Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዝሓለፈ ዜናታት ኣሰና ከምዝተቐስናዮ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብጥምየት ኣመኽንዩ ንህዝቢ ካብቲ ንዘበናት ዝነበረሉ፡ ኣብያተ ክርስትያኑን መሳጊዱን ዑና ኣቦታቱን ዝተተኽሎ ዓድታት ብግዴታን ምትላልን ከፈናቕሎ ዝሓንጸጾ ውጥን ህዝቢ ይቃወሞ ‘ኳ እንተሎ ብወለንታ ኣምሲሉ ከተግብሮ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዘመተ ከካይደሉ ጀሚሩ ‘ሎ።

ስርዓት ህግደፍ፡ “ክትሃድሙ ተረኺብኩም” ብዝብል ምኽንያት ኣብ ቤትማእሰርቲ ዓዲዃላ (ካርሸሊ) ኣሲሩዎም ንዝቐነየ ሰለስተ ተማሃሮ/መንእሰያት ካብቲ ቤትማእሰርቲ ናብ ጎልጎል ኣውጺኡ ብኡንብኡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከምዝረሸኖም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓቢሮም።

እቲ ብጭንቀት ተዋሒጡ፡ ፈታዊኡን ጸላኢኡን ምልላይ ስኢኑ፡ ንዝረኸቦ ብጃምላ ምእሳር ተተሓሒዙዎ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝኣሰሮም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ቁጽሮም ካብቲ ኣብ ዜና ዝጠቐስናዮ ቁጽሪ ከምዝበዝሕ ምንጭታት ሓቢሮም።

MoE እቲ ብጭንቀት ተዋሒጡ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣባላት ራድዮ ባና ማለት ፈነወ ትምህርቲ ንዓበይቲ ዝርከቡዎም ልዕሊ 30 ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዊዓ ኣሲሩዎም ዝነበረ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት መንግስቲ ብሓላፍነት ዝሰርሑ ዝነበሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ብ5 ጥሪ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናብ ደሴት ዳህላክ ከምዘግዓዞም ኤሪትርያ ዎች ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሓድሽ ዓመት 2009፡ ብዕለት ሓደ ጥሪ ኣብ ከባቢ ማይ ጃሕጃሕ ጸሎት ይገብሩ ንዝነበሩ መብዛሕተአን ደቂንስትዮ ዝርከባኦም 54 ኣመንቲ ክርስትና ተጸናትዩ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኩሎም ኣምባሳደራትን ቆንስላትን ኤርትራ ከምኡ ‘ውን ኣብ ጎኒ ኤምባሲታት ኮይኖም ዝዓዩ ሓለፍቲ ህግደፍ ን10 ጥሪ ኣስመራ ክኣትዉ ብ’ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ቀጥታዊ ትእዛዝ ከምዝተዋህቦም መርበብ ሓበሬታ ኤሪትርያ ዎች ኣቐዲማ ንዘውጽኣቶ ሓበሬታ ኣሰና ኣረጋጊጻቶ።

ስርዓት ህግደፍ ነቲ ሓረስቶት ዘፍረዩዎ እኽሊ ናብ ቆፎኦም ከየእትዉ፡ ከይሸጡን ከይልውጡን ንምእጋድ ዘውጽኦ ግጉይ ፖሊሲ ንዝተቓወሙ 19 ምልሻ ኣብ ማይድማ ቤት ማእሰርቲ ስርሒት ሰለስተ ሓይሩዎም ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ኣቶኩሮ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ናብ’ቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ማሕበረ-ሰብ ኢርትራ ብሓፈሻ ዝጠመተ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ሰብኣዊ መሰላቶምን ናጽነቶም ተሓልይሎም ኣብ ፍትሒ ዝነገሶ ዓደታት ዝቕመጡ፡ ወዲ ሰብ ክሳብ ክንደይ ክቡር ምኻኑ ኣብ መዓልታዊ ሂወትም ዝዕዘቡ፡ ምሉእ መሰሎም ተሓልይሎም ምስ ደቀባት ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ተማዕራርዮም ዝነብሩ፡ ሕጊ፡ ፍትሒ፡ መሰል፡ ግቡእ፡ ዲሞክራሲ ዝብሉ ኣምራት ኣንታይ ምዃኖም ብግብሪ ዝምስክሩ ኤርትራውያን ዝዓለመ እዩ።

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ናይሮቢ ፡ ኬንያ ፡ ስርዓት ህግደፍ ብዝተፈላለየ ጉልባብ ገንዘብ ከዋጽኡ ንዝገበረሎም ጸቕጢ ብስሙር ድምጺ ከምዝነጸጉዎ ሎሚ 19 ታሕሳስ ብዘውጽኡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።

ሃገርና ኤርትራ  ኣብዚ ዉሽጢ  ዓሰርተ ሸዉዓተ ዓመታት ዘስካሕክሕ ፋሽሽታዊ ምሕደራ ህግደፍ: ኣብ ኩሉ ኣካላት ሕብረተሰብና ዝወረደን ገና እዉን ዝወርድ ዘሎ መጠን ዘይብሉ በደላትን  ጭቆናን ጸብጺብካ ዝዉዳእ ኣይኮነን:: ነዚ ሕጂ ብሰንኪ ስርዓት ኢሰይያስ ኣፍወርቅን ሰዓብቱን: ሃገርናን ህዝብናን ካብ ደገን  ዉሽጥን ኣብ ዝኾነ እዋን ክነቱግ ብዝኽእል ሓደጋ  ክንቃላዕ ገሩና ዘሎ ስርዓት: ብኣጋኡ ምስዘስተባህሉሉ ኤርትራዉያን ባእታትን ሓይልታትን ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ብማሃብ ንለዉጥን ፍትሕን ደው ኣብ ምባል ስለዝደንጎና ምኻኑ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ቅድሚ እዛ ሎሚ ማሃነና ጠፊእዋ ንኩሉ ዓይነት ሓደጋታት ተሳጢሓ ዘላ ሃገረ ኤርትራ ምስ ሕልንኡ ሙጉት ክገጥም ግቡእ እዩ::

 ስርዓት  ህግደፍ  ኣብ  ዓባይ ብሪጣንያ  መኸተና  ዋሕስ  ልኡላውነትናን  ዕብየትናን ብዝብል  ጉልባብ ንዕለት 07 ታሕሳስ 2008  ካልኣይ  ናይ  ዝምታ  ወፍሪ  ከካይድ  እዩ። ኣብ ዝሓለፈ  ቐዳማይ  ዝምታ  ወያነ  ኩናት  ክውልዓልና  ይቐራረብ  ኣሎ  ዝብል  ወረ ብምንፋስ ንህዝቢ ናብ  ዘይተደለየ  ሻቕሎት ብምሽማም  ማሕፉድኡ  መሊኡ:: ሕጂ  ድማ  ጭርሖኡ ብምትዕርራይ  ንኻልኣይ ዝምታ  ተበጊሱ  ኣሎ። 

 wegahtaኩነታት መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ደረጃ የንቆልቍል ኣሎ።

 

danስርዓት ህግደፍን ደገፍቱን ነቲ መሳለዪ ውልቀመላኺኦም ክኸውን ኣብ ዓዲ ጥልያን ዘአንገዱዎ ፈስቲቫል ንዝተቓወሙ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብኣእማንን ጠራሙዝን ከምዘጥቅዑዎም ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ። 

wegahtaሽፍታ ስርዓት ህግደፍ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ገይሩዎ ዝጸንሐ ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ንብረት ናይ ምእታው እገዳ፡ ኣብ ልዕሊ ውልቃውያን ገያሾ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ።

selfiካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ ዝተኣካኸቡ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ውልቀሰባትን፡ ግዳያት ግፍዕታት ህግደፍ 18 መስከረም ንምዝካርን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ብምቅዋምን ኣብ ብራስለስ (በልጁም) ኣብ ፊት ቀንዲ ቤትጽሕፈት ኢውሮጳዊ ሕብረት ውዕዉዕ ናይ ቃልሲ መንፈስ ዝመልኦ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ፍፍ 01ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብኤርትራውያን ተቐማጦ ፍራንክፈርት ጀርመን ናይ ዝተኻየደ ሰላማዊ ስልፊ ስእላዊ ምግለጺ

ንሕና ኣሕውትኩምን ኣሓትኩምን ኤርትራውያን ተቀማጦ ሃገረ ስዊደን፣ ብኩነታት ሕዝብና ፡ ኣብ ትሕቲ ማእሰርትን፣
መቅተልትን፣ ምህዳንን ዝርከብ ንግደስ፣ እዛ ሕጽር ዝበለት መልእኽቲ፣ ምዕዶን መለበምን ከነቅርበልኩም ንፈቱ።

ንቐዳም ዕለት 12.07.2008 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ኪፍጸም ዝተመደበ ካብ መላእ ሃገር ጀርመን ብዝመጹ ውልቀ
ሰባትን ኣባላት ኩለን ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባትን ኤርትራዊ ሲቪላዊ ማሕበራትን ዚሳተፍዎ ሰላማዊ ሰልፊ ኪኸውን
እዩ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ጠንቁ ብዘይተነጸረ ምኽንያት ኣብ ኣስመራ ዝመደበሮም ብዙሓት ነጋዶ ኣሲሩ ምህላዉ ምንጭታት ይሕብሩ።

ስርዓት ህግድፍ ካብ ወጻኢ ዓዲ ንምብጻሕ ንዝኣትዉ ኤርትራውያን ፍሉይ ኣተሓሕዛ ይገብረሎም ከምዘሎ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

demኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ሃገራውያንን፡ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምምካትን ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእን ኣብ ሓደ ጽላል ሰሚሮም ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ዕማም ከካይዱ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝኣተዉዎ ስምምዕ መሰረት፡ ትማሊ 8 ታሕሳስ ኣብ ለንደን ኣብ ቅድሚ’ቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝተወደበ ናይ ፕሮፖጋንዳ ኣኼባ ተረኺቦም ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራት፡ መደበራት ዜናን ግዱሳት ውልቀሰባትን፡ ሎሚ 2 ሕዳር ኣብ ለንደን ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ፡ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምምካትን ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእን ኣብ ሓደ ጽላል ሰሚሮም ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ዕማም ከካይዱ ብምሉእ ድምጺ ተሰማሚዖም። ነቲ ብስምረት ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ናይ መኸተ ዕማማቶም እተወሃህድ ሓባራዊ ሽማግለ ‘ውን ኣቝሞም።

ኣብዚ ብ25 ሕዳር ዘካይዶ ኣኼባ ክንሳተፍ እንተወሲና ርጡብ ሕቶ ንምሕታት ንዳሎ። እቶም ኣብቲ ኣኼባ ክትሳተፉ ዘይትደልዩ ድማ ኣብቲ ንገብሮ ታቤላዊ ተቓውሞ ተጸንበሩና። 7 Croatia Street (Between Dufferin and Bloor – South of Bloor and North of Dufferin Mall) ሃየ ግዜ ዝጠልቦ ስራሕ ንስራሕ!