ኣኼባ YPFDJ ዝተሳተፉ ሰለስተ ኣባላት ማእከላይ ቤትጽሕፈት ህግደፍን ኢዶም ሂቦም።

ኣብቲ ብመሪሕነት የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ ኣብ ነርወይ ዝተኻየደ ኣኼባ YPFDJ ዝተሳተፉ ሰለስተ ኣባላት ማእከላይ ቤትጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ከምኡ ‘ውን ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያት ኤርትራን  ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ኢዶም ከምዝሃቡ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። … more

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ (ኣስመራ) ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ ኤርትርውያን ጸሎት ፍትሓት ድሕሪ ምግባሩ 3 ካብ ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቱ ብህግደፍ ከምዝተኣስሩ ተሓቢሩ።

ብ21 ሚያዝያ፡ ማለት ሓሙስ ጽግቦ፡ ኩለን ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቑ ኣስታት 400 ንጹሃት ኤርትራውያን ጸሎተ ፍትሓት ድሕሪ ምግባረን፡ በዚ … more

ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣትላንታ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ ኤርትራውያን ናይ ሽምዓ ዝኽሪ ገይሮምሎም

ብሰንበት ዕለት 17, 2011 ነበርቲ ከተማ ኣትላንታን ከባቢኣን ነቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ባሕሪ ሊብያ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ ንምዝካርን ጸሎቶም ንምብጻሕን ተኣኪቦም ኣምስዮም። እቲ መደብ ብግዱሳት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተዳለወ ኮይኑ፣ ክሳብ 300 ዝኸውን ህዝቢ ተሳቲፍዎ። ህዝቢ ዝኽረ ሰማእታት ድሕሪ ምግባሩ፣ ዝተፈላለየ ቃላት ብመራሕቲ ሃይማኖትን ተሳተፍትን ቀሪቡ። ኣብ መደምደምታ … more

ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣትላንታ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ ኤርትራውያን ናይ ሽምዓ ዝኽሪ ገይሮምሎም

ብሰንበት ዕለት 17, 2011 ነበርቲ ከተማ ኣትላንታን ከባቢኣን ነቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ባሕሪ ሊብያ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ ንምዝካርን ጸሎቶም ንምብጻሕን ተኣኪቦም ኣምስዮም። እቲ መደብ ብግዱሳት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተዳለወ ኮይኑ፣ ክሳብ 300 ዝኸውን ህዝቢ ተሳቲፍዎ። ህዝቢ ዝኽረ ሰማእታት ድሕሪ ምግባሩ፣ ዝተፈላለየ ቃላት ብመራሕቲ ሃይማኖትን ተሳተፍትን ቀሪቡ። ኣብ መደምደምታ … more

ኤርትራውያን ካናዳውያን ጉዳይ ናይቶም 400 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ መንእሰያት ክጻረ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኤርትራውያን ካናዳውያን ተቐማጦ ቶረንቶን ከባቢኣን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ባይቶ ኦንታርዮ ብምስላፍ፡ ጉዳይ ናይቶም ብ22 መጋቢት ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ 400 ኤርትራውያን ክጽናዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም። … more

ልዕሊ 350 ዝኾኑ ኣብ ሃገር ሽወደን ዝነብሩ ኤርትራዉያን ንኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሂወቶም ንዝሳኣኑ ኤርትራዉያን ሽምዓ ብምብራህ ዘኪሮሞም ኣምስዮም፡፡

ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ኤርትራዉያን ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ሃገሮም ራሕሪሖም ኣብ መገዲ ስደት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ንዝጠፍኡ 400 ኤርትራዉያን ሎሚ ኣብ ርእሰ ከተማ ሃገረ ሽወደን ናይ ሽምዓ ምዉላዕ ስነ-ስርዓት ብምድላዉ ንግዳያት ዝኽሪ ጌሮምሎም ኣምስዮም፡፡ … more

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ዝጠፍኡ 325 ዝተሰመዖም ሓዘን ንምግላጽ ኤርትራውያን ናይ ሓዘን ስነስርዓት ኣካይዶም።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ዝወረደ ናይ 325 ህልቂት ብሓደ ኮይኖም ክሓዝኑሉን ብቐጥታ ንዝተተንከፉ ቤተሰብ ንምጽንናዕን ብዝገበሩዎ መደብ መሰረት፡ ልዕሊ 5 ሽሕ ህዝቢ ሎሚ ንጉሆ 9 ሚያዝያ ኣብ ቴልኣቪቭ ተኣኪቡ ብጸሎተ ፍትሓት መራሕቲ ሃይማኖት ዝተመርሐ ናይ ሓዘን ስነስርዓት ከምዘካየደ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ፡ እቲ … more

ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን 335 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ሃሊቖም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

(ነዚ እንደገና ብተወሳኺ ሓበሬታ ዝተመሓየሸ ዜና ንምርኣይ ብሰማያዊ ሕብሪ ተጻሒፉ ዘሎ ሕጡበ-ጽሑፋት ተመልከቱ) ነዚ ዘሕዝን ፍጻሜ’ዚ ብዝምልከት ዘዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከነስዕበልኩም ምዃና ከምዝሓበርናኩም፡ ብፍላይ ንቑጽሪ ናይቶም ግዳያት ብዝምልከት ዝረኽብናዮ ዝያዳ ዝተጻረየ ሓድሽ ሓበሬታ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። … more

ቅልዕቲ ደብዳበ ንኣባላት መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ – ብኢሳያስ ኣስፍሃ

ዝኸበርኩም ኣባላት መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ፣- ፈለማ ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታይ ብምቕዳም ኣብ እተሰላስልዎ ሃገራዊ ዕማም ዓወት እምነየልኩም፣፣ ቀጺለ ነዛ ቅልዕቲ ደብዳበ ክጽሕፈልኩም ዘገደደኒ ምኽንያት ከምቲ ኩላትና እንፈልጦ ብመሰረት እቲ ኣብ ምትሕንፋጻዊ ኮንፈረንስ ሰልፍና ዝተኣትወ ውዕል፣ እዚ መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ ሰልፍና ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ብኣቦ-መምበር ሰልፊ ብፓልቶክ ኣኼባ ክግበረሉ ዝብል … more

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ናይ ጥፍኣት ሓደጋ ዝነበሩ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሒኖም ከምዘለዉ ገና ምርግጋጽ ዘድልዮ ኣፈናዊ ሓበሬታ የረድእ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ኣብ ጉዕዞ ዝቐነየት ጃልባ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ኣህጉራዊ መስመር ምስ በጽሐት ነዳዲ ወዲኣ ጠጠው ኢላ ከምዘላ ‘ሞ ኣብ ናይ ጥፍኣት ሓደጋ ከምዝነበሩ ተሳፈርታ ተደጋጋሚ ናይ ረዲኤት ጻውዒት ይገብሩ ከምዘለዉ ብመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ነጊርናሎም ዝነበርና ግዳያት፡ ድሒኖም ከምዘለዉ ትማሊ ምሸት ዝረኸብናዮ ገና ምርግጋጽ ዘድልዮ … more

ኣፈናዊ ዝርዝር ኣስማት ናይ ገለ ክፋል ናይቶም ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ዝሞቱ ኤርትራውያን

 እዚ ዛጊት ረኺብናዮ ዘለና ኣስማትን ትውልዲ ዓድን ናይቶም ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ክብሉ ኣብ መፋርቕ ነሓሰ 2009 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ 75 ኤርትራውያን  ግዳያት ህልቂት ምሉእ ከምዘይኮነ እናኣዘኻኸርና፡ ዝተማለአ ሓበሬታ ዘለኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ክትተሓባበሩና ብትሕትና ንሓትት። … more

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ረዲኤት ሓቲቶም ዝደሓኑ ኤርትራውያን ናብ ሊብያ ተመሊሶም ከምዘለዉ ተረጋጊጹ።

ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን እናተጓዕዙ እንከለዉ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ረዲኤት ሓቲቶም ዝደሓኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ (8 መስከረም 2009) ናብ ሊብያ ተመሊሶም ከምዘለዉ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። … more

እቶም ትማሊ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ረዲኤት ዝሓተቱ 90 ኤርትራውያን ከምዝደሓኑ ተፈሊጡ።

እቶም ትማሊ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ረዲኤት ከምዝሓተቱ ብመንገዲ ኣሰና ዝሓበርናኩም 90 ኤርትራውያን ናይ ህይወት ኣድሕን ጻውዒቶም ኣንታዊ ምላሽ ድሕሪ ምርካቡ፡ እቲ ንምርድኦም ብሓለዋ ባሕሪ ዝተኻየደ ስርሒት ሎሚ 8 መስከረም ድሕሪ ቐትሪ ተዛዚሙ፡ ከምዝደሓኑ ካብ ዓዲ ጥልያን ዝረኸብናዮ ኣፈናዊ ኣፍሊጡ። … more

ርድኡ ! ርድኡ ! 90 ኤርትራውያን ኣሕዋት ኣብዛ ሰዓት እዚኣ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ረዲኤት ይሓቱ ኣለዉ።

90 ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ኣብ ናይ ሞትን ህይወትን ኩነታት ከምዝርከቡ፡ ሓደ ካብኣቶም  ሎሚ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ኣብ ነርወይ ንዝረክቡ ቤተሰቡ ቴሌፎን ብምድዋል ርድኡና ክብል ጸዊዑ ኣሎ።  … more

ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ 80 ኤርትራውያን እቶም 75 ‘ሞይቶም’ ዝብል ከቢድ ስግኣት የንጸላሉ። 5 ካብኣቶም ግን ከምዝደሓኑ ተረጋጊጹ።

ዝተፈላለያ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና እንተላይ ቢቢሲን ድምጺ ኣመሪካን ከምዝተቐሳኦ፡ ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ 80 ኤርትራውያን እቶም 75 ‘ሞይቶም’ ዝብል ከቢድ ስግኣት ከንጸላሉ ኸሎ፡ ሓደ ህጻንን ሓንቲ ሰበይትን ዝርከቦም 5 ካብኣቶም ግን ድሒኖም ኣብ ደቡባዊ ጥልያን ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ክንክን ይርከቡ ኣለዉ። … more