Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Frankfurtጻማ ፍረቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨውዩ ናብ ጉጅለኣዊ ረብሓታቱ ንዘውዓለ ጉጅለ ህግደፍ ዝኹንን:ፍትሒ ዲሞክራሲን  ሰብኣዊ መሰልን ዝጠልብ  ዉዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ብ28 ለካቲት  ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት ተካዪዱ::

Demoሎሚ ሰንበት 22 ለካቲት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ኣብቲ ብ ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣባላት ሲቪካውያን ማሕበራት፡  ናይ ሚድያ ማዕከናትን ግዱሳት ውልቀሰባትን ብምትሕብባር ዝወደቡዎ ኣብ ከተማ ለንደን ኣፍደገ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኻየደ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ብምስታፍ ምእንቲ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያንን ድሕነት ሃገርና ኤርትራን ድምጾም ኣስሚዖም ።

selfiካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ ዝተኣካኸቡ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ውልቀሰባትን፡ ግዳያት ግፍዕታት ህግደፍ 18 መስከረም ንምዝካርን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ብምቅዋምን ኣብ ብራስለስ (በልጁም) ኣብ ፊት ቀንዲ ቤትጽሕፈት ኢውሮጳዊ ሕብረት ውዕዉዕ ናይ ቃልሲ መንፈስ ዝመልኦ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

መጸዋዕታ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ኩለን ተቓወምቲ ሰልፍታን፣ ውድባትን፤ ሲቪካውያን ማሕበራትን፤ ተጣበቕቲ መሰል-ስብን፣ ውልቀ-ሰብን።

ፍፍ 01ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብኤርትራውያን ተቐማጦ ፍራንክፈርት ጀርመን ናይ ዝተኻየደ ሰላማዊ ስልፊ ስእላዊ ምግለጺ

FF1ዕላማ ናይዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ነቲ ወትሩ ብህግደፍ ዝካየድ ደሞክራሲያውን ሃገራውን ተስፋ ዝንበ ኮነ ኣስተዋጽኦ ዘይውንን፣ ብዘይካ መአከቢ ገንዘብን ዝጎደላ ሳንዱቅ ህግደፍ መምልኣኢ እንተዘይዀይኑ ካልእ ፋይዳ ዘይብሉ ኣበርክቶ ኣልቦ ዝኾነ ፈስቲቫል ህግደፍ ንምቅዋም እዩ።

ሰልፊኣብ ሸፊልድ ዓዲ እንግሊዝ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዝዝፍጽሞ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ግህሰት ሰባኣዊ መሰላት ብምቅዋም ብ5 ሚያዝያ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

swedሐደ ኤርትራዊ ስደተኛ ናብ ኤርትራ ክጥረዝ አብ ነፋሪት ምስተሰቕለ ብናይ ሐይሊ ጎነጽ ተቓውሞኡ ብምርአይ ናይ ነፋሪት ፓይሎት እዚ ሰብዚ አስጋኢ ስለዝኾነ አይብገስን ኢሉ ስለ ዝአበየ ካብ ነፋሪት ክወርድ ድሕሪ ምኽአሉ አብ ትሕቲ ፖሊስ ይርከብ አሎ፡

demኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ሃገራውያንን፡ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምምካትን ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእን ኣብ ሓደ ጽላል ሰሚሮም ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ዕማም ከካይዱ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝኣተዉዎ ስምምዕ መሰረት፡ ትማሊ 8 ታሕሳስ ኣብ ለንደን ኣብ ቅድሚ’ቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝተወደበ ናይ ፕሮፖጋንዳ ኣኼባ ተረኺቦም ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ሕዝብና ካብ ዝሓለፈ ግዝያት ንላዕሊ ንፍትሕን ሕግን ንመሰሉን ንምቅላስ ይለዓል ከምዘሎ ኣብቲ ዝነበረ ብዝሒ ተሳተፍቲ ክዕዘብ ክኢለ፤ ብናተይ ውልቃዊ ትዕዝብትን ግምትን ከኣ ብውሑዱ 500 ዝኸውን ሕዝቢ ኣቢሉ ይኸውን ነይሩ በሃላይ ኢየ።

US

እዚ ኣብ ቐጽሪ ጀፈርሶን መሞሪያል (Jefferson Memorial) ሕምብርቲ ዋና ከተማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኮነት ዋሽንግቶን ዲሲ ዝተገብረ ናይ ሽምዓ ዝክሪ ነቶም ብዕለት 18 መስከረም 2001ን ቅድሚኡ’ን ጀሚሩ  ኣብ ሞቑሕ ብምስፋር ጃንዳ ስርዓት ህግደፍ ብኣሰቓቂ ኩነታት ዝቐተሎምን ዝቐትሎም ዘሎን ኩሎም ኤርትራዊን ንምዝካርን ዝዓለመ እዩ።

እዚ ሎሚ ዕለት 18 .09.2007 ኣብ ለንድን፡ ሮማ፡ ሰቶኮልም፡ ዋሺንግቶን፡ቀኢሉ እውን ኣብ ፍራንክፈርት፡ ዝግበር ዘሎ ሰለማዊ ሰልፍታት እዋናውን ኣንፈት መጻኢት ኤርትራዊት ደሞክራሲን ኢዩ።