ሓበሬታ ሰሚናር ሃገራዊ ኮሚሽን ንኹሎም ኤርትራዊያን ነበርቲ ስዊዘርላንድ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ(ሃኮዲለ)፡ ካብ ሃገራዊ ዋዕላ ሽግ ቓልሲ ተቐቢሉ፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንምውዳብ ዝቐራረበሉ ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ኣገዳሲ ምዕራፍ ሒዙ ይርከብ። ክንዮ ምእላይ ስርዓት ዉልቐ-መላኺ፡ ባህጊ ብቕዋም እትምራሕ፡ ብስርዓተ-ሕጊ እትመሓደርን ፍትሒ ዝሰፈናን፡ ኤርትራና ክዉን ንምግባር፡ ኩሉ ደላይ ለዉጢ ዝሸባሸበሉ ሃገራዊ ኮሚሽን፡ እቲ መሰጋገሪ መድረኽ፡ ጥጡሕ መታን ክኸውን፡ ዕማማቱ … more

ኣብ ስዊዘርላንድ 16 ዝኣባላታ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ቖይማ።

ሓንቲ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ – ስዊዝ፡ በቶም ካብ ከተማታት በርን ፡ ኒው-ሻተል፡ ሶሎቱን፡ ኣራው፡ ቮ(Vaud)፡ ጀነቭ፡ ባዝል፡ ዙሪክ፡ ሉዘርን፡ ሽዋይዝ፡ ሉጋኖን ፍሪቡርግን ዝመጹ፡ ኣብ ተቓዉሞ ደንበ ዘለዉ ኤርትራዉያን፡ ብ 27 ለካቲት 2011 ቖይማ።  ኣብዚ ኣኼባ’ዚ፡ እቶም ዝበዝሑ ተሳተፍቲ መንእሰያት እዮም ነይሮም።

ቁጽሪ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ስዊዘርላንድ ንሂሩ፡ ዝበዝሑ ሓተትቲ ዑቕባ ኸኣ ኤርትራውያን።

ቁጽሪ ናይቶም ኣብዚ ዝሓለፈ መበል ሳልሳይ ርብዒ ዓመት 2008 ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ካብ ናይ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ብ 40 ሚኣታዊት ክብ ከምዝበለ፡ ዝበዝሑ ሓተትቲ ዑቕባ ኸኣ ኤርትራውያን ምዃኖም ስዊዝ ኢንፎ ዝተባህለ ናይታ ሃገር መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።