ዓመታት ናጽነት ዝኽርታት ሓበን ክብረት’ዶ ዝኽርታት ሓዘን??? – ብሚኪኤል እምባየ
ሃገርና ኤርትራ ካብቲ ሕሱምን መሪርን ተኸታታሊ ኣድራዕ መግዛእቲ ባዕዲ ተገላጊላ ኣኸሊል ናጽነት ካብ ትጭብጥን ትዓትርን እነሆ ዝመጽእ 24 ግንቦት 2011 ድፍን 20 ዓመታት ትመልእ ኣላ፡፡
ሃገርና ኤርትራ ካብቲ ሕሱምን መሪርን ተኸታታሊ ኣድራዕ መግዛእቲ ባዕዲ ተገላጊላ ኣኸሊል ናጽነት ካብ ትጭብጥን ትዓትርን እነሆ ዝመጽእ 24 ግንቦት 2011 ድፍን 20 ዓመታት ትመልእ ኣላ፡፡
ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ስእላዊ መግለጺ ናይ 20 ዓመት ናይ ስራሕ ንጥፈታት ሃገረ ኤርትራ እንዳመላኽዕ ኣእዛን ዝቐድድን ንኣእምሮ ዘናውጽን መናፍሕ ክወቕዕ ወርሑ ኣሕሊፍ ኣሎ። ብሲምፖዚየም ጉዕዞ 20 ዓመት ናጽነት እንዳተባህለ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ጉራ ክነዝሕ ንዕዘብ ኣለና። ዋላ ንቐልዓለም እኳ ይኹን እዚ ተጋጊና፣ ካብዚ ተማሂርና ትብል ቅንጣብ ቃል ኣይሞሎቆትን። ከመይ ዝበሉ ብጹኣን … more
ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ስለናጽነት ዝተወፈዩ ኣቦታትን ኣዴታትን ከምኡ ‘ውን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሃገራዊ ግቡኦም ዝፈጸሙ መንእሰያት ዝርከቡዎም ኣብ ሚላኖ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ስደተኛታ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጽነት ጻማ ቓልሱ ከምዘይረኸበ ምስ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም።
ስርዓት ህግደፍ፡ ብዝተኸተሎ ግጉይ ፖሊስን ምሕደራን ትምህርቲ፡ ዓውዲ ትምህርቲ ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ናጽነት ፍረ-ኣልቦ ከምዝነበረ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምምዕባል ካሪክለምን ምስትምሃርን ዝነጥፉ ዝነበሩ ክኢላታት፡ መማህራን ዩኒቨርሲትን ተሳተፍትን ትማሊ 13 መጋቢት ኣብ ለንደን፡ ዓባይ ብሪጣያን ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዘካየዱዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም።
ብሪጋደር ጀነራል ተኸስተ ሃይለ 3ይ ክፋል ኣቐዲመ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ናይ ኣኽብሮት ሰላምታይ የቐድም። ብዙሓት ሰብ ሕልና ደለይቲ ፍትሒ፡ መሰል ውልቓዊ ናጽነተይ ብምግሃሱ፡ ንመሰለይ ምክልኻል ዓገብ ምባል ቕሬታይ ምግላጽጽ፡ ከም ቕኑዕ ሕጋዊ ሕቶ`ዩ ኣሚንኩም ኣብ ጎንካ ኣለና ኢልኩም ብኢመይል ሕልናዊ ደገፍ ሞራላዊ ምትብባዕ ዝገበርኩሙለይ፡ የቐንየለይ ክብረት ይሃበለይ ክብለኩም ኩርዓት … more
ቶጎርባ.ኮም ይቕሬታ ዝሓተትካሉ ትደግሞ ኣለኻ ሕጋዊ ዲዩ? ብሪጋደር ጀነራል ተኸስተ ሃይለ 2ይ ክፋል ከም ወትሩ ንኩሉ ደላይ ሰላም ደላይ ፍትሒ ዕዙዝ ሰላምታይ የቐድም።
ኣቐዲመ ንኩሉ ደላይ ሰላምን ፍትሕን ዕዙዝ ሰላምታይ የቕርብ። ቐጺለ <ውልቓዊ ናጽነት መሰል ሰብ ምኽባር> ባህርያዊ ትዕድልቲ ደቒ ሰባት ስለዝኾነ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ከኽብሮ ዝግባእ`ዩ። መሰረታዊ መትከል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሕጊ ዝሰፈረ ክብርን መሰልን ደቒ ሰባት ኢዩ።
ፕረዚደንት ኢሳያስ (ፒኢኣ) ካብ ሜዳ ኣትሒዙ ሓሶት ብምድግጋምን ምድንጋርን ጥራይ ከይኣክል ብሓሶት ሓደ ምስ ሓደ እንዳናቖተ ስልጣኑ ከምዘጣጠሐ፣ በቲ መንካዕ’ባ የሚን’ባ እንዳተባህሉ ዝጠፍኡ ዝነበሩ ውፉያት ተጋደልቲ ከነረጋግጽ ንኽእል። እንተኾነ መብዛሕተኦም ተጋደልትና ኣይስተውዓልዎን።
ብ18ን 19ን መስከረም 2001፡ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም፡ ኣባላት ማእከላይን ሃገራውን ባይቶ ዝነበሩ፡ ገዳይምን ህቡባትን ተጋደልቲ (G15)፡ ፕረዚደንት ብሕጊ ኪቕየድ፡ ቅዋም ኪትግበር፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ኪርከብ፡ ናጻ ፖለቲካውያን ማሕበራትን ሰልፍታትን ኪቆማ፡ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኪፈርስ፡ ሃገራዊ ገምጋም ስራሕ ኪግበር፡ ብምሕታት ናብ ህዝብን ተጋደልትን ቅሉዕ ደብዳቤ ዝጸሓፉ መራሕቲ፡ ብንግሁኡ ተሃዲኖም ተወሲዶም ደሃዮም … more
ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ነባሪ ኢንዲያናፖሊስ ኢንዲያና ዝርከቡ ኤርትራውያን “ ንጽምብል ናጽነት በበይንካ ተኸፋፊልካ ምብዓል የብቅዕ “ኣብ ትሕቲ ዝብል ሓድነታዊ ጭርሖ ኣጽሊሉ፡ ብመሪሕነት ካብ ውሽጢ ህዝቢ ዘቖማ ናይ ገዛእ ርእሱ ሽማግለ ዕዉት በዓል ናጽነት ከምዘሕለፈ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
አብቲ ብዓል መብዛሕትኦም ካብታ መዳሕንቶም ዝተቐብረትላ ሃገሮም ኤርትራ ህዝቦምን ገዲፎም ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝተሰደዱ መንእሰያት ተረኺቦም ነጺ ጽምብል ብባህላዊን ዘመናዊን ደርፊታት ሓባራዊ ናይ ድራር ግብጃን ግብጃን ከምዝጸንበሉዎ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ካብ ኣባላት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ቤርገሳውያን ማሕበራትን ብዝተዋጽኡ ዜጋታት ዝቖመት ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ተወዲቡ ትማሊ 24 ግንቦት ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ዝተኻየደ ጽምብል፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ከምኡውን ገዳይም ተጋደልቲ ዓበይቲ ዓድን ምሁራንን ተረኺቦም።
ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ን24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብልዑል ሃገራዊ ወንን ናይ ቃልሲ መንፈስን ከምዝጸምበላ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝበጽሑና ጸብጻባት ኣመልኪቶም። ናይ ሎሚ ዘበን ጽምብል ናጽነት ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝፍለየሉ ምኽንያት፡ ነቲ ንህግደፍ ከም ኤርትራ፡ ንመዓልቲ ናጽነት ከኣ ከም ድግስ ህግደፍን ደገፍቱን ጥራይ ዝጽምብል ፈላላዪ ዳሳት ህግደፍ ብምብዳህ፡ … more
ናጽነት፦ ድምጺ ሓፋሽ ስምዒ፤ ድምጺ ብጁዋትኪ፡ ናብ ዕረ ተቀዪሩ፤ ጣዕሚ መቀረትኪ፡ ፍሰሃ ጎዲልዎ፤ ኣብቲ በዓላትኪ፡ ጋሻ ውሒድዎ፤ ኣብ ኩሉ ዳሳትኪ፡ ስለምንታይ ኢልኪ፤ ሕተቲ ብቃላትኪ፡ ነቶም ናትኪ፧