ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ኣንጻር ገበነኛታት፡ ፕረዚደንት በሺር ክእሰር ፍቓድ ይህብ፡ /ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንዕኡ ‘ውን ከምዘይተርፎ ስግኣቱ ይገልጽ።

ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ኣንጻር ገበነኛታት፡ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ዳርፉር ብዝፈጸሞ ገበናት ‘ኵናትን ጸረ ሰብኣውነትን ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ናይ ማእሰርቲ ፍቓድ ከምዝሃበ ሎሚ 4 መጋቢት 2009 ኣብ ዘ ሄግ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። … more

ፕረዚደንት በሺር ንሕቶታት ተጠባቕቲ መሰል ጋዜጠኛታት መሊሱ።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ተጣባቒ መሰል ናጽነት ጋዜጠኛታት ዝኾነ ኣህጉራዊ ማሕበር፡ ‘ርፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’፡ ንናጽነት ሃገራውን ኣህጉራውን ጋዜጠኛታት ኣብ ሱዳን ብዝምልከት ንዘቕረበሉ ሰለስተ ሕቶታት፡ “ እንሓብኦ ነገር የልቦን” ብምባል፡ ከምዝመለሰ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ። … more