ዑዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ሮማ

ብተበግሶ መንእሰያት ኤርትራ ንለዉጢ ዝተወደበ ሰለማዊ ሰልፊ ብ 19/02/2010 ኣብ ዓዲ ጥልያን ከተማ ሮማ ተኻይዱ፡፡ ዕላማ ናቲ ሰለማዊ ሰልፊ ነቲ ብዕለት 23/12/2009 ብባይቶ ጸጥታ ዝጸደቐ እገዳ ኣብሊዕሊ መራሕቲ ህግደፍ ዉጺኢት ናይቲ ዝገብሮ ዘሎ ጣልቃ ምእታዉ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ምትሕብባር ምስ ግብረሽበራውዉያን ብኻልእ ሸነኹ ድማ ዘይ ቁዋማዊ ስራዓት ብምኻኑን ዝተወስደ ስጉምቲ … more

ህ.ግ.ደ.ፍን መጋበሪያታቶምን “ኣደናጊሮም ዘፈረሙዎም ዜጋታት “ፌርማና ምለሱልና” ይብሉዎም ኣለዉ (እዋናዊ ሓበሬታ ካብ ሮማ)

ከምቲ ኩሉ ዝርእዮን ዝጸምዖን ዘሎ፡ ኣብዚ ግዜ ህግደፋዉያን ነቲ ኣብ ልዕሊ መራሕቶም ዝተኣወጀ እገዳ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ናይ ሃገር ጉዳይ ኣምሲሎም ንህዝብና ንምድንጋር ዚገብርዎ ዘለዉ ግስጓስ ካብቲ ህዝብና ወሪዱዋ ዘሎ ናይ ጥምየት ሓለንጊ ንላዕሊ ተረኪቡለይ፡ ህዝቢ ንምድንጋር ከምቲ ናይ ኩሉ ጊዜ ፉሹል ፈተነኦም ላዕልን ታሕትን ክብሉ ይረኣኣዩ ኣለዉ።