ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን ብመንገዲ ራድዮታት ማሕበረሰብ ኣቢሉ ህግደፍ ንዝዝርግሖ ከፋፋሊ ፕሮፖጋንዳ ከምዝጸቃልዑ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ስርዓት ህግደፍ  ብመንገዲ ደገፍቱ አቢሉ ካብ  ከተማ የቶቦሪ ዘመሓላልፎ ሓድነት ህዝቢ ዝበታትን ናይ ፕሮፖጋንዳ ራድዮ ፕሮግራም ደው ከብልን አብቲ ናይቲ ራድዮ መደባት አንጻር ኤሪትራውያን  ዝፍኖ ምፍርራሕ: ሓሶትን ዘለፋታትን ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድን  ብተወሳኺ  መንግስቲ ሽወደን ነቶም ብደገፍቲ ህግደፍ ዝመሓደሩ ናይ ራድዮ መደባት ጥብቂ ቁጽጽር ክገብሮሎም ከምዘለዎ ኣብ ዮቶቦሪ ዝርከቡ ግዱሳን ኤሪትራውያን … more

ኣብ ዶብ ግብጽን እስራኤል ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ብዘውረዱሎም ስቓይ 3 ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዝሞቱ መሰኻኽርር ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ገለ ተሓባበርቲ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ራሻይዳ፡ ብውሑድ ገንዘብ ናብ እስራኤል ከነስግረኩም ኢሎም ብምትላል ካብ ሱዳን ድሕሪ ምብጋስ ኣብ ምድረበዳ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ምስ በጽሑ ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ ገንዘብ ክኸፍሉ ብማረምትን ማእሰርትን ሓዊ ምንዳድን የገድዱዎም ኣለዉ። እዞም ሞቶም ዝብሃሉ ዘለዉ ሰለስተ መንእሰያት ከኣ ግዳያት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ግፍዒ እዮም።

ኣብ ከባቢ ዓላ፡ ባዚት ኣብ ዝብሃል ቦታ ካብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍ 500 ዝበጽሑ እሱራት ኣምሊጦም።

መንነቶም ዘይተፈልጠ ሰባት፡ ሰኑይ 12 ሓምለ ሰዓት ሰለስተ ወጋሕታ፡ ኣብ ከባቢ ዓላ፡ ባዚት ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ብዘካየዱዎ ስርሒት፡ 500 እሱራት ኣምሊጦም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።   

ተቐማጦ ከተማ ኮቨንትሪ ዓዲ እንግሊዝ ን መበል 18 ዓመት በዓል ናጽነት ብክብ ዝበለ ድምቕት ከምዝጸንበሉዎ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ።

አብቲ ብዓል መብዛሕትኦም ካብታ መዳሕንቶም ዝተቐብረትላ ሃገሮም ኤርትራ ህዝቦምን ገዲፎም ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝተሰደዱ መንእሰያት ተረኺቦም ነጺ ጽምብል ብባህላዊን ዘመናዊን ደርፊታት ሓባራዊ ናይ ድራር ግብጃን ግብጃን ከምዝጸንበሉዎ ተሓቢሩ። 

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ነቲ ህዝቢ ናይ 88 ዓድታት ኣፈናቒሉ ንምግዓዝ መዲቡዎ ቦታ ተዘዋዊሩ ተዓዚቡዎ።

መራሒ ስርዓት ህግደፍ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብጽኑዕ ሓለዋ ተሰንዩ ናብ ዞባ ጋሽ ባርካ ብምኻድ፡ ካብ 88 ዝተፈላለያ ዓድታት ከበሳ ህዝቢ ኣፈናቒሉ ንምግዓዝ መዲቡሉ ዘሎ ከባቢ ዓሊግድርን ፋንኮን ገርሰትን ተዘዋዊሩ ከምዝተዓዘበ ብምምልካት፡ እቲ ናይ ምፍንቃል መደባት ንኽቃላጠፍ ተሪር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ከምዘሎ ምንጭታትና ሓቢሮም።