ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝነጥፉ ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት ብመንግስቲ ኣውስትራልያ መእተዊ ቪዛ ተኸሊኦም።

ነቲ ህዝባዊ ተቐባልነቱ ኣንቆልቍሉ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ንምርዳእ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ብደርፊ ንምጕስጓስ እቲ ስርዓት ብዘውጽኦ መደብ መሰረት ናብ ኣውስትራልያ ነቒሎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት መንግስቲ ኣውስትራልያ መእተዊ ቪዛ ከምዝኸልኦም፡ ካብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣርዲኡ። … more

ስርዓት ህግደፍ፡ ፖለቲካዊ ጎስጓስ ከካይዱሉ ዝሓረዮም ደረፍቲ ብመንግስቲ እንግሊዝ መእተዊ ቪዛ ስለዝተኸልከሉ ብሓሶት ናይ ዲፕሎማት ፓስፖርት ኣውጺኡ ቪዛ ኣሳሊጡሎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ህዝቢ ባይታ ስኢኑ እናተነጸለ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነበር ህዝቢ ብስምዒት ንምሓዝን መደልደሊ ዲክታተርያዊ ስርዓቱ ዝኸውን ዶላራት ንምጥርቓምን ኣበጊሱዎ ኣብ ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ባህላዊ ጎስጓስ ክጥቀመሎም ዝሓረዮም ደረፍቲ ብመንግስቲ እንግሊዝ መእተዊ ቪዛ ስለዝተኸልከሉ ብሓሶት ናይ ዲፕሎማት ፓስፖርት ኣውጺኡ ብምድንጋር ቪዛ የሳልጠሎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። … more

ቪዛ

ሚኒስተረ ደኣ እንታይ ረኸበኩምእስኹም ትኽእሉ ቪዛ ተኸልኪልኩምዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ’ዶ ክብሉ ሰሚዕኩምበጃ ጌርክሞ ዘርእሰናይ ወድኹም:: … more

ናይ ኦሎምፒክ ማዳልያ ተሸላሚ ኤርትራዊ ዘርእሰናይ ታደሰ ብመንግስቲ ኤርትራ ቪዛ ተኸልኪሉ።

ናይ ኦሎምፒክ ማዳልያ ተሸላሚ ኮይኑ ንኤርትራ ኣብ ዓለም ዘጸውዐ በሃር ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ጉዳይ ስፖርት ነቐፌታዊ ርእይቶታት ብምቕራቡ፡ ብመንግስቲ ኤርትራ መውጽኢ ቪዛ ስለዝተኸልከለ ሎሚ 21 መስከረም ኣብ ኣምስተርዳም (ኔዘርላንድስ) ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ውድድር ጉያ “ዳም ቱ ዳም” ክሳተፍ ከምዘይከኣለ ምንጭታት ሓቢሮም። … more