መሰዋእትን ምሳሌታቱን (ሓንቲ ዓለም) ብ ኣማኑኤል ሳህለ
ብዘይ መስዋእቲ ዝኾነ ዓይነት ምዕባለ የልቦን። ብዙሕ ዓይነት መስዋእትነት ኪህሉ ይኽእል ይኸውን። ናይ ግዜኻ ምስዋእ፡ ናይ ጉልበትካ፡ ናይ ምቾትካ ምስዋእ፡ ናይ ገንዘብ፡ ናይ ዝና፡ ናይ ስልጣን ወዘተ.። ኣብዛ ዩኒቨርስ ናጻ ድራር ዚብሃል ነገር የልቦን። ማለት፡ ኩሉ ከፊልካ ኢዩ ዚርከብ። … more
ብዘይ መስዋእቲ ዝኾነ ዓይነት ምዕባለ የልቦን። ብዙሕ ዓይነት መስዋእትነት ኪህሉ ይኽእል ይኸውን። ናይ ግዜኻ ምስዋእ፡ ናይ ጉልበትካ፡ ናይ ምቾትካ ምስዋእ፡ ናይ ገንዘብ፡ ናይ ዝና፡ ናይ ስልጣን ወዘተ.። ኣብዛ ዩኒቨርስ ናጻ ድራር ዚብሃል ነገር የልቦን። ማለት፡ ኩሉ ከፊልካ ኢዩ ዚርከብ። … more
ሓድሓደ ግዜ ካብ ሳልሳይ ዓለም ናብተን ዝሰልጠና ምዕራባውያን ሃገራት ክትስደድ ከሎኻ፡ ከምዚ ካብ ዓለም ናብ ማርስ ወይ ጁፒተር እትገይሽ ዘሎኻ ኮይኑ ኢዩ ዚስመዓካ፡ ከመይሲ እቲ ኣብተን ምዕራባውያን ሃገራት ማዕቢሉ ዘሎ ንመሰላት ወድሰብ ዚምልከት ኣምራት ወይ መትከላት፡ ኣዚዩ ዘገርምን ዘደንጹን ብምዃኑ። … more
ስለምንታይ ኢዩ ህዝቢ ብልቡን ብእግሩን ዝሽፍት? ፍትሒ ስለ ዝሰኣነ። ኣቦታትና ቀደም ካብ ሓደ ዓዲ ናብ ካልእ ይሰግሩሞ፡ ኣብ ጕዕዞኦም ገለ ሰባት ይረኽቡዎም፡ ከመይ ሓዲግኩምዎ ዓዲ ብምባል ድማ ይሓቱዎም። … more
እንታይ ዓይነት መንግስቲ ኢዩ ኣብ ህዝቢ ፈጺሙ ሓልዮት ዘይብሉ፡ ብዛዕባ ስልጣኑ እምበር ብዛዕባ ዕድል ህዝቢ ኸኣ ፋዕራ ዘይብሉ? ስልጣኑ ንምቕጻልከ እንታይ ሜላታት ይጥቀም? … more
ንዓለምን ንኸባቢኡን ኪልውጥ ዚኽእል ሓይሊ፡ እቲ ካብ ኣእምሮ መንእሰይ ዚምንጩ ናይ ለውጢ ድራኸ ኢዩ። እዚ ኣከታቲለ ዝጽሕፎ ዘለኹ ድማ፡ ናብኡ ዝዓለመ ኢዩ። … more
ንኣይ ካብ ኩሉ ነገራት ዝገርመኒ እንተሎ፡ ኣብተን መስረትቲ ደሞክራሲ ሃገራት ኵድም ኢልካ፡ መሰለይ ተገፊፈ እናበልካ ናብ ቤትፍርዲ እናኸሰስካ፡ ከምዚ ተበዲለ፡ ዝያዳ ኣኽፊልኩምኒ፡ ብዓሌታዊ መገዲ ስለ ዘዳለኹምኒ ከሓሱኒ፡ ኣደይ ኣምጽኡለይ፡ ሰበይተይ ጸውዑለይ: ደቀይ ኣክቡለይ፡ ወዘተ. ብምባል ነቲ መንግስቲ ላሕ እናበልካ፡ … more
ፈጣሪ ንወድሰብ ካብ ዝሃቦ ህያባት እቲ ዝዓበየ ኣእምሮኡ ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ ኪኸውን ይግባእ። ሓደ ናይ ኣእምሮ ስንክልና ዘለዎ ሰብ ኣብ ሓደ ነገር ኪኣምን ወይ ተንቲኑ ኣብ መደምደምታ ኪበጽሕ ይኽእልዶ? ኣይክእልን። … more
እዛ ዓለም ከም ቁሸት ጌርና እንተ ደኣ ርኢናያ፡ እቲ ኣብኣ ዚነበር ህዝቢ ዳርጋ ኣብ ካንሸሎ ይነብር ከም ዘሎ ጌርካ ምርኣዩ ዘሸግር ኣይኮነን። … more
ሽሕኳ ሃይማኖት ንባዕሉ ምኽንያት ውግእ ኪኸውን ዘይክእል እንተኾነ፡ ንሓያሎ ኣጀንዳታት ግን ከም ሽፋን ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ ኢዩ። ሓደ ህዝቢ ወይ ጉጅለ ገለ ማሕበራዊ ጸገም ምስ ዘጋጥሞ ወይ ፍትሒ ምስ ዚጐድሎ፡ ነቲ ዘይፍትሓውነት ንኺዋግኦ ሓይሊ ዚህቦ ውሽጣዊ ድፍኢት ይደሊ ኢዩ። ስለዚ ንሃይማኖት ከም መሳርሒ ተጠቒሙ ቃልስታቱ የካይድ ማለት ኢዩ። … more
መንእሰያት ኤርትራ ኣይተዓደሉን። ጽቡቕ ዕድል ከይጠዓሙሉ ተወዲኡ። ናጽነት ብምርካብ ክርህዎምን ክጥዕሞምን ዝሓሰቡዎ፡ ኣብ ፈቐዶ ናይ ስደተኛታት መዓስከራትን፡ ኣብ ዘይምቹእ ካልእ ቦታታትን ደሴታትን ሃገራትን ኮይኖም ይሳቐዩ ኣለዉ። … more
ሓደ ካብቲ ንኤርትራውያን ጸገም ኮይኑና ዘሎ ጉዳያት፡ ኣብ መንጎ ሃገርን መንግስትን ዘሎ ፍልልይ ኣነጺርካ ከተለሊ ዘይምኽኣል ኢዩ። ሃገር ከም መሬት መጠን፡ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ኪፈጥር ከሎ ዝፈጠሮ ቦታ ኢዩ። … more
ሓደ እዋን ኳዅ ግዜ ሞቱ ስለ ዝቐረበ ንደቁ ኣብ ጥቓ ዓራቱ ኪመጹ ኣዘዘ’ሞ፡ ከምዚ ኪብል ተዛረቦም፣ እነሆ እምበኣር ኣነ ኣሪገ እየ፡ ደጊም ምምዋተይ ቀሪቡ ኢዩ፡ ግን ሓደ ነገር ክመኽረኩም ስምዑኒ፣ ኣብ ኦም ዓሊብኩም ምስ እትህልዉ እሞ፡ ቈልዑ ናባኹም ቀሪቦም እምኒ ከልዕሉ ድንን ምስ ዚብ ሉ፡ ፍር ኢልኩም ደኣ ካብቲ ቦታ … more
እቲ ሕማም ኣብቲ ርእሲ ኢዩ ዘሎ። እቲ ላዕሊ ዘይጠዓየ፡ እቲ ታሕቲ ኪጥዒ ኣይክእልን። ሕዱር ሕማም’ዩ ዚመስል፡ ከተሕውዮ ድማ ጸገም ኢዩ። … more
ኣብዛ ዓለምና ጭርሖታት ኣይወሓዱን፡ ኣብ ግብሪ ደኣ ኣይወዓሉን እምበር። ንኣብነት ኣብቲ ኮሙኒዝም ዓሚሩሉ ዝነበረ እዋን፡ ማለት ኣብ 50ታትን 60ታትን፡ ኩሉ መንእሰይ ዓለም፡ ናይ ማርክስን ለኒንን ጭርሕታት በብመገዱ ኣቃሊሑ ኢዩ። … more
ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ ብሄረ ትግርኛ፡ ከምኡ’ውን ትግራዎት፡ ጓይላ ኣዚና ኢና እንፈቱ። ካብዚ እተላዕለ ኢዩ መስለኒ ኣምሓሩ፡ ኣባጅጎ ጓይላ ዊን ምስ ዚብሎ ንትግራዎት ወይ ንትግርኛ ተዛረብቲ ኢዩ መጀመርታ ዘጽግብ ዚብሉና። … more
ሓንቲ ካብ’ተን ደስ ዝብላኒ መደባትኩም፡ ብመምህር ኣማኑኤል ሳህለ እትቕረበልና ዘላ መደብ ‘ሓንቲ ዓለም’ እያ። ተሳትፎን ኣበርክቶን ኣማኑኤል ሳህለ ናብ መኣዲ-ኣሰና፡ ነቲ ጥዑም ቅጫኹም ዘጽግብ ጎጎ’ዩ ተደሪብዎ። … more
መነሊክ ንጣልያን ኣብ ዓድዋ ምስ ሰዓሮም፡ ኣብ ኤርትራ ውሑዳት ወትሃደራት ጣልያን ኢዮም ተሪፎም ነይሮም ይብሃል። ኣትዩ ከሳጉጎም ይኽእል ነይሩ። ግን ንኤርትራ ገጹ ኪቕጽል ኣይደልየን። ዓሻኽሩ ኣኻኺቡ ንሽዋኡ ደኣ ተመልሰ። … more
ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እተጋብአ ሃገራዊ ዋዕላ በጺሐ ምስ ተመለስኩ፡ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ይገብር፡ ሓንቲ ሰበይቲ ከምዚ ክትብል ሓቲታትኒ፣ ”እሞ ኸመይ ረኺብካያ ኢትዮጵያ? ምስ ለመንታን ምስ ርስሓታን ክኢልካያዶ? ስርቂኸ ገዲፎምዎ ዶ? ጥምየትከ ከመይ ነይሩ?” ዘይሓሰብኩዎ ሕቶ ኢዩ ነይሩ። … more
ብዛዕባ ብፓይሎታታን ብሆስተሳታን እተጨውየት ነፋሪት ዚሕብር ዜና ሰሚዕኩምዶ ትፈልጡ? ኣይመስለንን። ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚ ኣብ ዓለምና ልሙድ ኣይኮነን፡ ከመይሲ ከምዚ ዚገብሩ ፓይሎታት ሕሙማት ጥራይ ኢዮም ኪኾኑ ዘለዎም። … more
ሓቂ ክብርትን ብቐሊሉ ዘይትርከብን ጥሪት ስለ ዝኾነት፡ ብቝጠባ ክንጥቀመላ ይግበኣና። ስለዚ ኣብ ሓደ ብሓሶት እተጋዕተ ምግቢ፡ ቅሩብ ጨው ሓቂ ፈይ ኣቢልካ እንተ ዘይኮይኑ፡ ንሓቂ ብኹላ ብሓደ ግዜ እንተ ደኣ ተጠቒምካላ፡ ቀልጢፋ ኢያ እትውዳእ። … more