝፈተኑ ኣስታት 300 ኣባላት ተቓወሚ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣብ ከበባ ብምእታው ከምዝሃደኑዎም ገሊጹ፡ … more

መንግስቲ ከምዘይብልናስ ኣረጋጊጽና ‘ለና፡ ንሕና ኸ ኣለና ዶ?

ደጊም ‘ሲ፡ ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ወይ ስርዓት ከምዘይብልና ኣረጋጊጽና ኣለና። ኣብ ሓንቲ ሃገር ከምዚ ዝኣመሰለ ባዶሽ ናይ ስርዓት ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ብዕቱብ ክምለሽ ዘለዎ ዓቢ ሕቶ ‘ምብኣር፡ “ንሕና ከም ሕብረተሰብን ከም ህዝብን ከ ኣለና ዶ?” ዝብል ‘ዩ። … more

መንግስቲ ከምዘይብልናስ ኣረጋጊጽና ‘ለና፡ ንሕና ኸ ኣለና ዶ?

ደጊም ‘ሲ፡ ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ወይ ስርዓት ከምዘይብልና ኣረጋጊጽና ኣለና። ኣብ ሓንቲ ሃገር ከምዚ ዝኣመሰለ ባዶሽ ናይ ስርዓት ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ብዕቱብ ክምለሽ ዘለዎ ዓቢ ሕቶ ‘ምብኣር፡ “ንሕና ከም ሕብረተሰብን ከም ህዝብን ከ ኣለና ዶ?” ዝብል ‘ዩ። … more

ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ዝቃወሙ ሶማላውያን፡ ከምኡ ‘ውን ኣባላት ቅንጅትን ግንባር ሓርነት ኡጋዴንን ዝርከቡዎም ሰልፈኛታት ኣብ ሰልፊ ጸረ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሰሊፎም ውዒሎም።

ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ዝቃወሙ ሶማላውያን፡ ከምኡ ‘ውን ኣባላት ቅንጅትን ግንባር ሓርነት ኡጋዴንን ዝርከቡዎም ሰልፈኛታት ነቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝበየኖ እገዳ ብምቅዋም ብ22 ለካቲት ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ ተሰሊፎም ውዒሎም። … more

ወይ ጉድ! ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ውዲት ዲዩ ምሕዝነት ምስ ደገፍቲ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ሰልፊ ጀነቫ ክትሳተፉ ምኻንኩም ኣረጋጊጽኩምልና

ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ሰንበት ዕለት 15/02/2010 ኣብ ናይ ኢትዮጵያውያን ፓል-ታልክ ሩም Ethiopian review.com on line ብኤልያስ ክፍለተመሪሑ፡ ተቓወምቲ ኢትዮጵያውያን ደገፍትን ወከልትን መንግስቲ ኤርትራ ከም ዶክተር በርሀ ሃብተጊዮርጊስን ካልኦትን ዝተሳተፍዎ ፓል-ታልክ ልዕሊ 200 ሰባት ሰሚዕዎ። … more

መንግስቲ ሊብያ ዝገፈፎም 150 ዝኾኑ ኤርትራውያን ደሃይ ኣጥፊኦም ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ኣቐድም ኣቢሎም፡ ንኤውሮጳ ኣብ ጉዕዞ እንከለለዉ ጃልብኦም ብምብልሻዋ ብምትሕግጋዝ መንግስቲ ጥልያንን ሊብያን ካብ መዓት ወጺኦም ናብ ሊብያ ዝተመልሱ ዝርከቡዎም 150 ዝኾኑ ኤርትራውያን ብሰበስልጣን ሊብያ ተገፊፎም ምስ ተወስዱ ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። … more

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣመሪካዊ ዜግነት ንዝነበሮም ሸሞንተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍ ኣመሪካዊ ዜግነቶም ከምዝሓኸኾ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ሓቢሮም።

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ቀንዲ ኣገልገልቲ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብምዃን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ስቓይን ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ምግባር፡ ጸረ ረብሓታት ኣመሪካ ብንጥፈት ንዝስርሑ ዘለዉ ኣመሪካዊ ዜግነት ንዝነበሮም ሸሞንተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍ ኣመሪካዊ ዜግነቶም ከምዝሓኸኾ ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎም ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።   … more

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንብረትን ገንዘብን ናይቶም ብሓይሊ ዝሰጎጎም ኤርትራውያን ናብ ዋናታቱ ንምምላስ ዘኽእል መምርሒ ከምዘውጽአ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣፍሊጡ።

እቲ ብቤትምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ከምዝጸደቐ ዝጠቐሶ መምርሒ፡ እቶም ካብታ ሃገር ከምዝወጹ ዝተገብሩ ኤርትራውያን፡ ግላዊ ንብረቶም ንምርካብ፡ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ንምክያድ፡ ኣብ ባንክታት ኢትዮጵያ ዘሎ ገንዘቦም ብምንቅስቓስ ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከምዘለዉ ተቖጺሮም ኣብ ንግድን ወፍርን ንኽነጣጠፉ ዘኽእሎም ምዃኑ የገንዝብ። … more

ኣብ ምጥያስ ዝርከብ ሓድሽ መንግስቲ ሶማልያ፡ ኣጽዋር ናብ ሃገሩ ብምእታዉ ንስርዓት ህግደፍ ከሲሱዎ።

ሚኒስተር ጸጥታ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ዑመር ሓሺ ኣደን ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ኣጽዋር ዝጸዓነት ናይ ኤርትራ ነፋሪት ብላድ-ዶግለ ኣብ ዝብሃል ካብ መቓድሾ 100 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ታሕተዋይ ሸበሌ ኣብ ዝርከብ  መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝዓለበት ብምጥቃስ፡ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሶማል ጣልቃ ብምእታዉ ከምዝኸሰሶ፡ APA ዝተባህለ ናይ ኣፍሪቃ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። … more

ኣርባዕተ ዓበይቲ ጋዜጣታት ሽወደን መንግስቲ ኤርትራ ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ክፈትሖ ጸዊዐን።

ኣርባዕተ ዓበይቲ ጋዜጣታት ሽወደን ብምውህሃድ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ካብ 2001 ኣትሒዙ ኣብ ምስጢራዊ ቤትማእሰርቲ ዳጕኑዎ ዘሎ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ክፈትሖ ብምጽዋዕ ሰፊሕ ጎዘመተ ጀሚረን። … more

ሓደ ኮለኔል፡ 6 ሜጀራትን 2 ካፒተናትን ዝርከቦም ልኡኻት መንግስቲ ኤርትራ ካብ ኢራን ዝተበገሰ ኣጽዋር ናብ ሓማስ ከሰጋግሩ ኸለዉ ብመጥቃዕቲ ኣየር ተቐቲሎም።

ኣብቲ ብዕለት 12 ጥሪ 2009 01፡36 ወጋሕታ ኣብ ጥቓ ዶብ ሱዳንን ግብጽን ዝተኻየደ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ጸይቀ ዕሉል ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ምኽትል ብሪጋደር ጀነራል ጠዓመ ጎይትኦም (መቐለ) ዝኾነ ኮሎኔል ኣፎወርቂ ሞሳዝጊ ዝርከቦም 6 ሜጀራትን 2 ካፒተናትን ከም ዝተቐትሉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። … more

ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ስርዓት ህግደፍ ዝኣሰሮም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣዝዩ ወሲኹ።

እቲ ብጭንቀት ተዋሒጡ፡ ፈታዊኡን ጸላኢኡን ምልላይ ስኢኑ፡ ንዝረኸቦ ብጃምላ ምእሳር ተተሓሒዙዎ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝኣሰሮም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ቁጽሮም ካብቲ ኣብ ዜና ዝጠቐስናዮ ቁጽሪ ከምዝበዝሕ ምንጭታት ሓቢሮም። … more

ስርዓት ህግደፍ ኣባላት ራድዮ ባና ዝርከቡዎም ልዕሊ 30 ሰራሕተኛታት መንግስቲ በልማማ ኣሲሩ።

እቲ ብጭንቀት ተዋሒጡ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣባላት ራድዮ ባና ማለት ፈነወ ትምህርቲ ንዓበይቲ ዝርከቡዎም ልዕሊ 30 ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። … more