12 ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ግብጺ ክሳቐዩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዲስ-ኣበባ ከምዝኣተዉ ኣብ ዝተዘናበሉ ኤርትራውያን ዝግደስ ኤርትራዊ ማሕበር ሓቢሩ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ እቶም 3 ደቅንስትዮ ዝርከባኦም 12 ኤርትራውያን ካብ 2-17 ኣዋርሕ ኣብ  ቤት-ማእሰርቲ ግብጺ ክሳቐዪ ድሕሪ ምጽናሕ ‘ዮም ብ 3 መስከረም ኣዲስ-ኣበባ ኣትዮም፡፡ እቶም 7 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ከምዝነበሩ ‘ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት። … more

ሕልናዊ መጸዋዕታ ንኹሉ ኤርትራዊ ብጉዳይ ማእሰርቲ ደቂ-ቅንሓየላ – ብ ገብረሚካኤል ኪዳነ (ጻዕደ)

ብቀዳምነት እቲ ምውቕ ዘዀነ ኤርትራዊ ሰላምታይ ተቐበሉ። ስመይ ገብረሚካኤል ኪዳነ (ጻዕደ) ይበሃል። ምቕማጠይ ኣብ ሕቡራታት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ትውልደይን ወይ መበቆለይ ኣብ ቅንሓየላ እትበሃል ዓዲ ኣውራጃ ሰራየ ወረዳ ተኸላ ኣብ ኤርትራ ይኸውን። … more

ዝርዝር አስማት አብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ

ህግደፍ ካብ ዝሰርሖ ኣብያተ-ትምህርቲ ህግደፍ ዝሰርሖ ኣብያተ-ማእሰርቲ ይበዝሕ ክብሃል ከሎ ንገለ የዋሃት ኣጋንኖ ይመስሎም ይኸውን። እዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ዝርዝር መዝገብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ህግደፍ ግን ነዚ ሓቂ እዚ እዩ ዘረጋግጽ። ኣብ ርእሲ እዚኣቶም፡ ኣብ ማእከል ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ብደገ ናይ ወራዙት መንበሪ ኣባይቲ ዝመስሉ፡ ኣብ ውሽጦም ግን እሱራት ህግደፍ  ብምስጢር … more

ኣብ ምስጢራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ክሳቐዩ ካብ ዝጸንሑ ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ኣርባዕተ ከምዝተሰውኡ ብሰነድ ተረጋጊጹ።

ካብቶም ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምጽዋዕ ንስርዓት ህግደፍ ንዝተቓወሙ ኣባላት ጉጅለ 15 ኣብ ብሕታዊ ጋዜጣታት ብምእንጋዶም ብ23 መስከረም 2001 ተኣሲሮም ኣብ ምስጣራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ይሳቐዩ ካብ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ኣርባዕተ ከምዝተሰውኡ ካብ ኤርትራ ብዝተረኽበ ሰነድ ተረጋጊጹ። (ሰነዳት ቀሪቡ ‘ሎ) … more

ኣብ ለንደን ብቕትለት ሮቤል ተወልደ ዝተባህለ ኤርትራዊ ተማሃራይ ዝተኸሰ ገበነኛ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ይጽበዮ ኣሎ።

ዓሚ ሕዳር ኣብ ልዕሊ ሮቤል ተወልደ ዝተባህለ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝምቕማጡ ኤርትራዊ ተማሃራይ ዝተኸሰ ጀርመይን ካሉም ዝተባህለ ገበነኛ፡ ጉዳዩ ኣብ ቤትፍርዲ (Old Bailey) ድሕሪ ምስምዑ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ይጽበዮ ከምዘሎ South London Press. ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሰሉስ ሕታሙ ሓቢሩ። … more

ወይሎና ንሕና እምበር ንሶም ድኣ ቀደም እንዲዮም ካብ ማእሰርቲ ዓለም ወጺኦም።

…ኣቦና ቅድምውን ካብ ዓለም ወጺእኩም፣ ንሰማያዊ ህይወት ዝመነንኩም ብምኻንኩም፣ ወይልኦም ድኣ እቶም ገበርቲ ክፉእ እንበር ንዓኹም ድኣ ሱባኤ ናይቶም ቅዱሳት ኣቦታት ኣቡነ ፍሊጶስ፣ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፣ ኣቡነ ተክለሃይማኖትን ካልኦት ኣቦታት ስለዝኾነ ብጸሎትኩም ነዞም ሰብኣዊ ህላዌና ተደሚሲሱ ዘሎ ደቅኩም ኣይትረስዑና። ….. ካብ ወልደንድራስ … more