ስርዓት ህግደፍ፡ መብዛሕትኦም ስድራቤት ስዉኣት ንዝኾኑ 57 ገባሮ ማዕረባ ኣምሳያ ካብ ስርዓቱ ዘመለጡ ደቆምን ደቂ ደቆምን 50 ሽሕ ናቕፋ ክኸፍሉ የገድዶም ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እቲ ዒብ ዘይብሉ ነውራም ስርዓት ህግደፍ፡ መብዛሕትኦም ድርብ ደቆም ንዝተሰውኡዎም 57 ገባሮ ማዕረባ ኣምሳያ ‘ቶም ካብ ስርዓቱ ዘመለጡ ደቆምን ደቂ ደቆምን 50 ሽሕ ናቕፋ ክኸፍሉ የገድዶም ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። … more

ናብ ኤርትራ ክገሹ መዲቦም ዝነበሩ 2 ሽሕ ኤርትራውያን ብሰንኪ እገዳ ባይቶ ጸጥታ መደብ መገሻኦም ከምዝሰረዙዎ ተፈሊጡ።

ኣብ ቅነ ልደትን ሓድሽ ዓመትን ናብ ኤርትራ ክገሹ መዲቦም ዝነበሩ ኣብ ኣመሪካን ጀርመንን ዝምቕማጦም 2 ሽሕ ኤርትራውያን ብሰንኪ ‘ቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝተበየነ እገዳ መደብ መገሻኦም ከምዝሰረዙዎ ምንጭታት ሓቢሮም። … more

ኤርትራውያን ተቐማጦ ኖርዝ ካሮላይና ኣሰና ንምስሳን ኣስታት 2 ሽሕ ዶላር ኣወፍዮም።

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣብ ኖርዝ-ካሮላይና ዝቕመጡ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ድምጺ ኣሰና ንምስሳን ብዝወሰዱዎ ተበግሶ ኣስታት 2 ሽሕ ዶላር ብምውጻእ፡ ኣብ ቀጻልነት ድምጺ ኣሰና ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም። … more

ከምዘይሕጋዊ ስደተኛ ክፍለጥ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ዜጋ ኣስታት 170 ሽሕ ዶላር ዕጫ ሎቶሪ በጺሑዎ።

ኣብ ሽወደን ን6 ዓመት ከምዘይሕጋዊ ስደተኛ ክቕመጥ ዝጸንሐ ወዲ 28 ዓመት ተስፋልደት ዝተባህለ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣስታት 1. 2 ሚልዮን ክሮነር ሽወደን ወይ ድማ ኣስታት 170 ሽሕ ዶላር ዕጫ ሎቶሪ በጺሑዎ፡ ነዚ ብጽቡቕ ዕድሉ ዝረኸቦ ዓወት ክቕበል ሎሚ 5 መስከረም ኣብ ቴለቪዥን ከምዝቐረበ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። … more

ኤርትራዊ ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ውድድር ቅድድም ጉያ 10 ሽሕ ሜትሮ ‘ኦል ኣፍሪካን ገይምስ’ ተዓውቱ።

ኤርትራዊ ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ዋና ከተማ ኣልጀርያ ኣልጀሪስ ኣብ ዝተኻየደ  ውድድር ቅድድም ጉያ 10 ሽሕ ሜትሮ ‘ኦል ኣፍሪካን ገይምስ’ ቀዳማይ ኮይኑ ብምዕዋት ወርቂ ማዳልያ ዓቲሩ። … more

ምእንቲ ሽም ሓደ፡ ከብዲ ሽሕ ነደደ!

ምእንቲ ሽምን ዝናን ስልጣንን ሓደ፡ ከብዲ ኣሽሓት ምዅናን፡ ከምቲ ኣብ ዘበን ሃይለስላሰ ዝተራእየ በንጻሩ ክልክሞም ክምዝኽእል'ውን ክስቆሮም ይግባእ። ኣሽሓት ብሓልንጊ ጥምየትን ዓጸቦን እናተሳቐዩ፡ መግቢ ኣብ መኽዘን ከዚኑ ብርእስኻ ምኽኣልን ዘይተጸባይነት ረዲኤትን ዝዋራዘ መንግስቲ፡ ሽምን ወንበርን ዘይኮነ ኩርማጅን ሓመድን እዩ ዝግብኦ። … more