ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ ኮለንን ከባቢኣ

ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ  ኮለንን ከባቢኣEritreischer Sozialverein e.V. Köln und Umgebungባህላዊ ምሸት ብምኽንያት ባዓል ናጽነት። ዝኽበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሃገር፡ ብቐዳምነት ኤርትራዊ ሰላምታና

ንዝምልከቶ ኩሉ ኤርትራውን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን

ከም ኩሉ ዝፈልጦ ኣብ ዝሓልፈ ግዜ ብዕለት 23 ታሕሳስ 2009 ብውዱብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ጸጥታ ጉጅለ (UN Security Council) ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራ ናይ እግዳ ውሳኔ ከምዝሓለፈ ርዱእ ኢዩ። እዚ እገዳ እዚ ድማ  ኤርትራ ምስ ናይ ሶማልያ ግብረ-ሽበራ ተንቀሳቐስቲ ትተሓጋገዝ ከምዘላን ከምኡ’ዉን ነቲ ዕላማ ቅዱስ ዕላማ ከምዃኑ ስለትኣምነሉን ኢዩ።