ሓበሬታ ሰሚናር ሃገራዊ ኮሚሽን ንኹሎም ኤርትራዊያን ነበርቲ ስዊዘርላንድ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ(ሃኮዲለ)፡ ካብ ሃገራዊ ዋዕላ ሽግ ቓልሲ ተቐቢሉ፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንምውዳብ ዝቐራረበሉ ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ኣገዳሲ ምዕራፍ ሒዙ ይርከብ። ክንዮ ምእላይ ስርዓት ዉልቐ-መላኺ፡ ባህጊ ብቕዋም እትምራሕ፡ ብስርዓተ-ሕጊ እትመሓደርን ፍትሒ ዝሰፈናን፡ ኤርትራና ክዉን ንምግባር፡ ኩሉ ደላይ ለዉጢ ዝሸባሸበሉ ሃገራዊ ኮሚሽን፡ እቲ መሰጋገሪ መድረኽ፡ ጥጡሕ መታን ክኸውን፡ ዕማማቱ … more

ብኣማኻሪ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብርኣብ ኣብ ሽወደን ብዝመደበሮም ደሞክራሲያዉንን ደለይቲ ፍትሕን ርሱን ተቓዉሞ ኣጋጢምዎ፡፡

ንየማነ ገብርኣብ ክሃርምዎ ደልዮም ብምባል እዉን ናብ ኣዳራሽ ኣኼባ ምእታዉ ዝተኸልከሉ ዜጋታት ከም ዘሎዉ ተፈሊጡ።ኣብ ሽወደን ዝምደበሮም ሲቪላዊን ፖለቲካዉን ምንቅስቓሳትን ነጻ ዜጋታትን ብሓባር ኮይኖም ዝወደብዎ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ተባሂሉ ብሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ ዝተኻየደ ስሚናር ስርዓት ህግደፍ ብኣዝዩ ዝተዋሃህደ ኣወዳድባ ዉዕዉዕ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ … more

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦፍ ሳንድያጎ (www.sandiego.edu) ዝተካያደ ሰሚናር መሰል ደቒ ሰባት 3ተ ኤርትራውያን ተሳቲፎሞ።

ብዕለት 7ተ ግንቦት ብሓልዮት ተቛም ሰላምን ፍትሕን ኣካል ዩኒቨርሲቲ ሳንድያጎ (Institute of Peace and Justice in University of San Diego) ዝተዳለወ ሰሚናር ናይ መሰል ደቒ ሰባት ተጣበቕቲ (Human Rights Watch) ሰለስተ ተቓለስቲ ግዱሳት ኤርትራውያን ተሳቲፎም። እቶም ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ክፍለ ዓንደ (ኣባል ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቕስቓስ)፤ ገብረሂወት (ጎነይ) (ኣባል ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰል … more

ሰሚናር ስድሪን (CIDRiE) ሳዕቤናቱን

ዓመተ 2008 ኣብ ምዝዛማ ኣብ ልቢ ኹልና ኤርትራውያን ዓቢ ተስፋ ዘሪኣ እያ ሓሊፋ።  ዓመተ 2009’ውን ኣነስ መዓስ ሓሚቐ ክትብል ነቲ ተስፋ መመሊሳ’ያ ተጓዕፍሮ ዘላ።  ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ከም መንዳዓት ኮይኑ ዘሳቕየና ዝጸንሐን ዘሎን ትፋእ ታሪኽ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ መሓውራቱ ብቕሉዕ ክለምስ ጀሚሩ’ሎ። … more

ኣባላት መሪሕነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ሽወደን ሰሚናር ኣካይዶም።

ኣምባሳደር ነበር ኣቶ ኣድሓኖም ገብረማርያምን ኣቶ በሺር እሽሓቕን ኣብ ሽወደን ክገብርዎ ዝጸንሑ ዲፕሎማስያዊ ርክባቶም ኣብ ምድምዳሙ ገጹ ይኸይድ ኣሎ። ኣቐድም ኣቢሉ ክሳብ ካብቲ ኣብ ሽወደን ዝመጽሉ ዕለት 7/10/2008 ክሳብ ዕለት 12/10/2008 ዝነበረ ውጽኢት ስርሓቶም ምስ ወከልቲ ሰልፍታት ሽወደንን መንግስትን፡ ምስ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ከምኡ’ውን ፍሉይ ርክብ ምስ ወከልትን ኣባላትን … more

ጸብጻብ ሰሚናር ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም፣ ስዊድን፡

ትማሊ ዕለት 26 ጥሪ ብኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ጨንፈር ስዊድን ዝተዓደመ ክፉት ህዝባዊ ሰሚናር ተኻይዱ። ኣካየድቲ ሰሚናር ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኣቶ ሙሴ ኤፍረምን ሰመረ ከሰተን ክኾኑ እንከለዉ፡ እቲ ሰሚናር ቅልውላው ኤርትራን ግደ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ዝብል ኮይኑ፡ ኣብ ሰለስተ ነጥብታት ዘድሃበ እዩ ነይሩ። … more