ዜናታት ድምጺ ኣሰና – ረቡዕ 2 መስከረም 2009 – ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ – ቅትለት ስደተኛታት ኣብ ምስሪ – ምጥፋእ ሃለዋት ጋዜጠኛታት

- ፍሉይ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ልዑል ቀዳምነት ሂቡ ዘትዩሉ። – ሓይልታት ጸጥታ ምስሪ ኣብ ዶብ ምስርን እስራኤልን ሓደ መንነቱ ዘይተፈልጠ ተጓዓዛይ ስደተኛ ክቐትሉ ኸለዉ ንሓንቲ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ከቢድ መውጋእቲ ከምዘውረዱላ ሮይተርስ ሓቢሩ። – ሪፖርትተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ብጸላእቲ ነጻ ፕረስ ዝኾኑ መንግስታት ሓያለ … more

ኤርትራውያን ግዳያት ግዱድ ጥርዝያ ምስሪ ኣንታይ ኮኑ?

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሓምለ 2008 ምስ መንግስቲ ምስሪ ተሰማሚዑ በስገዳድ ናብ ኤርትራ ንዝመለሶም 740 ኤርትራውያን “ጽቡቕ ገይረ ተቐቢለዮም፡ ተሓጕሶምስ፡ ኣመስጊኖምኒ ‘ኳ” እናበለ፡ በቲ ናይ ሓሶት መናፍሑ ኣውርዩ ከምዝነበረ ትዝክሮዎ ኢኹም። … more

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን መንግስቲ ምስሪ ዝፈጸሞ በደል ንምቅዋም ሰልፊ ኣካይዶም

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለዩ ከተማታት ኢትዮጵያን ዝርከቡ ኤርትራውያን መንግስቲ ምስሪ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣገዲዱ ናብ ኤርትራ ምምልሱ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ዝርዝር ዜና ብቭድዮ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ። … more

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ምስሪ ብግዴታ ካብ ዝተመልሱ ኤርትራውያን ንገለ ፈልዩ ኣሲሩዎም ከምዘሎ ተፈሊጡ።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ምስሪ ብግዴታ ንዝተመልሱ 740 ኤርትራውያን “ጽቡቕ ገይረ ተቐቢለዮም፡ ተሓጕሶም፡ ኣመስጊኖምኒ” እናበለ፡ የውሪ ‘ኳ እንተሎ፡ ንሓያለ ተጋደልትን ታሕተዎት ሓልፍቲ ሰራዊት ነበርን ንበይኖም ፈልዩ ኣሲሩዎም ከምዘሎ ካብ ኤርትራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ። … more

ኣብ ፊት ኤምባሲ ምስሪ ለንደን ዕዉት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ

ኤርትራውያን ተቐማጦ ለንደን፡ መንግስቲ ምስሪ ምስ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተሓባቢሩ፡ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት በስገዳድ ናብ ኤርትራ ምስጓጉ ብምቅዋም ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ምስሪ ዕዉት ሰላማዊ ስልፊ ኣካይዶም። … more

ዕጡቓት ወተሃደራት ኣብ ገምገም ባሕሪ ኤርትራ 23 ገፈፍቲ ዓሳ ምስሪ ከምዝሓዙ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ፡ ዕጡቓት ወተሃደራት ኤርትራ ጽዕጹዕ ቶኽሲ ብምኽፋት 23 ገፈፍቲ ዓሳ ምስሪ ከምዝሓዙ ሮይተርስ ሎሚ 08 ሰነ ካብ መትረብ ስዌጽ (ምስሪ) ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ። … more

ምስሪ ናብ እስራኤል ክሰግሩ ዝሓዘቶም ኤርትራውያን በስገዳድ ናብ ኤርትራ መሊሳ ተባሂሉ።

ኣብ ምስሪ ዝርከቡ ኤርትራውያን: ምስሪ ናብ እስራኤል ክሰግሩ ዝሓዘቶም 12 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ በስገዳድ ብምምላሳ ቁጠዐኦም ብምግላጽ፡ ኣህጉራውያንን ሃገራውያንን ማሕበራት ተጣበቕቲ መሰላት ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምስሪ ዕቱብ ኣቓልቦ ክገብሩሉ ጸዊዖም። … more