ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣትላንታ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ ኤርትራውያን ናይ ሽምዓ ዝኽሪ ገይሮምሎም

ብሰንበት ዕለት 17, 2011 ነበርቲ ከተማ ኣትላንታን ከባቢኣን ነቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ባሕሪ ሊብያ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ ንምዝካርን ጸሎቶም ንምብጻሕን ተኣኪቦም ኣምስዮም። እቲ መደብ ብግዱሳት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተዳለወ ኮይኑ፣ ክሳብ 300 ዝኸውን ህዝቢ ተሳቲፍዎ። ህዝቢ ዝኽረ ሰማእታት ድሕሪ ምግባሩ፣ ዝተፈላለየ ቃላት ብመራሕቲ ሃይማኖትን ተሳተፍትን ቀሪቡ። ኣብ መደምደምታ … more

ወራዙት ከም ዓይበት ይቕደዳ ማእምን ከኣ ጥራጥ ተራእዩዋ!

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ስእላዊ መግለጺ ናይ 20 ዓመት ናይ ስራሕ ንጥፈታት ሃገረ ኤርትራ እንዳመላኽዕ ኣእዛን ዝቐድድን ንኣእምሮ ዘናውጽን መናፍሕ ክወቕዕ ወርሑ ኣሕሊፍ ኣሎ። ብሲምፖዚየም ጉዕዞ 20 ዓመት ናጽነት እንዳተባህለ  ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ጉራ ክነዝሕ ንዕዘብ ኣለና። ዋላ ንቐልዓለም እኳ ይኹን እዚ ተጋጊና፣ ካብዚ ተማሂርና ትብል ቅንጣብ ቃል ኣይሞሎቆትን። ከመይ ዝበሉ ብጹኣን … more

ናይ ኢሳያስ ፍሽኽታ፣ ሕንዚ ተመን ኣላታ።

ኣብዚ ዘሎናዮ ሰሙን፡ ናይ ኤርትራ ማዕከናት ወረ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሕቶን መልሲን ክህብ ኢዩ ኢለን የመልክታ ኣሎዋ። መሰናይታ ናይ’ቲ ኣዋጅ ከኣ ስእሊ ኢሳያስ ኮኒ ኢልካ ዝተመርጸ ምስ ፍሽኽታኡ የርእያ ኣሎዋ። “ክርእይዎ ዝጸልኡዎስ ኣብ ቤት መቕደስ ቅበሩኒ”በለ  ከም ዝብሉዎ ኣቦታትና፡ ኢሳያስ ብህዝቢ ክንደይ ከምዝተጸልአን ከም ዝተፈንፈነን ኣይርድኦን እዩ።

ናይ ሽምዓ ምሸት ንዝኽሪ ግዳያት መዲተራንያን ኣብ ቤይ ኤርያ ካሊፎርንያ

ህዝብና ብሰንኪ ኣብ ሊብያ ዘጋጠመ ደረት ኣልቦ ቅዝፈት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ መሪር ሓዘን ይርከብ። ሞት ናይዞም ኣስታት 400 ኤርትራውያን ዕሸላት ንኹሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራውን ንማሕበረሰብ ዓለምን ኣስካሕኪሕዎን ኣንቀጥቂትዎን እዩ። እህህ ኢልና ኣምሪርና ሓዚና እኳ እንተኾንና እቲ ጓሂ ግና ክወጽኣልና ኣይከኣለን።

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ዝጠፍኡ 325 ዝተሰመዖም ሓዘን ንምግላጽ ኤርትራውያን ናይ ሓዘን ስነስርዓት ኣካይዶም።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ዝወረደ ናይ 325 ህልቂት ብሓደ ኮይኖም ክሓዝኑሉን ብቐጥታ ንዝተተንከፉ ቤተሰብ ንምጽንናዕን ብዝገበሩዎ መደብ መሰረት፡ ልዕሊ 5 ሽሕ ህዝቢ ሎሚ ንጉሆ 9 ሚያዝያ ኣብ ቴልኣቪቭ ተኣኪቡ ብጸሎተ ፍትሓት መራሕቲ ሃይማኖት ዝተመርሐ ናይ ሓዘን ስነስርዓት ከምዘካየደ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ፡ እቲ … more

ናይ ሰዓት መደብ ፈነወ ሓጺር ማዕበል ራድዮ ድምጺ ኣሰና ናብ ኤርትራ ሎሚ ሰኑይ 21 መጋቢት ፈሊሙ።

እዚ ሎሚ ጀሚሩ ዘሎ፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ማለት፡ ሰኑይ፡ ረቡዕን ዓርብን ብኣቋጻጽራ ኤርትራ ካብ ሰዓት 8፡00 ክሳብ ሰዓት 9፡00 ምሸት ዝፍኖ መደብ፡ ነታ ብፍላይ ናብ ኤርትራ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ ነናይ ፍርቂ ሰዓት መደብ ጥራይ ትፍኑ ዝነበረት ራድዮ ኣሰና፡ ካብ ጽበት ግዜ ብመጠኑ ከገላግላ እዩ።

ጸብጻብ ናይ’ቲ ዕዉት ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ወዲ ገራህቱ

ብቀዳም ዕለት 19/02/2011 ኣብ ከተማ ሸፊልድ ብተቐማጦ እታ ከተማ ዝተወደበን ዝተጸውዐን ዕዉት ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዕሱብ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተጸውዐ ኣኼባ ተኻይዱ ነይሩ። እንተኾነ ግን ብመንጽር ካብ ሞንጎ ልዕሊ 1200 ተቐማጦ እታ ከተማ ክርአ ከሎ ሒደት ዚተሳተፍዎ ኣኼባ ኢዩ ኣካይዱ።

ለንደን ዝርከቡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ኣብ ፊት ኤምባሲ ኤርትራ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንኽመጽእ ዝቃለሱ ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ኣብ ለንደን ፊት ኤምባሲ ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ክወርድ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ናይ ሰባት ውልቃዊ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ዘይሓላፍነታዊ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት እቲ ንኹሉ ኣንጻር ምልክን ዕብለላን ስቅያትን ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ ዘሰንበደ ተርእዮ ውልቃዊ ሓበሬታ ኣብ ዋዕላ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳተፋ ሽድሽተ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣሕዋትና፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሓርነት ዶት ኦርግ

ፈስቲቫል መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንምድላው ዝግበር ዘሎ ናይ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ሸበድበድ፡ ብሲቪካዊ ማሕበር ኣብ ኖርወይ ተሪር ተቓውሞ የጋጥሞ`ሎ!!

እቲ ብስም መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝፍለጥ ማሕበር ናይ መበል ሻብዓይ ዓመት ጉባኤኡ ንሚያዝያ 2011 ኣብ ኖርወይ ንኽገብር እሻባሸብ ከም ዘሎ፡ ርጉጽ ሓበሬታ ዘለዎም ምንጭታትና ሓቢሮም ከም ዝነበሩ፡ ብዕለት 22.12.11 ኣብ መርበብ ሓበሬታታት፡ ዜና ዘርጊሕና ምንባርና ዝዝከር`ዩ፡፡

ምህሮ ቱኒዝያ ይቕጽል፡ ናይ ሓርነት ጥቕስታት (ጸብጻብ ቴለቪዥን – (ኣጀዚራ )

ሓደ ተራ ቱኒዝያዊ፡ “ ሎሚ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ርእየዮ ዘይፈልጥ ገጽ ቱኒዝያ እርኢ ‘ለኹ። ቅድም፡ ኩላትና ንሕሱ፡ ብሓሶት ነንሕድሕና ንጠቓቓዕ ኔርና። ሎሚ  (እቲ መላኺ ምስ ተኣልየ) ግን ነንሕድሕድና ተኣማሚና ኢድ ንኢድ እናተሓጋገዝና ብሓባር ንሰርሕ ኣለና።” ይብል።

ስርዓት ህግደፍ፡ ከም መቐጸልታ ናይ ጥፍኣት ኣዋጁ ኣብ ሓማሴን ንብምሉኡ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ዘሎ ማይ-ክዖ ሰብ ይኹን ጥሪት ከም ዘይሰፍሮ ገይሩ።

ሰማዒ ዝሰኣነ ኣውያት ህዝቢ ኣብዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሰክሕ ግፍዕታት ስርዓት ኢሰያስ ተጸሚዱሉ ዘሎ ግዜ፣ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ብሕርሻን መጓሰን ዝነብር ህዝቢ ንጥፍኣቱ ዝሃቀነ ሓድሽ መርድእ ካብ መንግስቲ ህግደፍ ተነጊሩዎ ኣሎ።

ኣብ መልበርን፡ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሎሚ 8 ጥሪ ጸረ-ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። (ንምሉእ ትሕዝቶ ብ ድምጺ ኣሰና ብቐጥታ ዝተዳለወ ጸብጻብ ተኸታተሉ።)

ብመከራን ስቓይን ህዝቦም ዝግደሱ፡ ኣብ መልበርን፡ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ውፉያት ኤርትራውያን፡ ሎሚ 8 ጥሪ ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።