ቃለመጠየቕ ምስ ኣሰናዳእቲ ‘ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ’ ከነካይድ ስለዝኾና ሕቶታትኩም ለኣኹልና

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና ድምጺ ኣሰና ንቐዳም 3 ሚያዝያ ምስ ኣቦ ወንበርን ምኽትል ኣቦወንበርን ኣሰናዳኢት ኮሚተ ናይቲ ን29 ሓምለ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ‘ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ’: ዶር በሽር ይስሓቕ፡ ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮን ቃለመጠየቕ ከተካየድ መዲባ ስለዘላ፡ ነቲ ዋዕላን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያትን ዘለኩም ሕቶታት፡ ብሕጽር ዝበለ፡ ኣብ ነጥብታት ዝተጸምቌ ኣቀራርባ ጽሒፍኩም፡ … more

ኣይገርምንዶ? ዋዛ ምስ ቁም ነገር

ኣብ ሓደ ሃገር ላዕላዋይ ኣዛዚ ወተሃደር ጀነራል ክመጽእ’ዩ ተባሂሉ ገፊሕ ሜዳ ተመሪጹ ኩሎም ወተሃደራት ይእከቡ። ጀነራል ኣብቲ ሜዳ ምስ በጽሐ ኩሎም ኣብ ዘዘለዉዎ ኰይኖም ኣእጋሮም የማን ጸጋም እናረገጹ ከለዉ ጀነራል እናተዛወረ ይምልከት። ኩሉ ወትሃደር ብሓደ የማን ክረግጽ ከሎ ሓደ ወተሃደር ግን ንበይኑ ጸጋም ክረግጽ ይርኢ።

ኣይገርምንዶ? ዋዛ ምስ ቁም ነገር

ኣብ ሓደ ሃገር ላዕላዋይ ኣዛዚ ወተሃደር ጀነራል ክመጽእ’ዩ ተባሂሉ ገፊሕ ሜዳ ተመሪጹ ኩሎም ወተሃደራት ይእከቡ። ጀነራል ኣብቲ ሜዳ ምስ በጽሐ ኩሎም ኣብ ዘዘለዉዎ ኰይኖም ኣእጋሮም የማን ጸጋም እናረገጹ ከለዉ ጀነራል እናተዛወረ ይምልከት። ኩሉ ወትሃደር ብሓደ የማን ክረግጽ ከሎ ሓደ ወተሃደር ግን ንበይኑ ጸጋም ክረግጽ ይርኢ።

ወይ ጉድ! ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ውዲት ዲዩ ምሕዝነት ምስ ደገፍቲ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ሰልፊ ጀነቫ ክትሳተፉ ምኻንኩም ኣረጋጊጽኩምልና

ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ሰንበት ዕለት 15/02/2010 ኣብ ናይ ኢትዮጵያውያን ፓል-ታልክ ሩም Ethiopian review.com on line ብኤልያስ ክፍለተመሪሑ፡ ተቓወምቲ ኢትዮጵያውያን ደገፍትን ወከልትን መንግስቲ ኤርትራ ከም ዶክተር በርሀ ሃብተጊዮርጊስን ካልኦትን ዝተሳተፍዎ ፓል-ታልክ ልዕሊ 200 ሰባት ሰሚዕዎ።

ዘተ ምስ መሪሕነት “መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ (EYC) ሎሚ የካቲት 13

ንልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እንሆ ን-ቀዳም ዕለት 13.02.2010 ዓ.ም.ፈ.፡ ኣባላት ማሕበር „መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ EYC“፡ ካብ San Jose, CL (USA)፡ ኣጋይሽ ናይ (Eritrean room for strong and united opposition) ኮይኖም ከምስዩ፣ „ሌላ ምስ መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ (EYC)“፡ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ፡ ከም ዋና ዛዕባ ኣልዒሎም፡ ምስ ህዝቢ ክዛተዩ ዓዲምናዮም አሎና። እዚ … more

ወይለካ ንብርሰት ሕዝብን ሀገርን ምስ ህግደፍ እትሃልል ዘሎካ፤-

አንታ ብዓል አበር ናይ ህግደፍ ከዳሚ አንቲ ብዓልቲ አበር ናይ ህግደፍ ጠስሚ ደስ ኢሉዎም ዝሓድር ሕዝብና ክደሚ ውርደትን ሕፍረትን ኢዩ ጽባሕ ናታትኩም ገዝሚ። ህግደፍ ተአጊዶም ኢልካ ላዕሊ ታሕቲ ውዲት ድዩስ ሕማቕ ሕማም ዛርቲ ንብርሰት ሕዝብን ሀገርን እትሃሉ ቀትሪ ለይቲ አይትዘንግዕዎ ምዃንኹም ብገበን ተሓተቲ።   ህግደፍ’ዶ አይኾኑን ደመኛታት ሕዝብና ንመንእሰይ ወለዶ … more

ክልተ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ምስ ጨወይቲ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብምትሕብባሮም ተኸሲሶም።

ነጋሲ ሃብታይ ከምኡ ‘ውን ፓታዊ ገብረዝግኣቢሄር ዝተባህሉ ክልተ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ምስ ጨወይቲ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብምትሕብባሮም ተኸሲሶም፡ ኣብ ፍርዲ ከምዝቐረቡ Haaretz ዝተባህለ ጋዜጣ እስራኤል ሓቢሩ።

ክልተ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ምስ ጨወይቲ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብምትሕብባሮም ተኸሲሶም።

ነጋሲ ሃብታይ ከምኡ ‘ውን ፓታዊ ገብረዝግኣቢሄር ዝተባህሉ ክልተ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ምስ ጨወይቲ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብምትሕብባሮም ተኸሲሶም፡ ኣብ ፍርዲ ከምዝቐረቡ Haaretz ዝተባህለ ጋዜጣ እስራኤል ሓቢሩ።

ሓድሽ ዓመት ምስ ሓድሽ ዓወት – መልእኽቲ ኣሰና:

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡  ደቅኻ ህይወቶም ከይበቐቑ ስሌኻ ስለዝሓለፉ፡ ልብኻ ኣይተጠራጠረን። ሳላ ደቕኻ ንዝተረፉ ወፋሮ ኸኣ ‘ኩሎም ሓደ’ ኢልካ ኣማኒ ልብኻ መኒንካሎም። ተገሪህካ ‘ምበር ኣይተጋገኻን። ፍንጫሕ ሞት፡ መብጽዓ በጅኡ ሓይልዩ ህይወት ክዘርእ ‘ምበር ህይወት ክምሑ ዘይምጽባይካ ሓጥያት ኣይኮነን። እቲ ሓጥእ ሲ እቲ ገርሂ ልብኻ መታቲሩ ዝበልዐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 12 ዓመታት … more

መሪሕ ኣብራሃም ዝተባህለት ኣብ ጀርመን ዝምቕማጣ ኤርትራዊት መንእሰይ ምስ ኩሎም ደቃ ብሓደጋ ጋዝ ዓረፋ።

መሪሕ ኣብራሃም ዝተባህለት ኣብ ጀርመን፡ ከተማ ፍራንክፈርት ዝምቕማጣ ኣደ ክልተ ቆልዑ ኤርትራዊት መንእሰይ፡ ኣብ ድሮ ብዓል ልደት 24 ታሕሳስ ኣብ ምድቃሳ ላሕኵ ጋዝ ብዘስዓቦ ምምራዝ ኣየር ሳልሳይ ርእሳ ብሓደጋ ጋዝ ከምዝዓረፈት፡ ምንጭታት ካብ ፍራንክፈርት ሓቢሮም።

ንዘጽንተካ ምድጋፍ የምስልዩ ኣንጻር ህዝብኻ ምስ.ላፍ

                     ህግደፍ መርገም ስንቁ ካብ ደርጊ ዝገደደ                     ንስኹም ምስ ኣተኹም ብዓል ዓንደመንደ                     ብሰንክኹም ወረጃ ህዝቢ ተናዒቑ ተዋረደ                     ጸሙ ኣሕዲርኩሞ ሕጻነ ትማል ዝተወልደ                     ከይተጥቡዎ ጡባ ነጺፉ መስኪነይቲ አደ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ምስ ጉዳይ ሶማልያ ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ንምውሳን ንድፊ ኣዳልዩ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ንጥሩፋት እስላማውያን ተቓወምቲ ሶማል እትህቦ ደገፍ ብምቕጻላ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ሰራዊትን ኤርትራ ናይ ኣጽዋር መሸጣን መገሻን  እገዳ፡  ከምኡ ‘ውን ምድስካል ንብረትን ጸጋታትን ዘጠቓለለ ንድፊ – እገዳ ኣርቂቑ ንውሳኔ ኣዋዲዱዎ ከምዘሎ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣፍሊጡ።

ሑሉፍ ጥልመት ምስ ንዕቀት: ብ ዋጋ ስውኣት ብዋጋ ስንኩላት: ብዋጋ 30 ዓመት ሃላኽ ጻዕሪ ሓፋሽ

ዎ ኩብርህዝቢ ኤርትራ ብሉጻት ደቅካን የሕዋትካን ኣቦታትካን ኣዴታትካን ንራህዋ ፍትሕን  ሰላምን ንሓርነትን ናጽነትን ዝኸፈልናዮ ኩቡር መስዋእትን ስንክልናን ሃልኽ ጻዕርን ንኸተዘንትወሉ ንሰማዒኡ ዘደንጹ ጅግንነት ህዝብና፤ሎሚ በዞም ህዝብና ዘይ መረጾም መሪቁ ቆጽሊ ኣውዲቁ ዘይ ባረከሎም ባዕሎም ብምልኪ ኣብ ስልታን ጥልመት ተወጢሖም ንብሕታዊ ተአቅሞም ክብሉ ንሃገርን ህዝብን ኣብ ሕሰመ መከራ ዘሳጥሑ ጃንዳ ህግደፍ … more

ንዝኽሪ ጀጋኑ ግዳያት ገበናት ጉጅለ ኢሰያስ ነዚ ናይ ሓዘን ሓዘን ናይ ገበናት ገበን ቅትለት ጂ 15 ምስ ሰማዕኩ ብመሪር ሓዚነን ኣስደሚሙንን ይርከብ

ኣቦታትና ክምስሉ ንድሕሪት ጠምት ንቕድሚት ኣምት ይብሉ ማለት ካበይ ተበጊስካ ኣብቲ ጉዕዞ ኸ እንታይ ጽቡቕን ሕማቕን ኣጓኒፉካ ሓሲብካን ገምጋም ጌርካን ናብቲ ዝቕጽል ጉዕዞ ካብቲ ሕሉፍ ዝተፈጸመ ሕማቕ ንኸይድገም ይሕግዘካ ማለት ዩ።

የማነ ገብረመስቀል፡ (ቻርሊ) ንሚኒዝትሪ ንግድን እንዳስትሪን ብግዝያውነት ክመርሕ ብኢሳያስ ተመዚዙ። / ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ስታፎም ክቕየሩ ዘቕረቡዎ ጠለብ ተነጺጉ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝነበረ የማነ ገብረመስቀል፡ (ቻርሊ) ካልእ ሰብ ዝምደብ ንሚኒስትሪ ንግድን እንዳስትሪን ብግዝያውነት ክመርሕ ብኢሳያስ ከምዝተመዘዘ ምንጭታት ሓቢሮም። በዚ መሰረት ድሮ ስርሑ ጀሚሩ ‘ሎ።  

ዕላል ምስ ኣቦይ ሓጎስ – ሳልሳይ ክፋል

    በል ሎሚ ለይቲ ምእንቲ ርእሳ ኢላያ ወጊሓ። ንግሆ እዛ ጓለይ ምስ ተሰኤት፡ ንዒ ብርኽቲ ጓለይ ንወደሞኺ ስልኪ ደውልሉ ኢለ ኣጨንቕ ኣጨንቕ ኣቢለያ። ደሓን ትእቶ ደዊላትለይ። ስማዕ ኢለዮ፡ ካብዛ ዘለኻያ ዓዲ ሽወደን እታ ዓድና ትሓይሽ እንተኮይና፡ ከላእ ከርተት ትበሎ ጥሜት ብጥሜቱ ንዓ ምሳይ ዓድኻ እቶ ኢለዮ። ወዲ ብሰሓቕ ክመውት። ትስሕቀኒ … more

ብህግደፍ ዝተእሰሩ 270 ተቐማጦ ዓዲ ገብራይ ድሕሪ ሓያለ ምክልባት ከምዝተፈትሑ ምስ ኣሰና ቃለመጠየቕ ዘካየደ ተወላዲ ናይታ ዓዲ ሓቢሩ።

ስርዓት ህግደፍ ካብ ዓዲ ገፊፉ ብ13 መካይን ናብ ከባቢ ሽዕብ ብምግዓዝ ኣብ ብርቱዕ ሙቐት ዘለዎ ቦታ ንኽልተ ሰሙን ዝኣሰሮም 270 ተቐማጦ ዓዲ ገብራይ ድሕሪ ሓያለ ምክልባት ከምዝተፈትሑ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ክካታተሎ ዝቐነየ  ኣብ ጀርመን ዝምቕማጡ ተወላዲ ናይታ ዓዲ ምስ ኣሰና ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠየቕ ሓቢሩ።